Mark (7/16)  

1. ሽዑ ፈሪሳውያንን ሓያሎ ኻብ የሩሳሌም ዝመጹ ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ።
2. ንሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዝረኸሳ፡ ማለት ብዘይተሐጽባ ኣእዳው እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ ረኣይዎም።
3. ፈሪሳውያንን ኲሎም ኣይሁድን ስርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኺሕልዉ፡ ኣእዳዎም ኣጸቢቖም ከይተሐጽቡ ከቶ ኣይበልዑን ነበሩ እሞ፡
4. ካብ ዕዳጋ ምስ መጹውን፡ ከይተሐጽቡ ኣይበልዑን ነበሩ። ካልእ ብዙሕ ድማ፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን ድስትን ዓራትን ዚመስል፡ ኪሕልውዎ ኢሎም እተቐበልዎ ነበሮም።
5. ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፡ ስለምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ኸም ስርዓት ዓበይቲ ዘይከዱ፡ ኣእዳዎም ከይተሐጽቡስ እንጌራ ዚበልዑ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
6. ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኢ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሀሩን፡ ብኸንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኸም ጽቡቕ ተነበየ።
7. ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኢ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሀሩን፡ ብኸንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኸም ጽቡቕ ተነበየ።
8. ትእዛዝ ኣምላኽ ሐዲግኩም፡ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣሎኹም፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን፡ ብዙሕ ካልእ ድማ ነዚ ዚመስልን ትገብሩ ኣሎኹም።
9. ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ።
10. ሙሴ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ፡ ሞት ይሙት፡ ኢሉ ኣሎ።
11. ንስኻትኩም ግና፡ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ ቚርባን ገይረዮ እየ፡ ማለት መባእ እዩ፡ እንተ በሎም፡
12. ደጊም ንቦኡ ወይስ ነዲኡ ሓደ ነገር ኪገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም።
13. ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ስርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩ፡ ነዚ ዚመስልውን ብዙሕ ትገብሩ ኣሎኹም።
14. ነቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ጸዊዑ፡ ኲልኹም ስምዑንን ኣስተውዕሉን።
15. ካብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱስ ገለ እኳ ኼርክሶ ኣይክእልን እዩ።
16. እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በሎም።
17. ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ምስላዚ ሐትትዎ።
18. በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ድማ ክሳዕ ክንድዚ ደናቚርቲ ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ ዂሉ ኼርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧
19. ናብ ከብዲ እምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ እሞ፡ ንዂሉ መባልዕ እናጽረየ ድማ እዩ ንግዳም ዚወጽእ።
20. በለ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ ደኣ እዩ ንሰብ ዜርክሶ።
21. ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡
22. ዝሙት፡ ስስዔ፡ ክፍኣት፡ ጒርሒ፡ ቅለት፡ ቅንኣት፡ ጸርፊ፡ ኲርዓት፡ ዕሸነት።
23. እዚ ዂሉ ኽፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእ፡ ንሰብ ከኣ የርክሶ።
24. ካብኡ ነቒሉ ኸኣ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ሓደ እኳ ኺፈልጦ ኣይፈተወን፡ ኪሕባእ ከኣ ኣይኰነሉን።
25. ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጓላ ብርኹስ መንፈስ እተታሕዘታ፡ ወሪኡ ሰሚዓ መጸት፡ ኣብ እግሩውን ተደፍኤት።
26. እታ ሰበይቲ ጽርኣዊት ነበረት፡ ወለዶኣ ሶርያ ፍንቄ እዩ። ካብ ጓላ ጋኔን ኬውጽኣላ ኸኣ ለመነቶ።
27. የሱስ ድማ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኰነን እሞ፡ ሕደጊ፡ ቅድም ነቶም ውሉድ ይጽገቡ፡ በላ።
28. ንሳ ኸኣ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ርፍራፍ ውሉድ ካብ ትሕቲ መኣዲ ይበልዑ እዮም፡ ኢላ መለሰትሉ።
29. ንሱ ድማ፡ ስለ እዚ ቓልዚ ኺዲ፡ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወጺኡ፡ በላ።
30. ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ እታ ቘልዓ ኣብ ዓራት በጥ ኢላ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ወጺኡላ ረኸበታ።
31. ከም ብሓድሽ ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ጢሮስ ወጸ፡ ብሲዶና ገይሩ ኸኣ፡ ብማእከል ዓሰርተ ዓዲ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ።
32. ሓደ ጸማምን ዓባስን ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኢዱ ኼንብረሉ ለመንዎ።
33. ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ ድማ፡ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ፡ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ።
34. ናብ ሰማይ ቊሊሕ ኢሉ ኣተንፊሱ ኸኣ፡ ኤፋታ፡ በሎ። እዚ፡ ተኸአት፡ ማለት እዩ።
35. ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፍታ፡ ማእሰርቲ ልሳኑ ድማ ተፈትሔ፡ ኣቕኑዑውን ተዛረበ።
36. ንሓደ እኳ ኸይነግሩ፡ ኣምሪሩ ኣዘዞም። ንሳቶም ግና ብመጠን እቲ ዝኸልከሎም ኣዝዮም ኣውረዩ።
37. ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ንዂሉ ጽቡቕ ገበሮ፡ ጸማማት ከም ዚሰምዑ፡ ዓባሳት ከም ዚዛረቡ ገበረ፡ እናበሉ ብዘይ ልክዕ ተገረሙ።

  Mark (7/16)