Mark (6/16)  

1. ካብኡ ወጺኡ ናብ ዓዱ መጸ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ሰዐብዎ።
2. ብሰንበት ድማ ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ጀመረ። ብዙሓት ንእኡ ሰሚዖም፡ ነዚ ነገርዚ ኻበይ ረኸቦ፧ ከምዚ ዝበለ ሓይልታት ብኢዱ ዚግበርከ፡ እንታይ ጥበብ ተዋህበቶ፧
3. እዝስ እቲ ጸራቢ ወዲ ማርያም፡ ሓው ያእቆብን ዮሴን ይሁዳን ስምኦንን ደይኰነን፧ ኣሓቱስ ኣብዚዶ ምሳና ኣየለዋን፧ እናበሉ ተገረሙ፡ ብእኡ ኸኣ ተዐንቀፉ።
4. የሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ኣይነዐቕን እዩ፡ በሎም።
5. ኣብኡ ኸኣ፡ ብዘይ ንሒደት ሕሙማት ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮም እምበር፡ ሓይሊ ኺገብር ኣይኰነሉን።
6. በቲ ዘይምእማኖም ድማ ገረሞ። እናመሀረ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ዓድታት ዞረ።
7. ነቶም ዓሰርተው ክልተ ድማ ጸውዖም በብኽልተውን ኪልእኮም ጀመረ። ኣብ ርኹሳት መናፍስቲ ኸኣ ስልጣን ሀቦም።
8. ንመገዲ ድማ በትሪ ጥራይ እምበር፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገለ ገንዘብ እኳ ኣብ ቅናውቶም ከይማልኡ ኣዘዞም።
9. ግናኸ ኣሳእንኩም ኣእትዉ፡ ክልተ ቐምሽ ኣይትከደኑ፡ በሎም።
10. ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ካብኣ ኽሳዕ እትወጹ፡ ኣብኡ ተቐመጡ።
11. ኣብታ ዘይተቐበሉኹም ወይስ ዘይሰምዑኹም ስፍራ፡ ካብኣ ወጺእኩም፡ ንኣታቶም ንምስክር ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ዓዲ እቲኣስ ንሶዶምን ንጎሞራን ከም ዚቐልል፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
12. ንሳቶም ድማ ወጺኦም፡ ሰብ ኪንሳሕ ሰበኹ።
13. ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ ንብዙሓት ሕሙማትውን ዘይቲ ለለኽዮም ኣሕወይዎም።
14. ንጉስ ሄሮድስ ድማ እዚ ሰምዔ፡ ስሙ ተጋሂዱ ነበረ እሞ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ካብ ምውታት ተንስኡ እዩ፡ ስለዚ ኸምዚ ዝበለ ሓይሊ ብእኡ ይግበር ኣሎ፡ በለ።
15. ካልኦት ግና፡ ኤልያስ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፡ ንብዪ ኸም ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ በሉ።
16. ሄሮድስ ግና እዚ ምስ ሰምዔ፡ እዚ እቲ ኣነ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ እዩ፡ ንሱ ኻብ ምውታት ተንስኡ፡ በለ።
17. ዮሃንስ ንሄሮድስ፡ ሰበይቲ ሓውካ ንኣኻ ኽትከውን ኣይግብኣካን፡ ኢልዎ ነበረ። ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፡ ብሰኣ ልኢኹ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ።
18. ዮሃንስ ንሄሮድስ፡ ሰበይቲ ሓውካ ንኣኻ ኽትከውን ኣይግብኣካን፡ ኢልዎ ነበረ። ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፡ ብሰኣ ልኢኹ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ።
19. ሄሮድስ ዮሃንስ ጻድቕ፡ ቅዱስ ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ። ምስ ሰምዖ ድማ፡ ይጭነቕ ብሓጐስውን ይስምዖ ነበረ። ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶ፡ ክትቀትሎውን ደለየት፡ ግናኸ ኣይተኻእላን።
20. ሄሮድስ ዮሃንስ ጻድቕ፡ ቅዱስ ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ። ምስ ሰምዖ ድማ፡ ይጭነቕ ብሓጐስውን ይስምዖ ነበረ። ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶ፡ ክትቀትሎውን ደለየት፡ ግናኸ ኣይተኻእላን።
21. ምሽእቲ መዓልቲ ምስ ኰነት፡ ሄሮድስ እተወልዳላ መዓልቲ፡ ሽዑ ንዓበይቱን ንሸለቓታትን ንሹማምቲ ገሊላን ምሳሕ ገበረ።
22. ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስን ምስኡ ንተቐመጡን ከኣ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስ ነታ ጓል፡ ዝደሌኽዮ ሰምንኒ እሞ ኽህበኪ፡ በላ።
23. ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እንተ ዀነ እኳ፡ ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ፡ ኢሉ መሐለላ።
24. ወጺኣ ድማ ነዲኣ፡ እንታይ ክልምኖ፧ በለታ። ንሳ ኸኣ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥመቕ፡ በለታ።
25. ብኡብኡ ቐልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ሕጂ ሕጂ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኽትህበኒ እደሊ ኣሎኹ፡ ኢላ ለመነቶ።
26. እቲ ንጉስ ድማ ኣዝዩ ሐዘነ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም መቓምጡን ግና ኪኸልኣ ኣይፈተወን።
27. ብኡብኡ ድማ እቲ ንጉስ ንሓደ ዓቀይታይ፡ ርእሱ ኼምጽእ ኣዚዙ፡ ለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሱ ሰየፈ።
28. ብሒላብ ኣምጺኡ ድማ፡ ነታ ጓል ሀባ፡ እታ ጓልውን ነዲኣ ሀበታ።
29. ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሰሚዖም መጹ፡ ነቲ ሬሳኡ ኣልዒሎም ናብ መቓብር ኣእተውዎ።
30. እቶም ሃዋርያት ድማ ናብ የሱስ ተኣከቡ፡ ዝገበርዎን ዝመሀርዎን ከኣ ኣዛረብዎ።
31. ንምብላዕ እኳ ጊዜ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ ዚመጹን ዚኸዱን ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢሎኩም፡ ሓንሳእ ክትዐርፉ ንዑናይ፡ በሎም።
32. በይኖም ብጃልባ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ።
33. ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ረኣይዎም፡ ብዙሓትውን ኣለለይዎም። ካብ ኲለን ከተማታት ድማ ብእግሪ ናብኡ ጐየዩ። ቀዲሞምዎም ድማ መጹ፡ ናብኡውን ተኣከቡ።
34. የሱስ ምስ ወጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ። ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም፡ ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ።
35. እቲ ጊዜ ኣዝዩ ምስ ሐለፈ፡ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ እዛ ቦታ እዚኣ በረኻ እያ፡ ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ፡
36. ዚብላዕ የብሎምን እሞ፡ ኣብ ጥቓና ናብ ዘሎ ኣቚሻትን ዓድታትን ከይዶም፡ ንኣታቶም ዚበልዕዎ ኺዕድጉ ኣሳናብቶም፡ በልዎ።
37. ንሱ ግና መሊሱ፡ ኪበልዑ ንስኻትኩም ሀብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኬድናዶ ብኽልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ ኽንዕድግ እሞ ኪበልዑ ኽንህቦም፧ በብዎ።
38. ንሱ ድማ፡ ክንደይ እንጌራ ኸም ዘሎኩም ኪዱ ርኣዩ፡ በሎም። ምስ ፈለጡ፡ ሓሙሽተን ክልተ ዓሳን፡ በልዎ።
39. ንዂሎም በብመኣዲ እናሰርዑ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኬቐምጥዎምውን ኣዘዞም።
40. ከከም መስርዖም በብሚእትን በብሓምሳን ተቐመጡ።
41. ነቲ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ገጹ ቝሊሕ ኢሉ ባረኸ። ነተን እንጌራ ቘሪሱ ኪቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሀቦም። እቲ ኽልተ ዓሳውን ንዂሎም መቐሎም።
42. ኲሎም ድማ በሊዖም ጸገቡ።
43. እቲ ቘረርስውን ዓሰርተው ክልተ መሶብ ምሉእ ኣልዐሉ፡ ካብቲ ዓሳ ድማ።
44. እቶም እንጌራ ዝበልዑ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ እዮም።
45. ብኡብኡ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዜሳናብት፡ ናብ ጃልባ ኣትዮም ንማዕዶ ናብ ቤተሳይዳ ኪቕድምዎ ብግዲ በሎም።
46. ምስ ኣሰናበቶም፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ።
47. ምድሪ ምስ መሰየ፡ እታ ጃልባ ኣብ ምእከል ባሕሪ ነበረት፡ ንሱ ድማ በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ።
48. ንፋስ ብቕድሚኦም ነበረ እሞ፡ ኪኸዱ ኸለዉ ብማዕበል ኪጭነቑ ረኣዮም። ብራብዓይ ምቃል ለይቲ ኣቢሉ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ፡ ናባታቶም መጸ ኺሐልፎምውን ደለየ።
49. ንሳቶም ግና ባሕሪ ባሕሪ ኪኸይድ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ምትሃት መሲልዎም ጨርሑ።
50. ኲሎም ረኣይዎ እሞ ሰምበዱ። ብኡብኡ ኸኣ፡ ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
51. ናባታቶም ከኣ ናብ ጃልባ ኣተወ። እቲ ንፋስ ድማ ሀድኤ። ንሳቶምውን ብዙሕ ተገረሙ።
52. ልቦም ተደፊኑ ነበረ እሞ፡ እቲ ናይ እንጌራ ነገር ኣየስተውዐልዎን።
53. ምስ ተሳገሩ፡ ናብ ምድሪ ጌንሳሬጥ መጺኦም፡ ነታ ጃልባ ኣቘምዋ።
54. ካብ ጃልባ ምስ ወጹ፡ ብኡብኡ ኣለለይዎ።
55. ኣብ ኲላ እታ ሃገር ጐየዩ፡ ኣበይ ምህላዉ ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ድኑሳት ብዓራታት ገይሮም ናብኡ ኺጾርዎም ጀመሩ።
56. ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ፡ ኣብ ዓድታት ኰነ፡ ወይ ኣብ ከተማታት፡ ወይ ኣብ ኣቚሻት፡ ነቶም ሕሙማት ኣብ ዕዳጋታት በጥ ኣበልዎም፡ ዘፈር ክዳኑ ኺትንክዩ ድማ ለመንዎ። ዝተንከዮ ዘበለ ዂሉውን ሐወየ።

  Mark (6/16)