| ← Mark (5/16) → |
| 1. | ናብ ማዕዶ ባሕሪ፡ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን መጹ። |
| 2. | ካብ ጃልባ ምስ ወጹ፡ ብኡብኡ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ካብ መቓብር ወጺኡ ተጓነፎ። |
| 3. | ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፡ ብመቚሕ እኳኼጽንዖ ዝኽኣለ ኣይነበረን። |
| 4. | ብመቚሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ሳዕ ይእሰር ነበረ፡ ንመቚሕ ይሰብሮ፡ ንሰንሰለትውን ይበትኮ ነበረ እሞ፡ ኬሕምቖ ዝኽአለ ከቶ ኣይነበረን። |
| 5. | ኲሉ ሳዕ ድማ ለይትን መዓልትን ኣብ መቓብርን ኣብ ኣኽራንን ኰይኑ የእዊ፡ ስጋኡ ኸኣ ብጽልጽለ ይበጥሕ ነበረ። |
| 6. | ንየሱስ፡ ርሑቕ ከሎ፡ ምስ ረኣዮ፡ ጐይዩ ሰገደሉ እሞ፡ |
| 7. | ዎ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ፧ ከይትሳቕየኒ ብኣምላኽ ኤምሕለካ ኣሎኹ፡ እናበለ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። |
| 8. | የሱስ፡ ኣታ ርኹስ መንፈስ፡ ካብዚ ሰብኣይዚ ውጻእ፡ ስለ ዝበሎ እዩ። |
| 9. | ስምካኸ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኢና እሞ፡ ስመይ ለጌዎን እዩ፡ በሎ። |
| 10. | ካብታ ሃገር ከየውጽኦም፡ ብዙሕ ለመኖ። |
| 11. | ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰሓሰማታት ኣብ ጸግዒ ኸረን ይበልዕ ነበረ። |
| 12. | ንሳቶም ከኣ፡ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ ናብኤን ክንኣቱ፡ ኢሎም ለመንዎ። |
| 13. | የሱስ ከኣ ብኡብኡ ፈቐደሎም። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እቲ መጓሰ ኸኣ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸደፈ። ኣስታት ክልተ ሽሕ ነበራ። ኣብ ባሕሪ ጥሒለን ሞታ። |
| 14. | እቶም ጓሶት ሀደሙ፡ ኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከኣ ኣውረዩ። እቶም ሰብ ከኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ። |
| 15. | ናብ የሱስ መጹ፡ እቲ ርኹሳት መናፍስቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ፡ ለጌዎን ዝነበርዎ፡ ተቐሚጡ፡ ተኸዲኑ፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረኣይዎ እሞ ፈርሁ። |
| 16. | እቶም ዝረኣዩ ድማ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ኸመይ ከም ዝዀነን ብናይተን ሓሰማታትን ነገርዎም። |
| 17. | ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልሰሎም ከኣ ኪልምንዎ ጀመሩ። |
| 18. | ኣብ ጃልባ ኺኣቱ ኸሎ፡ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ። |
| 19. | የሱስ ግና፡ ናብ ቤትካ ኣብ ሰብካ ኺድ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግሪ ኸም ዝገበረልካን ከም ዝመሐአካን ንገሮም፡ በሎ እምበር፡ ኣይፈቐደሉን። |
| 20. | ከይዱ ኸኣ፡ የሱስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረሉ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ኽሰብኽ ጀመረ፡ ኲሎምውን ተደነቑ። |
| 21. | ከም ብሓድሽ ድማ የሱስ ብጃልባ ናብ ማዕዶ ምስ ተሳገረ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸኣ ነበረ። |
| 22. | ካብ መራሕቲ ቤት ጸሎት ሓደ፡ ያኢሮስ ዝሱ መጸ። ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ ኣብ እግሩ ወዲቑ፡ |
| 23. | ጓለይ ክትመውት ኢላ ኣላ እሞ፡ ምእንቲ ኽትፍውሳን ክትሐውንሲ፡ መጺእካ ኢድካ ኣንብረላ፡ ኢሉ ኣጽኒዑ ለመኖ። |
| 24. | ምስኡ ድማ ኸደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ሰዐብዎ፡ ይደፍእዎውን ነበሩ። |
| 25. | ካብ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። |
| 26. | ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኪሉ ገንዘባውን ወድኤት፡ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን። |
| 27. | ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዔት፡ ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሓዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብማእከል እቶም ህዝቢ ብድሕሪኡ ኽዳኑ ተንከየት። |
| 28. | ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዔት፡ ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሓዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብማእከል እቶም ህዝቢ ብድሕሪኡ ኽዳኑ ተንከየት። |
| 29. | ብኡብኡ ዓይኒ ድማ ነቐጸ፡ ካብ ሕማም ከም ዝሐወየት ከኣ ብነፍሳ ተፈላጣ። |
| 30. | ሽዑ የሱስ፡ ካብኡ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ብውሽጡ ተፈሊጥዎ፡ ናብቶም ህዝቢ ግልጽ ኢሉ፡ መን እዩ ኽዳነይ ዝተንከየ፧ በለ። |
| 31. | ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ህዝቢ ኺደፍኣካ ትርኢ ኣሎኻ፡ ንስኻ ግና፡ መን ተንከየኒ፧ ትብል፡ በልዎ። |
| 32. | ነታ እዚ ዝገበረት ኪርኢ ድማ ግልጽ ግልጽ በለ። |
| 33. | እታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ ኣብኣ ዝዀነ ነገር ፈሊጣ ነበረት እሞ ፈሪሃ፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ ዂሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ። |
| 34. | ንሱ ኸኣ፡ ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሐነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዐዪ፡ በላ። |
| 35. | ገና እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊምከ ስለምንታይ ንመምህር ተድክሞ ኣሎኻ፧ ዚብልዎ መጹ። |
| 36. | የሱስ ከኣ እዚ ዘረባ እዚ ኺዛረቡ ምስ ሰምዔ፡ ነቲ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ኣይትፍራህ፡ እመን ደኣ፡ በሎ። |
| 37. | ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስ ሓው ያእቆብን፡ ሓደ እኳ ኺስዕቦ ኣይፈቐደን። |
| 38. | ናብ ገዛ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ ኣተዉ፡ ጫውጫው ዚብሉን ዚበኽዩን ብዙሕ ዋይዋይ ዚብሉን ረኣየ። |
| 39. | ኣትዩ፡ እዛ ቘልዓ ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ ስለምንታይከ ጫውጫው ትብሉን ትበኽዩን ኣሎኹም፧ በሎም። |
| 40. | ሰሐቕዎ ድማ፡ ንሱ ግና ንዂሎም ኣውጺኡ፡ ኣቦ እታ ቘልዓን ኣዲኣን እቶም ምስኡ ዘለዉን ሒዙ፡ ናብታ ቘልዓ ዘላቶ ኣተወ። |
| 41. | ኢድ እታ ቘልዓ ሒዙ ኸኣ፡ ጣሊታ ቁሚ፡ በላ። ትርጓሚኡ፡ ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ፡ እብለኪ ኣሎኹ፡ እዩ። |
| 42. | እታ ጓል ድማ ብኡብኡ ተንስኤት፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ገይራ ነበረት እሞ፡ ተዛወረት። ሽዑ ዓብዪ ምግራም ተገረሙ። |
| 43. | ነዚ ሓደ እኳ ኸይፈልጦ፡ ኣሕሚሙ ኣዘዞም፡ ዚብላዕ ኪህብዋ ኸኣ ነገሮም። |
| ← Mark (5/16) → |