Mark (4/16)  

1. ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኺምህር ጀመረ። ኣብቲ ባሕሪ ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዚቕመጥ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። ኲሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ።
2. ብብዙሕ ምስላታት ድማ መሀሮም፡ በቲ ምህሮኡ ኸኣ በሎም፡
3. ስምዑ፡ እንሆ፡ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ።
4. ኰነ ኸኣ፡ ኪዘርእ ከሎ፡ ገለ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ።
5. ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቚ ሓመድ ዜብሉ ስለ ዝዀነ ድማ ቀልጢፉ በቘለ።
6. ጸሓይ ምስ በረቐት ግና፡ ሀጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉውን ነቐጸ።
7. ገሊኡ ኸኣ ኣብ እሾዂ ወደቐ፡ እቲ እሾዂ ከኣ ዐብዩ ሐነቖ ፍረውን ኣይፈረየን።
8. ገሊኡ ድማ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ዚበቊልን ዚዐብን ፍረ ኸኣ ሀበ፡ ገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ኸኣ ሚእቲ ፈረየ።
9. ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በለ።
10. ንበይኑ ምስ ኰነ ኸኣ፡ እቶም ከቢቦምዎ ዘለዉ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ዀይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ምስላ ሐተትዎ።
11. ንሱ ኸኣ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እዩ እተዋህበ፡ ነቶም ብወጻኢ ዘለዉ ግና፡
12. እናረኣዩ ኺርእዩ እሞ ከይስወጦም፡ እናሰዑ ኺሰምዑ እሞ ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ ይቕረውን ምእንቲ ኸይብለሎምሲ፡ ኲሉ ብምስላ እዩ ዚኸውን።
13. በሎም ድማ፡ ነዚ ምስላ እዝዶ ኣይፈለጥኩምዎን፧ ከመይ ጌርኩም ደኣ ንዂሉ ምስላታት ከተስተውዕልዎ ኢኹም፧
14. እቲ ዘራኢ ነቲ ቓል ይዘርኦ።
15. እቶም ቃል ኣብ እተዘርኣ ጥቓ መገዲ ዘለዉ እዚኣቶም እዮም፡ ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ኣብ ልቦም እተዘርኤ ቓል ይወስዶ።
16. ከምኡ ኸኣ እቶም ኣብ ከውሒ እተዘርኡ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብኡብኡ ብሓጐስ ይቕበልዎ።
17. ንሽዑ እዮ እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ደሓር ስለቲ ቓል መከራ ወይስ ስደት ምስ ኰነ፡ ቀልጢፎም ይዕንቀፉ።
18. እቶም ኣብ እሾዂ እተዘርኡ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ፡
19. ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣ ምዕሻው ሃብትን ካልእ ትምኒትን ኣትዩኸኣ፡ ነቲ ቓል ይሐንቆ፡ ፍረ ዜብሉ ድማ ይኸውን።
20. እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኡ ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ ዚቕበልዎውን ፍረ ኸኣ ዚፈርዩ፡ ገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ ገሊኡውን ሚእቲ።
21. በሎም ድማ፡ መብራህቲዶ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ኬንብርዎ የምጽኡ፧ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኬንብርዎ ደይኰነን፧
22. ዘይገሀድ ሕቡእ የልቦን፡ ናብ ብርሃን ዘይመጽእ ስውር ድማ የልቦን።
23. ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።
24. ድማ በሎም፡ ብትሰምዕዎ ተጠንቀቑ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም ኪውሰኸልኩምውን እዩ።
25. ንዘለዎ ይወሀቦ እዩ እሞ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ።
26. በለውን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብኣይ እያ።
27. ንሱ ለይትን መዓልትን ይድቅስን ይትንስእን። እቲ ዘርኢ ድማ፡ ንሱ ኸይፈለጦ፡ ይበቊል ይዐቢውን።
28. እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፡ ቅድም ጮማ ብቚሊ፡ ደሓር ሰዊት፡ ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ ስርናይ።
29. ምስ በጽሔ፡ ቀውዒ ኣትዩ እዩ እሞ፡ ማዕጺድ ይሰድድ።
30. በለ ድማ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክንምስላ፧ ወይስ እንታይ ምስላኡ ኽንገብረላ ኢና፧
31. ኣብ ምድሪ ኸም እተዘርኤት እሞ ካብ ኲሉ ዘርኢ ምድሪ እትንእስ ፍረ ኣድሪ እያ።
32. ምስ ተዘርኤት ከኣ፡ ትበቊል፡ ካብ ኲሉ ኣሕምልቲውን ትዐቢ። ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጽላላ ምስራሕ እንዳኤን ክሳዕ ዚኽእላ ኸኣ፡ ዓበይቲ ጨነፍር ትገብር።
33. ምስማዑ ብዚከኣሎም መጠን፡ በዚ ኸምዚ ዝበለ ምስላታት ብዙሕ ነገር ተዛረቦም።
34. ብዘይ ምስላ ኸኣ ኣይተዛረቦምን። ንደቀ መዛሙርቱ ግና ኣብ በይኖም ኲሉ ይገልጸሎም ነበረ።
35. በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፡ ናብ ማዕዶ ንሳገር፡ በሎም።
36. ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፡ ንእኡ ኸምታ ዘለዋ ምሳታቶም ብጃልባ ወሰድዎ። ካልኦት ጃለቡ ኸኣ ምስኡ ነበራ።
37. ህቦብላን ብርቱዕ ንፋስን ድማ ዀነ፡ እታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእ፡ ማዕበል ናብታ ጃልባ ኣተወ።
38. ንሱ ኸኣ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ኣትንሲኦም ድማ፡ መምህር፡ ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን፧ በልዎ።
39. ተንሲኡ ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፡ ስቕ በሊ፡ ህድኢ፡ በላ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ።
40. ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩም፧ ከመይ፡ እምነትዶ የብልኩምን፧ በሎም።
41. ኣዝዮም ፈርሁ ንሓድሕዶምውን፡ እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧ ተባሃሀሉ።

  Mark (4/16)