Mark (3/16)  

1. ከም ብሓድሽ ድማ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኣብኡ ኸኣ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ።
2. ምእንቲ ኪኸስዎ ድማ፡ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ይጸናጸንዎ ነበሩ።
3. ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፡ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ።
4. ንሱ ድማ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ምድሓን ነፍሲዶ ወይስ ምቕታል ይግባእ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ።
5. በቲ ድርቅና ልቦም ጒህዩ፡ ብዂራ ጠመቶም፡ ነቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ዘርግሓ፡ እታ ኢዱውን ሐወየት።
6. ፈሪሳውያን ድማ ብኡብኡ ወጺኦም፡ ከመይ ገይሮ ከም ዜጥፍእዎ፡ ምስ ሄሮድሳውያን ኰይኖም ብዛዕባኡ ተምኣኸሩ።
7. የሱ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ። ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ።
8. ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረ ምስ ሰምዑ፡ ካብ የሩሳሌም፡ ካብ ኤዶምያስ፡ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ካብ ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ብዙሓት ህዝቢ ናብኡ ተኣከቡ።
9. ንደቀ መዛሙርቱ ድማ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኸይደፍኦ፡ ንእሽቶ ጃልባ ኼጽንሑሉ ነገሮም።
10. ንቡዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ ስለዚ ሕማም ዘለዎም ኲሎም ምእንቲ ኺርንክይዎ ኣብኡ ይወድቁ ነበሩ።
11. ርኹሳት መናፍስቲውን ምስ ረኣይዎ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሎም እናጨደሩ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍኡ።
12. ንሱ ኸኣ ከየግህድዎ ብዙሕ ገንሖም።
13. ናብ ከረን ደይቡ ድማ፡ ንዝደለዮም ጸውዔ፡ ናብኡ ኸኣ መጹ።
14. ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምን፡ ዓሰርተው ክልተ ገበሮም፡
15. ሕሙማት ኬሕውዩ ኣጋንንቲውን ኬውጽኡ ድማ፡ ስልጣን ሀቦም።
16. ንስምኦን ከኣ ጴጥሮስ ኣውጽኣሉ፡
17. ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ፡ ንኣታቶም ድማ ቦኣኔርጌስ ኣውጽኣሎም፡ ማለት፡ ደቂ ነጐዳ።
18. እንድርያስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ታዴዎስን ስምኦን ብዓል ቃናን፡
19. እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድማ።
20. ናብ ቤት ከኣ ኣተወ፡ ምብላዕ እንጌራ ኽሳዕ ዚስኡ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ።
21. ኣዝማኡ ምስ ሰምዑ፡ ተጸሊሉ ኢሎምዎ ነበሩ እሞ፡ ኪሕዝዎ መጹ።
22. ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ጸሓፍቲ ድማ፡ ብኤልዜብል ኣለዎ፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉ።
23. የሱስ ጸውዎም፡ ብስላታት ከኣ በሎም፡ ሰይጣን ከመይ ገይሩ ንሰይጣን ኬውጽኦ ይዀነሉ፧
24. መንግስቲ ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ።
25. ቤትውን ንሓድሕዳ እንተ ተፈላለየት፡ እታ ቤት እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን።
26. ሰይጣን ከኣ ንገዛእ ርእሱ እንተ ተጻረረን እንተ ተፋላለየን፡ ይጠፍእ እምበር፡ ኪቐውም ኣይክእልን።
27. ሓደ እኳ፡ ቅድም ነቲ ሓያል እንተ ዘይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ገንዘብ ኺብዝብዝ ዚኽእል የልቦን። ሽዑ ኸኣ ቤቱ ይብዝብዝ።
28. ንደቂ ሰብ ኲሉ ሓጢኣትን ዝጸረፍዎ ዘበለ ጸርፍን ኪሕደገሎም እዩ።
29. እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግና ሓጢኣቱ ንዘለኣለም ይዂንኖ እምበር፡ ንዘለኣለም ሕድገት ከም ዘይረክብ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
30. ርኹስ መንፈስ ኣለዎ፡ ስለ ዝበሉ እዩ እዚ ዝበሎም።
31. ኣዲኡን ኣሕዋቱን መጹ፡ ብወጻኢ ደው ኢሎም ከኣ ጸዋዕቲ ለኣኹሉ።
32. ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኣብ ወጻኢ ኣለዉ ይደልዩኻውን ኣለዉ፡ በልዎ።
33. መሊሱ፡ ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይከ እንመን እዮም፧ በሎም።
34. ነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዘለዉ ጠሚቱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይን እነዉ።
35. ሓወይን ሓብተይን ኣደይንሲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ ዂሉ እዩ፡ በሎም።

  Mark (3/16)