| ← Mark (3/16) → |
| 1. | ከም ብሓድሽ ድማ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኣብኡ ኸኣ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ። |
| 2. | ምእንቲ ኪኸስዎ ድማ፡ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ይጸናጸንዎ ነበሩ። |
| 3. | ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፡ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ። |
| 4. | ንሱ ድማ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ምድሓን ነፍሲዶ ወይስ ምቕታል ይግባእ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ። |
| 5. | በቲ ድርቅና ልቦም ጒህዩ፡ ብዂራ ጠመቶም፡ ነቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ዘርግሓ፡ እታ ኢዱውን ሐወየት። |
| 6. | ፈሪሳውያን ድማ ብኡብኡ ወጺኦም፡ ከመይ ገይሮ ከም ዜጥፍእዎ፡ ምስ ሄሮድሳውያን ኰይኖም ብዛዕባኡ ተምኣኸሩ። |
| 7. | የሱ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ። ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ። |
| 8. | ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረ ምስ ሰምዑ፡ ካብ የሩሳሌም፡ ካብ ኤዶምያስ፡ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ካብ ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ብዙሓት ህዝቢ ናብኡ ተኣከቡ። |
| 9. | ንደቀ መዛሙርቱ ድማ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኸይደፍኦ፡ ንእሽቶ ጃልባ ኼጽንሑሉ ነገሮም። |
| 10. | ንቡዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ ስለዚ ሕማም ዘለዎም ኲሎም ምእንቲ ኺርንክይዎ ኣብኡ ይወድቁ ነበሩ። |
| 11. | ርኹሳት መናፍስቲውን ምስ ረኣይዎ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሎም እናጨደሩ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍኡ። |
| 12. | ንሱ ኸኣ ከየግህድዎ ብዙሕ ገንሖም። |
| 13. | ናብ ከረን ደይቡ ድማ፡ ንዝደለዮም ጸውዔ፡ ናብኡ ኸኣ መጹ። |
| 14. | ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምን፡ ዓሰርተው ክልተ ገበሮም፡ |
| 15. | ሕሙማት ኬሕውዩ ኣጋንንቲውን ኬውጽኡ ድማ፡ ስልጣን ሀቦም። |
| 16. | ንስምኦን ከኣ ጴጥሮስ ኣውጽኣሉ፡ |
| 17. | ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ፡ ንኣታቶም ድማ ቦኣኔርጌስ ኣውጽኣሎም፡ ማለት፡ ደቂ ነጐዳ። |
| 18. | እንድርያስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ታዴዎስን ስምኦን ብዓል ቃናን፡ |
| 19. | እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድማ። |
| 20. | ናብ ቤት ከኣ ኣተወ፡ ምብላዕ እንጌራ ኽሳዕ ዚስኡ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ። |
| 21. | ኣዝማኡ ምስ ሰምዑ፡ ተጸሊሉ ኢሎምዎ ነበሩ እሞ፡ ኪሕዝዎ መጹ። |
| 22. | ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ጸሓፍቲ ድማ፡ ብኤልዜብል ኣለዎ፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉ። |
| 23. | የሱስ ጸውዎም፡ ብስላታት ከኣ በሎም፡ ሰይጣን ከመይ ገይሩ ንሰይጣን ኬውጽኦ ይዀነሉ፧ |
| 24. | መንግስቲ ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ። |
| 25. | ቤትውን ንሓድሕዳ እንተ ተፈላለየት፡ እታ ቤት እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን። |
| 26. | ሰይጣን ከኣ ንገዛእ ርእሱ እንተ ተጻረረን እንተ ተፋላለየን፡ ይጠፍእ እምበር፡ ኪቐውም ኣይክእልን። |
| 27. | ሓደ እኳ፡ ቅድም ነቲ ሓያል እንተ ዘይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ገንዘብ ኺብዝብዝ ዚኽእል የልቦን። ሽዑ ኸኣ ቤቱ ይብዝብዝ። |
| 28. | ንደቂ ሰብ ኲሉ ሓጢኣትን ዝጸረፍዎ ዘበለ ጸርፍን ኪሕደገሎም እዩ። |
| 29. | እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግና ሓጢኣቱ ንዘለኣለም ይዂንኖ እምበር፡ ንዘለኣለም ሕድገት ከም ዘይረክብ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 30. | ርኹስ መንፈስ ኣለዎ፡ ስለ ዝበሉ እዩ እዚ ዝበሎም። |
| 31. | ኣዲኡን ኣሕዋቱን መጹ፡ ብወጻኢ ደው ኢሎም ከኣ ጸዋዕቲ ለኣኹሉ። |
| 32. | ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኣብ ወጻኢ ኣለዉ ይደልዩኻውን ኣለዉ፡ በልዎ። |
| 33. | መሊሱ፡ ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይከ እንመን እዮም፧ በሎም። |
| 34. | ነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዘለዉ ጠሚቱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይን እነዉ። |
| 35. | ሓወይን ሓብተይን ኣደይንሲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ ዂሉ እዩ፡ በሎም። |
| ← Mark (3/16) → |