Mark (16/16)    

1. ሰንበት ምስ ሐለፈት፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ማርያም ኣደ ያእቆብን ሰሎሜን ከይደን ኪለኽያኦ ቕዲት ዐደጋ።
2. ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ፡ ናብ መቓብር መጻ።
3. ንሓድሕደን ከኣ፡ እቲ እምንስ ካብቲ ኣፍ መቓብር መን ኪግልጠልና እዩ፧ ተባሃሀላ።
4. እቲ እምኒ ኣዝዩ ገዚፍ ነበራ እሞ፡ ንላዕሊ ገጸን እንተ ጠመታ፡ ተገልቢጡ ረኣያ።
5. ናብ መቓብር ኣትየን፡ ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ በጺ ኣብ የማን ተቐሚጡ ረኣያ፡ ሰምበዳ ኸኣ።
6. ንሱ ድማ፡ ኣይትሰምብዳ፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ናዝራዊ ትደልያ ኣሎኽን። ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። እታ ኣብኣ ዘንበርዎ ቦታ፡ እንሃ።
7. ኪዳ ደኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱን ጴጥሮስን፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ከምታ ዝበለኩም ከኣ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ ኢልክን ንገራኦም፡ በለን።
8. ምንቅጥቃጥን ስምባድን ሒዝወን ነበረ እሞ፡ ካብ መቓብር ወጺኤን ሀደማ። ፈሪሄን ስለ ዝነበራ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይነገራን።
9. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ።
10. ንሳ ድማ ከይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ኪበኽዩን ኪጒህዩን ከለዉ፡ ነገረቶም።
11. ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ህያው ምዃኑ፡ ንእኣውን ከም እተራእያ ምስ ሰምዑ፡ ኣይኣመኑን።
12. ድሕርዚ ንኽልተ ኻባታቶም፡ ናብ ሃገረ ሰብ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣብ መገዲ ብኻልእ መልክዕ ተጋህደሎም።
13. ንሳቶም ከኣ ከይዶም ነቶም ካልኦት ነገርዎም፡ ንኣታቶምውን ኣይኣመንዎምን።
14. ድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተው ሓደ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ተጋህደ፡ ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምን እዮም እሞ፡ ስለቲ ዘይምእማኖምን ትሪ ልቦምን ከኣ ዘለፎም።
15. በሎም ድማ፡ ናብ ኲላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ።
16. ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዂነን እዩ።
17. ነቶም ዚኣምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኺስዕቦም እዩ፡ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ ልሳን ከኣ ኪዛረቡ፡
18. ኣትማን ኪሕዙ እዮም፡ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሐውዩ እዮም።
19. ጐይታና የሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዐረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ።
20. ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኲሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።

  Mark (16/16)