| ← Mark (16/16) |
| 1. | ሰንበት ምስ ሐለፈት፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ማርያም ኣደ ያእቆብን ሰሎሜን ከይደን ኪለኽያኦ ቕዲት ዐደጋ። |
| 2. | ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ፡ ናብ መቓብር መጻ። |
| 3. | ንሓድሕደን ከኣ፡ እቲ እምንስ ካብቲ ኣፍ መቓብር መን ኪግልጠልና እዩ፧ ተባሃሀላ። |
| 4. | እቲ እምኒ ኣዝዩ ገዚፍ ነበራ እሞ፡ ንላዕሊ ገጸን እንተ ጠመታ፡ ተገልቢጡ ረኣያ። |
| 5. | ናብ መቓብር ኣትየን፡ ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ በጺ ኣብ የማን ተቐሚጡ ረኣያ፡ ሰምበዳ ኸኣ። |
| 6. | ንሱ ድማ፡ ኣይትሰምብዳ፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ናዝራዊ ትደልያ ኣሎኽን። ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። እታ ኣብኣ ዘንበርዎ ቦታ፡ እንሃ። |
| 7. | ኪዳ ደኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱን ጴጥሮስን፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ከምታ ዝበለኩም ከኣ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ ኢልክን ንገራኦም፡ በለን። |
| 8. | ምንቅጥቃጥን ስምባድን ሒዝወን ነበረ እሞ፡ ካብ መቓብር ወጺኤን ሀደማ። ፈሪሄን ስለ ዝነበራ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይነገራን። |
| 9. | በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ። |
| 10. | ንሳ ድማ ከይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ኪበኽዩን ኪጒህዩን ከለዉ፡ ነገረቶም። |
| 11. | ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ህያው ምዃኑ፡ ንእኣውን ከም እተራእያ ምስ ሰምዑ፡ ኣይኣመኑን። |
| 12. | ድሕርዚ ንኽልተ ኻባታቶም፡ ናብ ሃገረ ሰብ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣብ መገዲ ብኻልእ መልክዕ ተጋህደሎም። |
| 13. | ንሳቶም ከኣ ከይዶም ነቶም ካልኦት ነገርዎም፡ ንኣታቶምውን ኣይኣመንዎምን። |
| 14. | ድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተው ሓደ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ተጋህደ፡ ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምን እዮም እሞ፡ ስለቲ ዘይምእማኖምን ትሪ ልቦምን ከኣ ዘለፎም። |
| 15. | በሎም ድማ፡ ናብ ኲላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ። |
| 16. | ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዂነን እዩ። |
| 17. | ነቶም ዚኣምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኺስዕቦም እዩ፡ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ ልሳን ከኣ ኪዛረቡ፡ |
| 18. | ኣትማን ኪሕዙ እዮም፡ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሐውዩ እዮም። |
| 19. | ጐይታና የሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዐረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ። |
| 20. | ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኲሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ። |
| ← Mark (16/16) |