Mark (15/16)  

1. ምስ ወግሔ፡ ብኡብኡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ምኽሪ መኸሩ፡ ንየሱስ ኣሲሮም ወሰድዎ፡ ኣሕሊፎም ከኣ ንጲላጦስ ሀብዎ።
2. ጶላጦስ ድማ፡ ንስኻዶ ንጉስ ይሁዳ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ፡ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
3. ሊቃውንቲ ኻህናት ድማ ብዙሕ ከሰስዎ።
4. ጲላጦስ ከኣ ከም ብሓድሽ፡ እንሆ፡ ክንደይ ይኸሱኻ ኣለዉ። እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ።
5. የሱስ ግና፡ ጲላጦስ ክሳዕ ዚግረም፡ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን።
6. በብበዓል ድማ ዝለመንዎ ሓደ ኻብቶም እሱራት ይፈትሓሎም ነበረ።
7. ምስቶም ጋሮ ዝገብሩ ኣብቲ ጋሮውን ነፍሲ ዝቐተሉ፡ በርባን ዚብሀል ተኣሲሩ ነበረ።
8. እቶም ህዝቢ ድማ ደይቦም፡ ከምታ ልማዶም ኪገብረሎም፡ ኪልምንዎ ጀመሩ።
9. ጲላጦስ ከኣ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኣቶም ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም።
10. ጲላጦስ ከኣ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኣቶም ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም።
11. እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ግና ነቶም ህዝቢ፡ ንበርባን ኪፈትሓሎም ኪልምኑ ኣዕገርገርዎም።
12. ጲላጦስ ግና ከም ብሓድሽ፡ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ እትብልዎኸ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም።
13. ንሳቶም ግና፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ከም ብሓድሽ ጨደሩ።
14. ጲላጦስ ከኣ፡ እንታይ ክፋእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ዓው ኢሎም፡ ስቐሎ፡ በሉ።
15. ጲላጦስ ድማ፡ ፍቓድ እቶም ህዝቢ ኺገብር ስለ ዝፈተወ፡ ንበርባን ፈትሓሎም። ንየሱስ ከኣ ኪስቀል ገሪፉ ሀቦም።
16. እቶም ዓቀይቲ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ገዛ፡ ማለት ናብቲ ኣዳራሽ ፍርዲ፡ ኣእተውዎ። ንብዘሎ እቲ ጭፍራውን ኣኻኸብዎ።
17. ቀይሕ ክዳን ከደንዎ፡ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ እሞ፡
18. ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ እናበሉ ኢድ ኪነስኡሉ ጀመሩ።
19. ርእሱ ድማ ብዘንጊ ወቕዕዎ፡ ጡፍ ከኣ በሉሉ፡ ተንበርኪኾምውን ሰገዱሉ።
20. ምስ ኣላገጹሉ ድማ፡ እቲ ቐይሕ ክዳን ቀንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ። ኪሰቕልዎውን ኣውጽእዎ።
21. ንሓደ ሓላፍ መገዲ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ፡ ኣቦ እስክንድሮስ ሩፎስን፡ ካብ ወፍሪ ኺኣቱ ኸሎ፡ መስቀሉ ኺጸውር ብግዲ ወሰድዎ።
22. ናብ ቦታ ጐልጎታ፡ ትርጓሚኣ፡ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡ ወሰድዎ።
23. ምስ ከርበ እተሐወሰ ወይኒ ድማ ሀብዎ፡ ንሱ ግና ኣይተቐበለን።
24. ምስ ሰቐልዎ ድማ፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ፡ ንነፍሲ ወከፎም እንታይ ከም ዚበጽሖም ከኣ ዕጭ ኣውደቑ።
25. እታ ዝሰቐልዎ ጊዜ ኸኣ ሳልሰይቲ ሰዓት ነበረት።
26. ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል ጽሕፈት ክሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተጽሒፉ ነበረ።
27. ምስኡ ኸኣ ክልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ፡ ሰቐሉ።
28. እቲ፡ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ።
29. እቶም ዚሐልፉ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣየ፡ ኣት ንቤተ መቕደስ እተፍርሳ ብሰለስተ መዓልቲውን እትሀንጻ፡ እስኪ ርእስኻ ኣድሕን፡ ካብ መስቀልውን ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ።
30. እቶም ዚሐልፉ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣየ፡ ኣት ንቤተ መቕደስ እተፍርሳ ብሰለስተ መዓልቲውን እትሀንጻ፡ እስኪ ርእስኻ ኣድሕን፡ ካብ መስቀልውን ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ።
31. ከምእሪ ኸኣ ሊቃውንቲ ኻህናት ምስ ጸሓፍቲ ንሓድሕዶም፡ ንኻልኦት ኣድሓነ፡ ንርእሱ ኼድሕን ግና ኣይክእልን፡
32. ርኢና ኽንኣምንሲ፡ ክርስቶስ ንጉስ እስራኤል ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ እናበሉ ኣላገጹሉ። እቶም ምስኡ እተሰቕሉውን የላግጹሉ ነበሩ።
33. ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘላ እታ ሃገር ጸልመተት።
34. ብታስዐይቲ ሰዓት ይሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ ጨርሔ። ትርጉሙ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ እዩ።
35. ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ኸኣ ሓያሎ፡ እንሆ፡ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ፡ በሉ።
36. ሓደ ጐይዩ፡ ሕደጉ፡ ኤልያስ መጺኡ እንተ ኣውረዶ ንርኤ፡ ኢሉ መጺጽ ብሰፍነግ መሊኡ ኣብ ዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ።
37. ሽዑ የሱስ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት።
38. መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳኦ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ።
39. እቲ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ነፍሱ ኸመይ ኢላ ኸም ዝወጸት፡ ምስ ረኣየ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ በለ።
40. ኣንስቲ ድማ ብርሑቕ ኰይነን የማዕድዋ ነበራ። ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብ ንእሽቶን ዮሳን ሰሎሜውን ነበራ።
41. ንሳተን፡ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ዝሰዐባኦን ዘገልገላኦን ብዙሓት ካልኦት ኣንስቲውን ምስኡ ናብ የሩሳሌም ዝደየባ እየን።
42. ምስ መሰየ፡ መዓልቲ ምድላው፡ ማለት ድሮ ሰንበት፡ ስለ ዝነበረት፡
43. ዮሴፍ፡ ብዓል ኣርማትያስ። ሕፉር መኻሪ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽውን ዚጽበያ ዝነበረ፡ መጸ። ደፊሩ ናብ ጲላጦስ ኣትዩ ኸኣ፡ ስጋ የሱስ ለመኖ።
44. ጲላጦስ ድማ ቀልጢፉ ብሙማቱ ገረሞ። ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑ፡ ድሮዶ ሞይቱ፧ ኢሉ ሐተቶ።
45. ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ ምስ ተረድኤ፡ ስጋኡ ንዮሴፍ ሀቦ።
46. ንሱ ድማ፡ ኣውሪዱ በፍታ ዐዲጉ፡ በቲ በፍታ ገነዞ። ኣብ ከውሒ ኣብ እተወቕረ መቓብርውን ኣንበሮ። ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብእምኒ ዐጸዎ።
47. ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ዮሳን ድማ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ይርእያ ነበራ።

  Mark (15/16)