| ← Mark (14/16) → |
| 1. | ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋን በዓል ቅጫን ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ብተንኰል ሒዞም ኪቐትልዎ ደለዩ። |
| 2. | ግናኸ፡ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ኸይለዐልሲ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ። |
| 3. | ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ጽሩይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ መጸት። ነቲ ቢልቃጥ ሰቢራ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። |
| 4. | ሓያሎ ብልቦም እናተናደዱ፡ ንምንታይ እዚ ጥፍኣይ ቅዱስይ ቅብኢ ዀነ፧ |
| 5. | እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኻብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንዚበዝሕ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ኰረዩላ። |
| 6. | የሱስ ግና፡ ስለምንታይ ተጒህይዋ ኣሎኹም፧ ሕደግዋ፡ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ። |
| 7. | ድኻታትሲ ዂሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ፡ ይከኣለኩም እዩ። ንኣይ ግና ኲሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም። |
| 8. | ዚከኣላ ገበረት፡ ኣቐዲማ ንቐብረይ ስጋይ ቀብኤት። |
| 9. | እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኲላ ዓለም፡እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ። |
| 10. | ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ንእኡ ኣሕሊፉ ኺህቦም፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከደ። |
| 11. | ሰሚዖም ተሐጐሱ። ኣቕራሽ ኪህብዎ ኸኣ ኣውዐሉሉ። ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኺህቦም ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ። |
| 12. | በታ ገንሸል ፋስጋ ዚሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕ፡ ናበይ ኬድና ኸነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ። |
| 13. | ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ ድማ፡ ናብ ከተማ ኺዱ፡ ኣብኡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ንእኡ ስዐብዎ። |
| 14. | ኣብታ ዚኣትዋ ኸኣ ነቲ ብዓል ቤት፡ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧ ይብለካ ኣሎ መምህር፡ በልዎ። |
| 15. | ንሱ ኸኣ ኣብ ደርቢ እተነጽፈን እተዳለወን ኣዳራሽ ኬርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉልና፡ በሎም። |
| 16. | እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸዱ፡ ናብታ ኸተማ ኸኣ መጹ፡ ከምቲ ዝበሎም ድማ ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ። |
| 17. | ምስ መሰየ፡ ንሱ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ። |
| 18. | ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ እቲ ምሳይ ዚበልዕ፡ ኬትሕዘኒ እዩ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ። |
| 19. | ኪጒህዩ ጀመሩ፡ በብሓደ ኸኣ፡ ኣነ ደዀን እኸውን፧ በሉ። |
| 20. | ንሱ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ እዩ። |
| 21. | ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ፡ ይኸይድ። እቲ፡ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ፡ ምሔሾ ነይሩ። |
| 22. | ኪበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንኣታቶም ከኣ፡ ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ኢሉ ሀቦም። |
| 23. | ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሀቦም፡ ኲሎምውን ካብኣ ሰተዩ። |
| 24. | ንሱ ኸኣ፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ። |
| 25. | ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብ ፍረ ኦም ወይኒ ኣይክሰትን እየ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። |
| 26. | መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ኸኣ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ። |
| 27. | የሱስ ድማ፡ ነቲ ጓሳ እቐትሎ፡ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ይብላ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዂልኹም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም። |
| 28. | ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም። |
| 29. | ጴጥሮስ ድማ፡ ኲሎም እንተ ተዐንቀፉ እኳ፡ ኣነስ ኣይዕንቀፍን እየ፡ በሎ። |
| 30. | የሱስ ድማ፡ ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢለ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። |
| 31. | ሽዑ ንሱ፡ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነ እኳ፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ ኢሉ ኣዝዩ ኣጽኒዑ ተዛርበ። ኲሎምውን ከምኡ በሉ። |
| 32. | ጌተሴማኔ ናብ እትብሀል ቦታ መጹ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። |
| 33. | ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ወሰደ፡ ኪጒን ኪትክዝን ጀመረ እሞ፡ |
| 34. | ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ትጒሂ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ንቕሑውን፡ በሎም። |
| 35. | ቅሩብ ንቕድሚት ሕል ኢሉ ኣብ ምድሪ ተደፍኤ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ሰዓት ካብኡ ኽትሐልፍ ጸለየ እሞ፡ |
| 36. | ኣባ፡ ኣቦይ፡ ኲሉ ይከኣለካ እዩ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን፡ በለ። |
| 37. | መጸ፡ ደቂሶም ከኣ ረኸቦም፡ ንጴጥሮስ ድማ፡ ስምኦን፡ ደቂስካዶ፧ ሓንቲ ሰዓት ክትነቅሕዶ ኣይከኣለካን፧ |
| 38. | ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ንቕሑ ጸልዩውን። መንፈስሲ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ፡ በሎ። |
| 39. | ከም ብሓድሽ ከይዱ ድማ፡ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ። |
| 40. | ተመሊሱ ኸኣ፡ ኣዒንቶምባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ካልኣይ ደቂሶም ረኸቦም፡ እንታይ ከም ዚመልሱሉ ኸኣ ኣይፈልጥን ነበሩ። |
| 41. | ሳልሳይ መጺኡ ኸኣ፡ ደጊም ደቅሱ ዕረፉውን። ይኣክል፡ እታ ሰዓት በጺሓ። እንሆ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪትሐዝ እዩ። |
| 42. | ተንስኡ ንኺድ፡ እቲ ዜትሕዘኒ እንሆ፡ ቀሪቡ ኣሎ፡ በሎም። |
| 43. | ብኡብኡ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ኸኣ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን፡ ኣስያፍን ኣባትርን ዝሐዙ እኩባት ህዝቢ መጹ። |
| 44. | እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፡ ሐዝዎ ኣጽኒዕኩምውን ውሰድዎ፡ ኢሉ መፈለጥታ ሀቦም። |
| 45. | መጺእሪ ድማ ብኡብኡ ንብኡ ቐሪቡ፡ ረቢ፡ ረቢ፡ ኢሉ ሰዐሞ። |
| 46. | ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ናብኡ ዘርጊሖም ሐዝዎ። |
| 47. | ካብቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ዝበሉ ሓደ ግና ሰይፊ መሊሑ፡ ነቲ ባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ እዝኑ ቘረጾ። |
| 48. | የሱስ ድማ። ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ መጻእኩም፧ |
| 49. | ኣብ ቤት መቕደስ እናመሀርኩ ዕለት ዕለት ምሳኻትኩም እውዕል ነበርኩ እሞ ኣይሐዝኩምንን። እዚ ግና እተን ጽሑፋት ምእንቲ ኺፍጸማ ይኸውን ኣሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። |
| 50. | ኲሎም ከኣ ሐዲጎምዎ ሀደሙ። |
| 51. | ነጸላ እተኸድነ ጐአዝ ድማ ሰዐቦ፡ ንእኡ ኸኣ ሐዝዎ። |
| 52. | ንሱ ግና ነጻላኡ ሐዲጉ ጥራይ ዝባኑ ሀደመ። |
| 53. | ንየሱስ ድማ ናብ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። ብዘለዉ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይትን ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ። |
| 54. | ጴጥሮስ ድማ ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ውሽጢ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዐቦ። ኣብኡ ምስቶም ገላዉ ተቐሚጡ ኸኣ ሓዊ ይስሕን ነበረ። |
| 55. | ሊቃውንቲ ኻህናት ኲሎም ዋዕላን ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ደለዩ፡ ኣይረኸቡን ከኣ። |
| 56. | በዙሓት ብሓሶት መስከሩ፡ ምስክሮም ግና ኣይተሳማምዔን። |
| 57. | ሓያሎ ምስክር ሓሶት ድማ፡ |
| 58. | ኣነ ነዛ ብኢድ እተገብረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሀንጽ እየ፡ ኪብል ከሎ፡ ንሕና ሰሚዕናዮ፡ ዚብሉ ተንስእዎ። |
| 59. | ምስክሮም ከኣ በዚውን ኣይገጠመን። |
| 60. | እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ማእከሎም ብድድ ኢሉ፡ በዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉስ እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ ኢሉ ንየሱስ ሐተቶ። |
| 61. | ንሱ ኸኣ ስቕ በለ እምበር፡ ኣይመለሰን። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽ፡ ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽዶ ንስኻ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። |
| 62. | የሱስ ድማ፡ ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ በሎ። |
| 63. | ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱ፡ ደጊምከ እንታይ ግዲ ምስክር ኣሎና፧ |
| 64. | ምጽራፍ ሰሚዕኩም። እንታይ ይመስለኩም፧ በለ። ኲሎም ከኣ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም ፈረፉ። |
| 65. | ሓያሎ ድማ ጡፍ ኪብሉሉ፡ ገጹ ኣጐልቢቦም ኬጒስጥዎ፡ ተነበውን ኪብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ። |
| 66. | ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ገዛ ኸሎ፡ ካብ ኣግራድ ሊቀ ኻህናት ሓንቲ መጸት። |
| 67. | ንጴጥሮስ፡ ሓዊ ኺስሕን ከሎ፡ ምስ ረኣየቶ ኸኣ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ናዝራዊ ኔርካ፡ እናበለት ጠመተቶ። |
| 68. | ንሱ ግና፡ እዚ ንስኺ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን ኣየስተውዕሎንውን እየ፡ ኢሉ ኸሐደ። ካብ ገዛ ኸኣ ናብ ዓንቀጽ ወጸ፡ ደርሆውን ነቀወ። |
| 69. | እታ ገረድ ረኣየቶ፡ ነቶም ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ኸኣ፡ እዚ ኻባታቶም እዩ፡ ኢላ ኸም ብሓድሽ ክትነግሮም ጀመረት። |
| 70. | ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ከሐደ። እቶም ደው ዝበሉ ቕሩብ ጽንሕ ኢሎም ንጴጥሮስ፡ ገሊላዊ ኢኻ እሞ፡ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ኣዛራርባኻውን ከምቲ ኣዛራርባኦም ይመስል፡ በልዎ። |
| 71. | ንሱ ግና፡ ነዚ እትብልዎ ዘሎኹም ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኺርገምን ኪምሕልን ጀመረ። |
| 72. | ብኡብኡ ደርሆ ኻልኣይ ሳዕ ነቀወ። ጴጥሮስ ከኣ ነቲ የሱስ፡ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ነዚ ነገርዚ ሐሲቡ በኸየ። |
| ← Mark (14/16) → |