Mark (14/16)  

1. ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋን በዓል ቅጫን ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ብተንኰል ሒዞም ኪቐትልዎ ደለዩ።
2. ግናኸ፡ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ኸይለዐልሲ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ።
3. ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ጽሩይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ መጸት። ነቲ ቢልቃጥ ሰቢራ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።
4. ሓያሎ ብልቦም እናተናደዱ፡ ንምንታይ እዚ ጥፍኣይ ቅዱስይ ቅብኢ ዀነ፧
5. እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኻብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንዚበዝሕ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ኰረዩላ።
6. የሱስ ግና፡ ስለምንታይ ተጒህይዋ ኣሎኹም፧ ሕደግዋ፡ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ።
7. ድኻታትሲ ዂሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ፡ ይከኣለኩም እዩ። ንኣይ ግና ኲሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም።
8. ዚከኣላ ገበረት፡ ኣቐዲማ ንቐብረይ ስጋይ ቀብኤት።
9. እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኲላ ዓለም፡እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ።
10. ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ንእኡ ኣሕሊፉ ኺህቦም፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከደ።
11. ሰሚዖም ተሐጐሱ። ኣቕራሽ ኪህብዎ ኸኣ ኣውዐሉሉ። ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኺህቦም ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ።
12. በታ ገንሸል ፋስጋ ዚሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕ፡ ናበይ ኬድና ኸነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ።
13. ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ ድማ፡ ናብ ከተማ ኺዱ፡ ኣብኡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ንእኡ ስዐብዎ።
14. ኣብታ ዚኣትዋ ኸኣ ነቲ ብዓል ቤት፡ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧ ይብለካ ኣሎ መምህር፡ በልዎ።
15. ንሱ ኸኣ ኣብ ደርቢ እተነጽፈን እተዳለወን ኣዳራሽ ኬርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉልና፡ በሎም።
16. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸዱ፡ ናብታ ኸተማ ኸኣ መጹ፡ ከምቲ ዝበሎም ድማ ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ።
17. ምስ መሰየ፡ ንሱ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ።
18. ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ እቲ ምሳይ ዚበልዕ፡ ኬትሕዘኒ እዩ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ።
19. ኪጒህዩ ጀመሩ፡ በብሓደ ኸኣ፡ ኣነ ደዀን እኸውን፧ በሉ።
20. ንሱ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ እዩ።
21. ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ፡ ይኸይድ። እቲ፡ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ፡ ምሔሾ ነይሩ።
22. ኪበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንኣታቶም ከኣ፡ ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ኢሉ ሀቦም።
23. ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሀቦም፡ ኲሎምውን ካብኣ ሰተዩ።
24. ንሱ ኸኣ፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ።
25. ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብ ፍረ ኦም ወይኒ ኣይክሰትን እየ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
26. መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ኸኣ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ።
27. የሱስ ድማ፡ ነቲ ጓሳ እቐትሎ፡ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ይብላ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዂልኹም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም።
28. ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም።
29. ጴጥሮስ ድማ፡ ኲሎም እንተ ተዐንቀፉ እኳ፡ ኣነስ ኣይዕንቀፍን እየ፡ በሎ።
30. የሱስ ድማ፡ ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢለ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ።
31. ሽዑ ንሱ፡ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነ እኳ፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ ኢሉ ኣዝዩ ኣጽኒዑ ተዛርበ። ኲሎምውን ከምኡ በሉ።
32. ጌተሴማኔ ናብ እትብሀል ቦታ መጹ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም።
33. ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ወሰደ፡ ኪጒን ኪትክዝን ጀመረ እሞ፡
34. ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ትጒሂ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ንቕሑውን፡ በሎም።
35. ቅሩብ ንቕድሚት ሕል ኢሉ ኣብ ምድሪ ተደፍኤ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ሰዓት ካብኡ ኽትሐልፍ ጸለየ እሞ፡
36. ኣባ፡ ኣቦይ፡ ኲሉ ይከኣለካ እዩ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን፡ በለ።
37. መጸ፡ ደቂሶም ከኣ ረኸቦም፡ ንጴጥሮስ ድማ፡ ስምኦን፡ ደቂስካዶ፧ ሓንቲ ሰዓት ክትነቅሕዶ ኣይከኣለካን፧
38. ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ንቕሑ ጸልዩውን። መንፈስሲ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ፡ በሎ።
39. ከም ብሓድሽ ከይዱ ድማ፡ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ።
40. ተመሊሱ ኸኣ፡ ኣዒንቶምባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ካልኣይ ደቂሶም ረኸቦም፡ እንታይ ከም ዚመልሱሉ ኸኣ ኣይፈልጥን ነበሩ።
41. ሳልሳይ መጺኡ ኸኣ፡ ደጊም ደቅሱ ዕረፉውን። ይኣክል፡ እታ ሰዓት በጺሓ። እንሆ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪትሐዝ እዩ።
42. ተንስኡ ንኺድ፡ እቲ ዜትሕዘኒ እንሆ፡ ቀሪቡ ኣሎ፡ በሎም።
43. ብኡብኡ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ኸኣ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን፡ ኣስያፍን ኣባትርን ዝሐዙ እኩባት ህዝቢ መጹ።
44. እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፡ ሐዝዎ ኣጽኒዕኩምውን ውሰድዎ፡ ኢሉ መፈለጥታ ሀቦም።
45. መጺእሪ ድማ ብኡብኡ ንብኡ ቐሪቡ፡ ረቢ፡ ረቢ፡ ኢሉ ሰዐሞ።
46. ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ናብኡ ዘርጊሖም ሐዝዎ።
47. ካብቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ዝበሉ ሓደ ግና ሰይፊ መሊሑ፡ ነቲ ባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ እዝኑ ቘረጾ።
48. የሱስ ድማ። ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ መጻእኩም፧
49. ኣብ ቤት መቕደስ እናመሀርኩ ዕለት ዕለት ምሳኻትኩም እውዕል ነበርኩ እሞ ኣይሐዝኩምንን። እዚ ግና እተን ጽሑፋት ምእንቲ ኺፍጸማ ይኸውን ኣሎ፡ ኢሉ መለሰሎም።
50. ኲሎም ከኣ ሐዲጎምዎ ሀደሙ።
51. ነጸላ እተኸድነ ጐአዝ ድማ ሰዐቦ፡ ንእኡ ኸኣ ሐዝዎ።
52. ንሱ ግና ነጻላኡ ሐዲጉ ጥራይ ዝባኑ ሀደመ።
53. ንየሱስ ድማ ናብ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። ብዘለዉ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይትን ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ።
54. ጴጥሮስ ድማ ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ውሽጢ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዐቦ። ኣብኡ ምስቶም ገላዉ ተቐሚጡ ኸኣ ሓዊ ይስሕን ነበረ።
55. ሊቃውንቲ ኻህናት ኲሎም ዋዕላን ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ደለዩ፡ ኣይረኸቡን ከኣ።
56. በዙሓት ብሓሶት መስከሩ፡ ምስክሮም ግና ኣይተሳማምዔን።
57. ሓያሎ ምስክር ሓሶት ድማ፡
58. ኣነ ነዛ ብኢድ እተገብረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሀንጽ እየ፡ ኪብል ከሎ፡ ንሕና ሰሚዕናዮ፡ ዚብሉ ተንስእዎ።
59. ምስክሮም ከኣ በዚውን ኣይገጠመን።
60. እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ማእከሎም ብድድ ኢሉ፡ በዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉስ እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ ኢሉ ንየሱስ ሐተቶ።
61. ንሱ ኸኣ ስቕ በለ እምበር፡ ኣይመለሰን። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽ፡ ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽዶ ንስኻ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ።
62. የሱስ ድማ፡ ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ በሎ።
63. ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱ፡ ደጊምከ እንታይ ግዲ ምስክር ኣሎና፧
64. ምጽራፍ ሰሚዕኩም። እንታይ ይመስለኩም፧ በለ። ኲሎም ከኣ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም ፈረፉ።
65. ሓያሎ ድማ ጡፍ ኪብሉሉ፡ ገጹ ኣጐልቢቦም ኬጒስጥዎ፡ ተነበውን ኪብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ።
66. ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ገዛ ኸሎ፡ ካብ ኣግራድ ሊቀ ኻህናት ሓንቲ መጸት።
67. ንጴጥሮስ፡ ሓዊ ኺስሕን ከሎ፡ ምስ ረኣየቶ ኸኣ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ናዝራዊ ኔርካ፡ እናበለት ጠመተቶ።
68. ንሱ ግና፡ እዚ ንስኺ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን ኣየስተውዕሎንውን እየ፡ ኢሉ ኸሐደ። ካብ ገዛ ኸኣ ናብ ዓንቀጽ ወጸ፡ ደርሆውን ነቀወ።
69. እታ ገረድ ረኣየቶ፡ ነቶም ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ኸኣ፡ እዚ ኻባታቶም እዩ፡ ኢላ ኸም ብሓድሽ ክትነግሮም ጀመረት።
70. ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ከሐደ። እቶም ደው ዝበሉ ቕሩብ ጽንሕ ኢሎም ንጴጥሮስ፡ ገሊላዊ ኢኻ እሞ፡ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ኣዛራርባኻውን ከምቲ ኣዛራርባኦም ይመስል፡ በልዎ።
71. ንሱ ግና፡ ነዚ እትብልዎ ዘሎኹም ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኺርገምን ኪምሕልን ጀመረ።
72. ብኡብኡ ደርሆ ኻልኣይ ሳዕ ነቀወ። ጴጥሮስ ከኣ ነቲ የሱስ፡ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ነዚ ነገርዚ ሐሲቡ በኸየ።

  Mark (14/16)