Mark (13/16)  

1. ካብ ቤተ መቕደስ ምስ ወጸ ድማ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ መምህር፡ ከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻንማ ርኤ፡ በሎ።
2. የሱስ ድማ፡ ነዚ ዓብዪ ህንጻዶ ትርእዮ ኣሎኻ፧ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
3. ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ ማዕዶ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን ብሕት ኢሎም፡
4. እስኪ ንገረና፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ እዚ ዂሉ መኣዝ ከም ዚፍጸምሲ፡ ትእምርቱ እንታይ እይ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
5. የሱስ ከኣ ኪብሎም ጀመረ፡ ሓደ እኳ ኸይስሕተኩም ተጠንቀቑ።
6. ብዙሓት፡ ኣነ እየ፡ እናበሉ ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓት ከኣ ኬስሕቱ እዮም።
7. ውግእን ወረ ውግእን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሸበሩ። እዚ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።
8. ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ እሞ፡ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን፡ ጥሜት ኪኸውን እዩ። እዚ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።
9. ንኣታቶም ንምስክር ግና ምእንታይ ንዋዕላ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም፡ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከኣ ደው ኬብሉኹም እዮም እሞ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።
10. ቅድም ንዂሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ።
11. መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ፡ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ምስ ወሰዱኹም፡ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ፡ እቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዚውሀበኩም ደኣ ተዛረቡ።
12. ሓው ንሓው፡ ወላዲ ንውሉዱ ኣህሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ። ውሉድውን ና ወለዶም ተንሲኦም ኪቐትልዎም እዮም።
13. ምእንቲ ስመይ ከኣ ኲሉ ኺጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ንሱ ኺድሕን እዩ።
14. እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኩም፡ እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይሀድሙ።
15. ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ ኣይእቶውን።
16. ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸኣ ክዳኑ ኺማላእ ንድሕሪት ኣይመለስ።
17. በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን።
18. ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ፡ ድማ ከቶ ዘይከውን መከራ በታ ቕነ እቲኣ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ።
19. ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ፡ ድማ ከቶ ዘይከውን መከራ በታ ቕነ እቲኣ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ።
20. እተን መዓልትታት እቲኤን እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕጽረንሲ፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣይምደሐነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ንሱ ዝሐረዮም ሕሩያት ግና ነተን መዓልትታት እቲኤን ኣሕጸረን።
21. ሽዑ ሓደ እኳ፡ ክርስቶስ ኣብዚ እንሆ፡ ወይስ ኣብቲ ኣሎ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመኑ።
22. ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ኬስሕቱ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።
23. ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ። እንሆ፡ ኣቐዲመ ዂሉ ነገርኩኹም።
24. በታ ቕነ እቲኣ ድሕርዚ መከራዚ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ።
25. ከዋኽብቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም።
26. ሽዑ ንወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ኺመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም።
27. ሽዑ ኸኣ ንመላእኽቱ ኽልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ።
28. ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ፡ ትፈልጡ ኢኹም።
29. ንስኻትኩም ድማ ከምኡ እዚ ኪኸውን ከሎ እንተ ርኤኸም፡ ኣብ ኣፍ ቤት ከም ዝቐረበ፡ ፍለጡ።
30. እዚ ዂሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
31. ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።
32. ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር፡ መላልእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን።
33. እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥውን ኢኹም እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑን ጸልዩን።
34. ከም ዝገሸ ሰብ እዩ፡ ቤቱ ኺሐድግ ከሎ፡ ንባሮቱ ስልጣን ሀቦም፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ዕዮኡ፡ ንሓላው ደገውን ኪነቅሕ ኣዘዞ።
35. እቲ ብዓል ቤት መኣዝ ከም ዚመጽእ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ንቆ፡ ወይ ከኣ ንግሆ፡ ብድንገት መጺኡ ደቂሰኩም ከይረኽበኩምሲ፡ ስለዚ ንቕሑ።
36. እቲ ብዓል ቤት መኣዝ ከም ዚመጽእ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ንቆ፡ ወይ ከኣ ንግሆ፡ ብድንገት መጺኡ ደቂሰኩም ከይረኽበኩምሲ፡ ስለዚ ንቕሑ።
37. እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ፡ ንዂሉ እብሎ ኣሎኹ፡ ንቕሑ።

  Mark (13/16)