Mark (11/16)  

1. ናብ የሩሳሌም፡ ናብ ቤትፋጌ፡ ናብ ቢታንያ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረቡ ድማ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ።
2. በሎምውን፡ ኣብ መንጽርኩም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ። ናብኣ ኽትኣትዉ ኸሎኹም፡ ብኡብኡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። አቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ።
3. ገለ ሰብ፡ ከመይከ እዚ ትገብሩ ኣሎኹም፧ እንተ በለኩም፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ ኢልኩም ንገርዎ። ንሱ ኸኣ ብኡብኡ ነጀው ኪሰዶ እዩ።
4. ከዱ፡ ነቲ ጻዕብ ድማ ኣብ ደገ ጥቓ መገዲ ተኣሲሩ ረኽብዎ ፈትሕዎውን።
5. ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዘለው ሓያሎ ኸኣ፡ ኣቱም ጻዕብ እትፈትሑ፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም በልዎም።
6. ከምታ የሱስ ዝበሎም በልዎም፡ ንሳቶም ከኣ ሐደግዎም።
7. ነቲ ጻዕብ ከኣ ናብ የሱስ ወሰድዎ፡ ክዳውንቶምውን ጠየቕዎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብኡ ተወጥሔ።
8. ብዙሓት ድማ ኣብቲ መገዲ ኽዳውንቶም ኣንጸፉ፡ ካልኦት ከኣ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ ሰሊዖም ነስነሱ።
9. ቀቅድሚኡ ዚኸዱን ደድሕሪኡ ዚስዕቡን ከኣ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ።
10. እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ።
11. የሱስ ኣብ የሩሳሌም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። ንዂሉ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶ፡ መስዩ ነበረ እሞ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ናብ ቢታንያ ወጸ።
12. ንጽብሒቱ ድማ ካብ ቢታንያ ኺወጹ ኸለዉ ጠመየ።
13. ብርሑቕ ከኣ ቈጻል በለስ ረኣየ፡ ምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኺርኢ ኸኣ ናብኣ ኸደ። ናብኣ መጺኡ ኸኣ፡ ጊዜ በለስ ኣይነበረን እሞ፡ ቈጽሊ እምበር፡ ገለ እኳ ኣይረኸበላን።
14. መሊሱ ድማ፡ ካባኺ ሓደ እኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕ፡ በላ። ደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ።
15. ናብ የሩሳሌም ከኣ መጹ። ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ኣብታ ቤት መቕደስ ኰይኖም ዚሸጡን ዚሻየጡን ኬውጽኦም ጀመረ። ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ።
16. ሓደ እኳ ኣቕሓ ጾይሩ በታ ቤት መቕደስ ኪሐልፍ ኣይፈቐደን እሞ፡
17. ቤተይ ንዂሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሀል፡ ጽሑፍ ደይኰነን፧ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ ኢሉውን መሀሮም።
18. ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ድማ ሰምዑ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ብምህሮኡ ስለ እተገረመ ኸኣ፡ ይፈርህዎ ነበሩ እሞ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ።
19. ምስ መሰየ ድማ፡ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወጸ።
20. ንግሆ ኺሐልፉ ኸለዉ፡ ነታ በለስ ካብ ሱራ ነቒጻ ረኣይዋ።
21. ጴጥሮስ ድማ ዘኪሩ፡ መምህር፡ እንሃ፡ እታ ዝረገምካያ በለስ ነቒጻ፡ በሎ።
22. የሱስ ድማ መለሰ በሎምውን፡ ብኣምላኽ እመኑ።
23. ዝዀነ ይኹን እቲ ዝበሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወል፡ ነዚ ኸረን፡ ተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሐል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዚዀነሉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
24. ስለዚ፡ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩምዎ እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
25. ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሕደገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ ኣሎኩም፡ ሕደጉሉ።
26. ንስኻትኩም እንተ ዘይሀደግኩም ግና፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹምድማ በደልኩም ኣይሐድገልኩምን እዩ።
27. ተመሊሶም ከኣ ናብ የሩሳሌም መጹ። ኣብ ቤተ መቕደስ ኪመላለስ ከሎ፡ ሊቓውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ዓበይትን ናብኡ መጹ እሞ፡
28. በየናይ ስልጣን እዝ ትገብር ኣሎኻ፧ ወይስ እዚንምግባር ዘሰልጠነካ መን እዩ፧ በልዎ።
29. የሱስ ድማ፡ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሐተኩም ኣሎኹ። ምለሱለይ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ።
30. ጥምቀት ዮሃንስሲ ኻብ ሰማይ ድያ ወይስ ካብ ሰብ፧ እስኪ ምለሱለይ።
31. ንሓድሕዶም ከኣ ከምዚ እናበሉ ተዛራረቡ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፡ ኪብለና እዩ።
32. ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ ንዮሃንስ ኲሎም ብሓቂ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ ፈርሁ።
33. ንየሱስ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም።

  Mark (11/16)