| ← Mark (11/16) → |
| 1. | ናብ የሩሳሌም፡ ናብ ቤትፋጌ፡ ናብ ቢታንያ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረቡ ድማ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ። |
| 2. | በሎምውን፡ ኣብ መንጽርኩም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ። ናብኣ ኽትኣትዉ ኸሎኹም፡ ብኡብኡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። አቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። |
| 3. | ገለ ሰብ፡ ከመይከ እዚ ትገብሩ ኣሎኹም፧ እንተ በለኩም፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ ኢልኩም ንገርዎ። ንሱ ኸኣ ብኡብኡ ነጀው ኪሰዶ እዩ። |
| 4. | ከዱ፡ ነቲ ጻዕብ ድማ ኣብ ደገ ጥቓ መገዲ ተኣሲሩ ረኽብዎ ፈትሕዎውን። |
| 5. | ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዘለው ሓያሎ ኸኣ፡ ኣቱም ጻዕብ እትፈትሑ፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም በልዎም። |
| 6. | ከምታ የሱስ ዝበሎም በልዎም፡ ንሳቶም ከኣ ሐደግዎም። |
| 7. | ነቲ ጻዕብ ከኣ ናብ የሱስ ወሰድዎ፡ ክዳውንቶምውን ጠየቕዎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብኡ ተወጥሔ። |
| 8. | ብዙሓት ድማ ኣብቲ መገዲ ኽዳውንቶም ኣንጸፉ፡ ካልኦት ከኣ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ ሰሊዖም ነስነሱ። |
| 9. | ቀቅድሚኡ ዚኸዱን ደድሕሪኡ ዚስዕቡን ከኣ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ። |
| 10. | እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ። |
| 11. | የሱስ ኣብ የሩሳሌም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። ንዂሉ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶ፡ መስዩ ነበረ እሞ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ናብ ቢታንያ ወጸ። |
| 12. | ንጽብሒቱ ድማ ካብ ቢታንያ ኺወጹ ኸለዉ ጠመየ። |
| 13. | ብርሑቕ ከኣ ቈጻል በለስ ረኣየ፡ ምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኺርኢ ኸኣ ናብኣ ኸደ። ናብኣ መጺኡ ኸኣ፡ ጊዜ በለስ ኣይነበረን እሞ፡ ቈጽሊ እምበር፡ ገለ እኳ ኣይረኸበላን። |
| 14. | መሊሱ ድማ፡ ካባኺ ሓደ እኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕ፡ በላ። ደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ። |
| 15. | ናብ የሩሳሌም ከኣ መጹ። ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ኣብታ ቤት መቕደስ ኰይኖም ዚሸጡን ዚሻየጡን ኬውጽኦም ጀመረ። ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። |
| 16. | ሓደ እኳ ኣቕሓ ጾይሩ በታ ቤት መቕደስ ኪሐልፍ ኣይፈቐደን እሞ፡ |
| 17. | ቤተይ ንዂሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሀል፡ ጽሑፍ ደይኰነን፧ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ ኢሉውን መሀሮም። |
| 18. | ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ድማ ሰምዑ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ብምህሮኡ ስለ እተገረመ ኸኣ፡ ይፈርህዎ ነበሩ እሞ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ። |
| 19. | ምስ መሰየ ድማ፡ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወጸ። |
| 20. | ንግሆ ኺሐልፉ ኸለዉ፡ ነታ በለስ ካብ ሱራ ነቒጻ ረኣይዋ። |
| 21. | ጴጥሮስ ድማ ዘኪሩ፡ መምህር፡ እንሃ፡ እታ ዝረገምካያ በለስ ነቒጻ፡ በሎ። |
| 22. | የሱስ ድማ መለሰ በሎምውን፡ ብኣምላኽ እመኑ። |
| 23. | ዝዀነ ይኹን እቲ ዝበሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወል፡ ነዚ ኸረን፡ ተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሐል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዚዀነሉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 24. | ስለዚ፡ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩምዎ እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 25. | ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሕደገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ ኣሎኩም፡ ሕደጉሉ። |
| 26. | ንስኻትኩም እንተ ዘይሀደግኩም ግና፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹምድማ በደልኩም ኣይሐድገልኩምን እዩ። |
| 27. | ተመሊሶም ከኣ ናብ የሩሳሌም መጹ። ኣብ ቤተ መቕደስ ኪመላለስ ከሎ፡ ሊቓውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ዓበይትን ናብኡ መጹ እሞ፡ |
| 28. | በየናይ ስልጣን እዝ ትገብር ኣሎኻ፧ ወይስ እዚንምግባር ዘሰልጠነካ መን እዩ፧ በልዎ። |
| 29. | የሱስ ድማ፡ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሐተኩም ኣሎኹ። ምለሱለይ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ። |
| 30. | ጥምቀት ዮሃንስሲ ኻብ ሰማይ ድያ ወይስ ካብ ሰብ፧ እስኪ ምለሱለይ። |
| 31. | ንሓድሕዶም ከኣ ከምዚ እናበሉ ተዛራረቡ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፡ ኪብለና እዩ። |
| 32. | ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ ንዮሃንስ ኲሎም ብሓቂ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ ፈርሁ። |
| 33. | ንየሱስ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም። |
| ← Mark (11/16) → |