Mark (10/16)  

1. ካብኡ ተልዒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን መጸ። ከም ብሓድሽ ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፡ ከምቲ ልማዱውን መሊሱ መሀሮም።
2. ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኺፍትንዎ መጺኦም፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺፈትሓዶ ተፈቒዱሉ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
3. ንሱ ግና፡ ሙሴኸ እንታይ ኣዘዘኩም፧ ኢሉ መለሰሎም።
4. ንሳቶም ከኣ፡ ሙሴስ ጽሕፈት መፍትሒኣ ጽሒፍና ኽንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ፡ በልዎ።
5. የሱስ ከኣ በሎም፡ ብሰሪ ትሪ ልብኹም እዩ እዚ ትእዛዝ እዚ ዝጸሐፈልኩም።
6. ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና ኣምላኽ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም።
7. ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ፡ ምስ ሰበይቱ ይጣበቕ፡
8. ክልቲኦም ድማ ሕደ ስጋ ይዀኑ። ስለዚ ሐደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን።
9. እምብኣርከ ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ።
10. ኣብ ቤት ከኣ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኸም ብሓድሽ ሐተትዎ።
11. ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዜእቱ ኣብኣ ዘመወ።
12. እታ ሰብኣይ ፈቲሓ ንኻልእ እተኣትወት ድማ ዘመወት፡ በሎም።
13. ንቘልዑ ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ነቶም ዘምጽእዎም ገንሕዎም።
14. የሱስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም።
15. ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
16. ሐቚፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም።
17. ኣብ መገዲ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ሓደ ናብኡ ጐየየ፡ ተምበርኪኸውን፡ ኣታ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ሐተቶ።
18. የሱስ ከኣ፡ ንምንታይ ሄር ትብለኒ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽ ሄር የልቦን።
19. ነቲ ትእዛዛት ትፈልጦ ኣሎኻ፡ እኒ ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትዐምጽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ በሎ።
20. ንሱ ኸኣ፡ መምህር፡ እዚ ዂሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ ኣሎኹ፡ በሎ።
21. የሱስ ከኣ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፡ ሓንቲ ጐዲላትካ። ኪድ፡ ዘሎካ ዂሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዐበኒ፡ በሎ።
22. ንሱ ግና በዚ ቓልዚ ተኸፍኤ፡ ብዙሕ ጥሪት ነበሮ እሞ፡ እናጐሀየ ኸደ።
23. የሱስ ድማ ኣብ ዙርያኡ እናጠመተ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ገንዘብ ንዘለዎም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ፡ በሎም።
24. እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ብዘረባኡ ተገረሙ። የሱስ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ መሊሱ በሎም፡ ደቀይ፡ ብጥሪት ንዚእመኑ ኣብ መንስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ።
25. ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል።
26. ብዙሕ ተገሪሞም ንሓድሕዶም፡ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከኣሎ፧ ተባሃሀሉ።
27. የሱስ ጠሚትዎም፡ ንኣምላኽ ኲሉ ይከኣሎ እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ንሰብሲ ኣይከኣሎን እዩ፡ በለ።
28. ጴጥሮስ፡ እንሆ፡ ንሕና ዂሉ ሐዲግና ሰዐብናካ፡ ኪብሎ ጀመረ።
29. የሱስ መለሰ በለውን፡ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፡ ቤት፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ፡
30. ሕጂ ኣብዛ ዝመን እዚኣ ቤት፡ ኣሕዋት፡ ኣሓት፡ ኣደ፡ ውሉድ፡ ግርሁ፡ ሚእቲ ኻዕበት ምስ ስደት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
31. ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ከኣ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም።
32. ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ የሱስ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ተገረሙ፡እቶም ዚስዕቡ ዘለዉውን ፈርሁ። ከም ብሓድሽ ድማ ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ፡ እቲ ዚመጾ ዘሎ ኺነግሮም ጀመረ፡
33. እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ ንወዲ ሰብ ኣብ ሊቃውንቲ ኻህናት ኣብ ጸሓፍትን ኬትሕዝዎ እዮም። ንሳቶም ድማ ፍር ዲ ሞት ኪፈርዱሉ፡ ነህዛብውን ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም።
34. ኬላግጹሉ፡ ጡፍ ኪብሉሉ፡ ኪገርፍዎ፡ ኪቐትልዎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ፡ በሎም።
35. ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ናብኡ ቐሪቦም፡ መምህር፡ ዝለመንናካ ኽትገበረልና ንደሊ ኣሎና፡ በልዎ።
36. ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም።
37. ንሳቶም ድማ፡ ኣብቲ ኽብርኻ ሓዴና ኣብ የማንካ ሓዴና ድማ ኣብ ጸጋምካ ኽንቅመጥ ሀበና፡ በልዎ።
38. የሱስ ግና፡ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትዩ፡ እታ ኣነ ዝጥመቓ ጥምቀትውን ክትጥመቑኸ ይከኣለኩም ድዩ፧ በሎም።
39. ንሳቶም ከኣ፡ ይከኣለና እዩ፡ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ነታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእሲ ኽትሰትይዋ፡ ነታ ኣነ ዝጥመቓ ትምቀትውን ክትጥመቕዋ ኢኹም።
40. ኣብ የማነይን ኣብ ጸጋመይን ምቕማጥ ግና ነቶም እተዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ፡ በሎም።
41. እቶም ዓሰርተ ሰሚዖም፡ ብያእቆብን ዮሃንስን ኪናደዱ ጀመሩ።
42. የሱስ ድማ ናብኡ ጸዊዑ፡ ነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዚቚጸሩ ኸም ዚግዝእዎም፡እቶም ዓበይቶምውን ከም ዚመልክዎም ትፈልጡ ኣሎኹም።
43. ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን። እቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹን።
44. ካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዂሉ ይኹን።
45. ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬግልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።
46. ኣብ ያሪኮ ድማ ኣተዉ። ካብ ያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝብን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ፡ በርጢሜዎስ፡ እቲ ዕውር ወዲ ጤሜዎስ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።
47. የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ ምዃኑ ምስ ሰምዔ ድማ፡ ዓው ኢሉ፡ የሱስ ወዲ ዳዊት ምሓረኒ፡ ኪብል ጀመረ።
48. ብዙሓት ድማ ስቕ ኪብል ገንሕዎ፡ ንሱ ግና፡ ኣታ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣዝዩ ጨደረ።
49. የሱስ ድማ ደው ኢሉ፡ ጸውዕዎ፡ በለ። ነቲ ዕውር ከኣ ጸዊዖም፡ ኣጆኻ፡ ተንስእ፡ ይጽውዓካ ኣሎ፡ በልዎ።
50. ተንሲኡ፡ ባርኖሱ ኣውጺኡ፡ ናብ የሱስ መጸ።
51. የሱስ ድማ፡ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። እቲ ዕውር ከኣ፡ ረቡኒ፡ ክርኢ፡ በሎ።
52. የሱስ ከኣ፡ ኪድ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። ብኡብኡ ረኣየ፡ ኣብ መገዲውን ሰዐቦ።

  Mark (10/16)