Mark (1/16)  

1. መጀመርታ ወንጌል ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ።
2. ከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ እንሆ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ፡
3. ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡
4. ከምኡ ኸኣ ዮሃንስ ኣብ በረኻ እናኣጥመቐ፡ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ጥምቀት ንስሓ እናሰበኸ መጸ።
5. ብዘላ ሃገር ይሁዳ ኲሎም ሰብ የሩሳሌም ናብኡ ይወጹ፡ ብሓጢኣቶም እናተናዘዙውን፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።
6. ክዳን ዮሃብስ ከኣ ጸጒሪ ገመል፡ ዕጣቕ ሕቚኡውን ፈልቊ ነበረ፡ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ይምገብ ነበረ።
7. ንሱ ኸኣ፡ ካባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ደኒነ ንምፍታሕ ስራኽ ኣሳእኑ ዘይበቅዕ፡ ደድሕረይ ይመጽእ ኣሎ። ኣነ ብማይ ኤጥምቐኩም ኣሎኹ፡ ንሱ ግና ብመነስ ቅዱስ ኬጥምቐኩም እዩ፡ እናበለ ሰበኸ።
8. ንሱ ኸኣ፡ ካባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ደኒነ ንምፍታሕ ስራኽ ኣሳእኑ ዘይበቅዕ፡ ደድሕረይ ይመጽእ ኣሎ። ኣነ ብማይ ኤጥምቐኩም ኣሎኹ፡ ንሱ ግና ብመነስ ቅዱስ ኬጥምቐኩም እዩ፡ እናበለ ሰበኸ።
9. በቲ ቕነ እቲ ዀነ፡ የሱስ ካብ ናዝሬት ናብ ገሊላ መጸ፡ ብዮሃንስ ከኣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ።
10. ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ሰማያት ኪኽፈታ፡ መንፈስ ድማ ከም ርግቢ ኸወርድ ከሎ ረኣየ።
11. ካብ ሰማይ ከኣ፡ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንስኻ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።
12. መንፈስ ከኣ ብኡብኡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ።
13. ኣብቲ በረኻ ድማ፡ ሰይጣን እናፈተኖ፡ ኣርብዓ መዓልቲ ጸንሔ። ምስ ኣራዊት ከኣ ነበረ፡ መላእኽቲውን ኣገልገልዎ።
14. ድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ ከኣ የሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፡ እቲ ዘመን ተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት፡ ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ፡ እናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ።
15. ድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ ከኣ የሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፡ እቲ ዘመን ተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት፡ ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ፡ እናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ።
16. ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ስምኦንን እንድርያስን ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ኣብ ባሕሪ ኺድርብዩ ኸለዉ ረኣዮም።
17. የሱስ ድማ፡ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም።
18. ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ።
19. ካብኡ ንእሽቶ ሕልፍ ኢሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን ኣብ ጃልባ መርበቦም ኬዕርዩ ኸለዉ ረኣዮም።
20. ብኡብኡ ጸውዖም። ነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ግዙኣቱ ኣብ ጃልባ ሐዲጎም ሰዐብዎ።
21. ኣብ ቅፍርናሆም ኣተዉ፡ ብኡብኡ ኸኣ ብሰንበት ናብ ቤተ ጸሎት ኣትዩ መሀረ።
22. ከምቶም ጸሓፍቲ ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ በቲ ምህሮኡ ተገረሙ።
23. ኣብ ቤት ጸሎቶም ዳ ርኹስ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ ነበረ፡
24. ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ ኦ እንታይ ኣሎና፡ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨደረ።
25. የሱስ ከኣ፡ ስቕ በል፡ ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ።
26. እቲ ርኹስ መንፈስ ከኣ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደረ ኸኣ ካብኡ ወጸ።
27. ኲሎም ድማ፡ እንታይ እዩ እዚ፡ እዝስ እንታይ ሓድሽ ምህሮኡ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይእዘዙሉ ኣለዉ፡ እናበሉ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚተሓታተቱ ሰምበዱ።
28. ወሪኡ ድማ ብኡብኡ ናብ ኵላ ሃገር ገሊላ ወጸ።
29. ካብ ቤት ጸሎት ወጺኡ ድማ፡ ብኡብኡ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ እንዳ ስምኦምም እንድርያስን ኣተወ።
30. ሓማት ስምኦን ከኣ ዓሶ ሐሚማ ነበረት፡ ብኡብኡ ብዛዕባኣ ነገርዎ።
31. ንሱ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፡ ኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ። ብኡብኡ እቲ ዓሶ ሐደጋ፡ ንሳውን ኣገልገለቶም።
32. ምስ መሰየ፡ ጸሓይ ምስ ዐረበት፡ ሕማም ዘለዎም፡ ኣጋንንቲውን ዝሐደርዎም ኲሎም ናብኡ ኣምጽኡ።
33. ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ገበላ ተኣከበት።
34. ብዙሕ ዝዓይነቱ ሕማም ዘለዎም፡ ብዙሓት ሕሙማት ከኣ ኣሕወየ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲውን ኣውጽኤ፡ እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ ይፈልጥዎ ነበሩ እሞ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።
35. ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ገና ለይቲ ኸሎ፡ ወጸ። ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየ።
36. ስምኦንን እቶም ምስኡ ዘለዉን ድማ ኪደልይዎ ኸዱ።
37. ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ኲሎም እምበር ይደልዩኻ ኣለዉ፡ በልዎ።
38. ንሱ ድማ፡ ምእንትዚ እየ ወጺኤ ዘሎኹ እሞ፡ ኣብ ካልእ ኣብዚ ቐረባ ዓድታትውን ኣብኡ ኽሰብኽ፡ ንዑናይ ንኺድ፡ በሎም።
39. ኣብ ቤት ጸሎቶም እናሰበኸ ኣጋንንቲውን እናውጽኤ ኣብ ኲላ ሃገር ዞረ።
40. ሓደ ለምጻም ናብኡ መጸ፡ ተምበርኪኹ ድማ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ለመኖ።
41. የሱስ ከኣ ደንገጸሉ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፡ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ በሎ።
42. እዚ ምስ በለ፡ እቲ ለምጺ ብኡብኡ ሐደጎ፡ ነጽሄኸኣ።
43. የሱስ ድማ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ክንዲ ዝነጻህካውን ንኣታቶም ምስክር ኪዀኖም፡ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ እምበር፡ ንሓደ እኳ ገለ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛሪቡ ሰደዶ።
44. የሱስ ድማ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ክንዲ ዝነጻህካውን ንኣታቶም ምስክር ኪዀኖም፡ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ እምበር፡ ንሓደ እኳ ገለ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛሪቡ ሰደዶ።
45. ንሱ ግና ወጺኡ ብዙሕ ኪሰብኽን ነቲ ነገር ኬውርዮን ጀመረ። የሱስ ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ጽምዊ ስፍራ ነበረ፡ ካብ ኲሉ ወገን ድማ ናብኡ ይመጹ ነበሩ እምበር፡ ብግልጺ ናብ ከተማ ኺኣቱ ኣይኰነሉን።

      Mark (1/16)