Malachi (4/4)    

1. እንሆ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ ኣላ እሞ፡ ኩሎም ዕቡያትን ረሲእ ነቲ ዚገብሩ ዘበሉ ኹላቶምን ብርዒ ኪኾኑ እዮም፡ እታ እትመጽእ መዓልቲ ኸአ ንእኦም ሱር ወይስ ጨንፈር ከይሐደገት፡ ሞኽ ከተብሎም እያ። ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራኢውት።
2. ናኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና፡ ጸሓይ ጽድቂ ኽትበርቀልኩም እያ፡ ምድሓን ከአ ኣብ ኣኽናፉ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ክትወጹ ከም ብተይ ደምበ ኽትዕንድሩ ኢኹም።
3. በታ ኣነ ዝገብረላ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ኸብዲ እግርኹም ሐሙኽሽቲ ኪኾኑ እዮም እሞ፡ ንረሲእነት ክትረግጽዎም ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
4. ነቲ ኣብ ሆሬብ ንኹሎም እስራኤል ኪኸውን ኢለ ንሙሴ ባርያይ ዝአዘዝክዎ ሕጊ ንስርዓትን ፍርድን፡ ዘክርዎ።
5. እንሆ እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት ነብዩ ኤልያስ ክልእኸልኩም እየ።
6. ኣነ መጺኤ ንምድሪ ብዜጽንት መርገም ከይወቕዓስ፡ ንሱ ልቢ ኣቦታት ናብ ደቂ፡ ልቢ ደቂ ድማ ናብ ኣቦታቶም ኪመልስ እዩ።

  Malachi (4/4)