Malachi (3/4)  

1. እንሆ፡ ኣነ ልኡኽ እልእኽ ኣሎኹ፡ ንሱ ቐቅድመይ መገዲ ኽጸርግ እዩ። ብኡብኡ ኸአ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ፡ እቲ እትናፍቕዎ መልኣኽ ቓል ኪዳን እንሆ፡ ይመጽእ አሎ፡ ይብል እግዚብሄር ጐይታ ሰራዊት።
2. ግናኸ ንሱ ኸም ናይ ኮላዒ ሓውን ከም ናይ ሓጻቢ ሳሙናን እዩ እሞ፡ ነታ መዓልቲ ምምጻኡ መን ይጽመማ፡ ንሱ ኸአ ነቲ ብሩር ኪኾልዕን ኬጽርን ኪቕመጥ እዩ። ንደቂ ሌዊ ኼጽርዮም፡ ከም ወርቅን ብሩርን ከአ ኪኹልዖም እዩ፡ ንሳቶምውን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብጽድቂ ኺስውኡሉ እዮም።
3. ሽዑ መስዋእቲ ይሁዳን ዮርሳሌምን፡ ከምቲ በተን መዓልትታት ጥንትን፡ ከምቲ በተን ናይ ቀደም ዓመታትን ዝኾነ፡ ንእግዚኣብሄር ባህ ኬብሎ እዩ።
4. ሽዑ መስዋእቲ ይሁዳን ዮርሳሌምን፡ ከምቲ በተን መዓልትታት ጥንትን፡ ከምቲ በተን ናይ ቀደም ዓመታትን ዝኾነ፡ ንእግዚኣብሄር ባህ ኬብሎ እዩ።
5. ኣነ ንፍርዲ ክቕርበኩም እየ፡ ኣነ ኣንጻር ኣስማተኛትን ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዚምሕሉን ነቲ ብዓል ዓስቢ ዓስቡ ዚዕምጽዎን ንመበለትን ዘኽታምን ዚገፍዕዎም ንስደተኛ መሰሉ ዚጠውዩሉን ንኣይ ከአ ዘይፈርሁን ቅልጡፍ ምስክር ክኾኖም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ እሞ፡ ኣቱም ደቂ ያእቆብ፡ ስለዚ ኣይጠፋእኩምን።
6. ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚርኩም ካብ ስርዓተይ ኣግለስኩም ኣይሐሎኹምዎን ከአ። ናባይ ተመለሱ፡ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ንስኻትኩም ግና፡ ብምንታይ እሞ ኢና ንምለስ፡ በልኩም።
7. ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚርኩም ካብ ስርዓተይ ኣግለስኩም ኣይሐሎኹምዎን ከአ። ናባይ ተመለሱ፡ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ንስኻትኩም ግና፡ ብምንታይ እሞ ኢና ንምለስ፡ በልኩም።
8. ሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይኹነሉ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና ሰረቕኩምኒ። ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ፡ ከአ ትብሉ። ብዕሽርን ብመባእን ኢኹም።
9. ንስኻትኩም፡ ህዝቢ ብምሉኣትኩም ሰሪቕኩምኒ ኢኹም እሞ፡ ብመርገም ተረገምኩም።
10. ኣብ ቤተይ ምግቢ ኪኸውንሲ፡ ዕሽር ዘበለ ኹሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፡ ሽዑ መሳኹቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፡ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፡ በዚ ተዐዘቡኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
11. ስሌኹም ኢለ ነቲ ወሓጢ ኽገንሖ እየ፡ ንሱ ኸአ ንፍረ ምድርኹም ኣይኬጥፍኦን እዩ፡ እቲ ተኽሊ ወይንኹም ኣብ ግራት ኣይኬቐልዕን ኣዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራኢውት።
12. ምስሪ ሓጎስ ክትኮኑ ኢኹም እሞ፡ ኩሎም ኣህዛብ ብጹኣን ኪብሉኹም እቶም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
13. ቃላትኩም በርትዓኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፡ ኣንጻርካ እሞ እንታይ ተዛሪብና፡ ትብሉ አሎኹም።
14. ንስኻትኩምውን፡ ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ እዩ፡ ስርዓትቱ ዝሐሎና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ ክሊ ተኸዲንና እተመላለስናስ እንታይ ረባሕና በልኩም።
15. እምበኣርሲ ነቶም ዕቡያት ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና፡ እወ፡ እቶም ገበርቲ ረሲእነት ይህነጹ፡ እወ፡ ንኣምላኽ ፈተንዎ ኣምለጡ ኸአ።
16. ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፡ እግዚኣብሄር ከአ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸአ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ።
17. በታ ኣነ ዝገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪኾኑኒ እዮም። ኣነ ኸአ፡ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ፡ ክንሕፎም እየ።
18. ንስኻትኩም ድማ ከም ብሕድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም።

  Malachi (3/4)