Malachi (2/4)  

1. ኣቱም ካህናት፡ ሕጂውን እዛ ትእዛዝ እዚኣ ንኣኻትኩም እያ።
2. ምስማዕ እንተ ኣቤኹም፡ ብልብኹም ንስምይ ከተኽብሩ እንተ ዘይደሌኹም፡ መርገም ክሰደልኩም፡ ንበረኸትኩምውን ክረግሞ እየ። ብልብኹም ኣይደሌኹምን ኢኹም እሞ፡ ኤረ ድሮ እኳ ረጊመዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
3. እንሆ ንዘርእኹም ክገንሖ እየ፡ ኣብ ገጽኩም ዒባ ነቲ ዒባ በዓላትኩም ክብትነልኩም እየ፡ ምስኡውን ኬውጽኡኹም እዮም።
4. ቃል ኪዳነይ ምስ ሌዊ ኪኸውንሲ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኣነ ኸም ዝሰደድኩልኩም ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
5. ቃል ኪዳነይ ምስኡ ህይወትን ሰላምን ነበረ፡ እዚ ኽፈርህ ኢለ ሀብክዎ ንሱ ኸአ ፈርሃኒ፡ ኣብ ቅድሚ ስመይ ውን ኣንቀጥቀጠ።
6. ንሱ ልኡኽ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ስለ ዝኾነ፡ ከናፍር ካህን ፍልጠት ይሕልው፡ ንሕጊ ድማ ካብ ኣፉ ይደልዮ እዮም እሞ፡ ሕጊ ሓቂ ኣብ ኣፉ ነበረ፡ ኣብ ከናፍሩ ኸአ በደል ኣይተረኽበን፡ ንሱ ድማ ብሰላምን ቅንዕናን ምሳይ ተመላለሰ ንብዙሓትውን ካብ ኣበሳ መለሰ።
7. ንሱ ልኡኽ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ስለ ዝኾነ፡ ከናፍር ካህን ፍልጠት ይሕልው፡ ንሕጊ ድማ ካብ ኣፉ ይደልዮ እዮም እሞ፡ ሕጊ ሓቂ ኣብ ኣፉ ነበረ፡ ኣብ ከናፍሩ ኸአ በደል ኣይተረኽበን፡ ንሱ ድማ ብሰላምን ቅንዕናን ምሳይ ተመላለሰ ንብዙሓትውን ካብ ኣበሳ መለሰ።
8. ንስኻትኩም ግና ካብ መገዲ ኣግለስኩም፡ ንብዙሓት ብሕጊ ኣዐንቀፍኩም፡ ነቲ ቓል ኪዳን ሌዊ ኣፍረስኩም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
9. ስለዚ ኣነውን ከምቲ ንስኻትኩም መገደይ ዘይሐሎኹም፡ ብሕጊ ኸአ ገጽ ሰብ ዘድሎኹም፡ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ህዝቢ ንዑቓት ሕሱራትን ገብርኩኹም።
10. ንኹላትናዶ ሓደ ኣቦ ኣይኮነን ዘሎና፡ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኮነን ዝፈጠረና። ስለምንታይ ደአ ኪዳን ኣቦታትና እናርከስና ንሓድሕድና ንጣላለም፡
11. ይሁዳ ነቲ ዘፍቀሮ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ነገር ኣርኪስዎ፡ ጓል ጓና ኣምላኽ ከአ ተመርዕዩ እዩ እሞ፡ ይሁዳ ጠለመ፡ ኣብ እስራኤል ኣብ ዮርሳሌምን ድማ ጽያፍ ተገብረ።
12. እግዚኣብሄር ነቲ ኸምዚ ዚገብር ሰብ፡ ነቲ ዚነቅሕን ምላሽ ዚህብን፡ ነቲ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት መስዋእቲ ዜቕርብን ካብ ድንኳናት ያእቆብ ኬጥፍኦም እዩ።
13. ካልእ ድማ እዚ ገበርኩም፡ ንመሰውኢ እግዚኣብሄር ብንብዓትን ብብኽያትን ብዋይዋይታን ከደንክምዎ እሞ፡ ደጊም ንሱ ነቲ መስዋእቲ ኣይጥምቆን፡ ካብ ኢድኩምውን ባህ ኢልዎ ኣይቅበሎን።
14. ስለምንታይ እዩ፡ ከኣ ትብሉ ኣሎኹም። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ብጸይትኻን ብዓልቲ ቓል ኪድናካን ክነሳ ዝጠለምካያ ሰበይቲ ንእስነትካን ምስክር ስለ ዝኾነ እዩ።
15. ሓደዶ ኣይኮነን ነዚ ዝገበረ፡ ንሱውን ዕዙዝ መንፈስ ነበሮ። እቲ ሓድሽ ስለምንታይ እዩ ነዚ ዝገበሮ፡ ዘርኢ ኣምላኽ ስለ ዝደለየ እዩ። እምበኣርሲ መንፈስኩም ሐልው፡ ነታ ሰበይቲ ንእስነቱ ኸአ ሓደ እኳ ኣይጥለም።
16. ምፍታሕን ንኽዳኑ ብዓመጽ ዚኸድኖን እጸልእ አሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። ስለዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሐልው፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
17. ንእግዚኣብሄር ብቓላትኩም ኣድክምኩምዎ። ብምንታይ እሞ ኢና ዘድከምናዮ፡ ድማ ትብሉ። ንስኻትኩም፡ ክፉእ ዚገብር ዘበለ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ንሱ ብእኦም ባህ ይብሎ፡ ወይስ ኣምላኽ ፍርዲ ኣበይ አሎ፡ ብምባልኩም እዩ።

  Malachi (2/4)