Malachi (1/4)  

1. ጾር ቃል እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብኢድ ሚልክያስ።
2. ኣነ ኣፍቀርኩኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፡ ብምንታይ ኢኻ ዘፍቀርካና፡ ትብሉ አሎኹም። እግዚኣብሄር ከምዝ ይብል ኤሳውሲ ሓው ያእቆብዶ ኣይክነን፡ ምስናይ እዝውን ንያእቆብ ኣፍቀርክዎ።
3. ንኤሳው ግና ጸላእክዎ ነራኑ ኣባደምክዎ፡ ርስቱውን ንወኻሩ ምድረበዳ ህብክዎ።
4. ኤዶም ድማ፡ ፍረስና፡ ግናአ ነቲ ዝፈረሰ ተመሊስና ኽንሰርሖ ኢና፡ እንተ በለ፡ እግዚኣብህር ጐይታ ሰራዊት ይብል፡ ንሳቶምሲ ኺሰርሑ እዮም፡ ኣነ ግና ከፍርስ እየ። ዶብ ረሲእነትን እግዚኣብሄር ንሓዋሩ እተቖጥዕ ህዝብን፡ ኢሎም ኪሰምይዎም እዮም።
5. ኣዒንትኹም ድማ ኪርእያ እየን እሞ፡ እግዚኣብሄር ክንየው ዶብ እስራኤል ይዕበ፡ ክትብሉ ኢኹም።
6. ንስኻትኩም ስመይ እትንዕቁ እሞ፡ ብምንታይ ንስምካ ነዐቕናዮ፡ እትብሉ ኻህናት፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብለኩም አሎ፡ ውሉድ ንወላዲኡ፡ ባርያ ኸአ ንጐይታኡ የብር። እምበኣርሲ ኣቦ እንተ ደአ ኾይነ፡ ክብረተይ ኣበይ አሎ፡ ጐይታ እንተ ኾይነስ፡ ምፍርሄይ ኣበይ አሎ፡
7. ኣብ መሰውእየይ ርኹስ እንጌራ ኣቕርብኩምሲ፡ ብምንታይ ኣርከስናካ፡ ትብሉ። መኣዲ እግዚኣብሄር ሕሱር እዩ ብምባልኩም እዩ።
8. ንመስዋእቲ ኸአ ዕውር እንተ ኣቕረብኩም፡ ክፉእዶ ኣይኮነን፡ ሓንካስ ወይስ ሕሙም እንተ ኣቕረብኩምሲ ክፉእዶኣ ይኮነን፡ እስኪ እዚ ምስለኒኻ ኣቕርበሉ፡ ይሕጎሰልካዶ እዩ፡ ወይስ ኣብኡዶ ሞጎስ ትረክብ ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
9. እምበኣርሲ ሕጂ ኢድኩም እዩ፡ እሞኸ ገለ ኻባኻትኩምዶ ሞጎስ ክረክ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
10. ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱስ፡ ደጌታት ዚዐጹ ኾታ ኻባኻትኩም ሓደ እንተ ዝህሉ። ኣነ ኣይሕጎሰልኩምን፡ ካብ ኢድኩምውን ገለ መስዋእቲ ኣይቅበልን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
11. ስመይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ዓብይ ስለዝኾነ፡ ስመይ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ኣብ ኣህዛብ ዓብዩ እዩ እሞ፡ ኣብ ኩሉ ቦታ ንስመይ ዕጣን ይዐጥኑ ንጹህ መስዋእቲ ድማ የቕርቡ፡ ይብል እግዝዚብሄር ግይታ ሰራዊት።
12. ንስኻትኩም ግና መኣዲ እግዚኣብሄር ረኺሱ፡ ረባኡ እቲ ምግቡ ሕሱር እዩ፡ ብምብላክም ተርክስው አሎኹም።
13. ንስኻትኩምውን፡ ኣየ ኽንደይ ድኻምን ትብሉ፡ ኡፍ ድማ ትብሉሉ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ተዘምተን ሓንካስን ሕሙምን ተምጽኡ፡ ከምኡ ጌርኩም መስዋእቲ ተቕርቡ። እሞኸ ነዚዶ ኻብ ኢድኩም ክቕበሎ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
14. ኣነ ዓብዩ ንጉስ እየ ስመይ ድማ ኣብ ኣህዛብ እተፈርሄ እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ መጓሰኡ ተባዕታይ ዘለዎ፡ ተምባጺዑ ኸአ ንእግዚኣብሄር ጎደሎ ዚስውኣሉ ጠባርስ ርጉም ይኹን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

      Malachi (1/4)