Luke (9/24)  

1. ነቶም ዓሰርተው ክልተ ብሓባር ጸዊዑ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣጋንንቲ ሕማምውን ኬሕውዩ ሓይልን ስልጣንን ሀቦም።
2. መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ንሕሙማት ኬሕውዩን ከኣ ለኣኾም።
3. በሎም ድማ፡ ንመገዲ ገለ ኣይትማልኡ፡ በትሪ ዀነ፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገንዘብ ኰነ ወይ ክልተ ቐምሽ ኣይሀሉኹም።
4. ኣብታ ዝኣተኹምዋ ቤት ድማ፡ ኣብኣ ኹኑ፡ ካብኣውን መገድኹም ኪዱ።
5. ኣብቲ ዘይቅበሉኹም ዘበለ ኸኣ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም ንኣታቶም ንምስክር ኪኸውን፡ ተጐጓ እግርኹም ንገፉ።
6. ወጺኦም ድማ ዓዲ ንዓዲ እናዘሩ፡ ወንጌል ይሰብኩ ኣብ ኲሉውን የሕውዩ ነበሩ።
7. ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ነቲ ብእኡ እተገብረ ነገር ሰሚዑ ተዋላወለ። ሓያሎ ሰባት፡ ዮሃንስ ካብ ምውታት ተንሲኡ፡ ይብሉ ነበሩ እሞ፡
8. ገሊኦም፡ ኤልያስ ተራእዩ፡ ገሊኦም ከኣ፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ እዩ፡ በሉ።
9. ሄሮድስ ከኣ፡ ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ። እዚ ብዛዕባኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘሎኹ ደኣ መን እዩ፧ በለ፡ ኪርእዮውን ይደሊ ነበረ።
10. ሃዋርያት ድማ ምስ ተመልሱ፡ ዝገበርዎ ዘበለ ነገርዎ። ንበይኖም ድማ፡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኣብ ጥቓ ቤተሳይዳ እትብሀል ከተማ ምስኡ ወሰዶም።
11. እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ሰዐብዎ። ንሱ ድማ ተቐበሎም፡ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ነገሮም፡ ምሕዋይ ንዜድልዮምውን ኣሕወዮም።
12. ምድሪ ኺመሲ ጀመረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ቀሪቦም፡ ኣብዚ በረኻ ኢና ዘሎና እሞ፡ እዞም ህዝቢ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ዓድታትን ገዛታትን ከይዶም ኪሐድሩ ዚብላዕውን ኪረኽቡ፡ ኣሳናብቶም፡ በልዎ።
13. ንስኻትኩም ዚብላዕ ሀብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ንሕና ኼድና፡ ነዚ ዂሉ ህዝብዚ መብልዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምሳና ዘሎስ ካብ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣይበዝሕን እዩ፡ በሉ።
14. ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ይዀኑ ነበሩ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ በብሓምሳ እናሰራዕኩም ኣቐምጥዎም፡ በሎም።
15. ከምኡ ገበሩ ንዂሎምውን ኣቐመጥዎም።
16. ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ጠመተ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ኼቕርቡሎም ሀቦም።
17. ኲሎም በሊዖም ጸገቡ፡ ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ።
18. ኰነ ድማ፡ ንበይኑ ኺጽሊ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱውን፡ ሰብ መን እዩ ይብለኒ አሎ፧ ኢሉ ሐተቶም።
19. ንሳቶም ከኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ገሊኦም፡ ኤልያስ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦምውን፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ፡ ዚብሉ ኣለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ።
20. ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧ በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
21. ንሱ ድማ ገንሖም፡ እዚ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኸኣ ኣዘዞም እሞ፡
22. ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኺጸግብ፡ ብዓበይትን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ኪነዐቕን ኪቕተልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ በሎም።
23. ንዂሎም ከኣ፡ ደድሕርይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዐበኒ።
24. ምድሓን ንፍሱ ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍእ ግና፡ ንሱ ኼድሕና እዩ።
25. ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧
26. ብኣይን ብቓለይን ዚሐፍር ዘበለ፡ ወዲ ሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ብግርማ ቅዱሳን መላእኽቱን ኪመጽእ ከሎ፡ ብእኡ ኺሐር እዩ።
27. ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚርእይዋ፡ ሞት ዘይጥዕሙ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
28. ድሕሪ እዚ ዘረባዚ ኣብ ሰሙኑ ኣቢሉ ኸኣ ዀነ፡ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ተማሊኡ፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ።
29. ኪጽሊ ኸሎ፡ ትርኢት ገጹ ተለወጠ፡ ክዳውንቱውን ብርቕርቕ ዚብል ጻዕዳ ዀነ።
30. እንሆ ድማ፡ ክልተ ሰባት፡ ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስን፡ ምስኡ ይዛረቡ ነበሩ።
31. ብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኪፍጽሞ ዘለዎ ምውጻኡ ድማ ይዛራረቡ ነበሩ።
32. ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዘለውን ግና ድቃስ ከቢድዎም ነበረ። ምስ ተባራበሩ፡ ግርማኡን ክልተ ሰብ ድማ ምስኡ ደው ዝበሉን ረኣዩ።
33. ኰነ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብኡ ኺፍለዩ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ መምህር፡ ንኣና ኣብዚ ኽንነብር ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደውን ንኤልያስ፡ በሎ። ዚብሎ ኣይፈልጥን ነበረ።
34. ንሱ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ናብ ደበና ኺኣትዉ ኸለዉ ኸኣ፡ ፈርሁ።
35. ካብቲ ደበና ድማ፡ እቲ ዝሐሬኽዎ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።
36. እቲ ድምጺ ኺመጽእ ከሎ ኸኣ፡ ንየሱስ በይኑ ረኸብዎ። ንሳቶምውን ስቕ በሉ፡ ሽዑ ቕነ ዝረኣይዎ ነገር ንሓደ እኳ ኣይነገሩን።
37. ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ተቐበልዎ።
38. እንሆ ኸኣ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፡ ዎ መምህር፡ ሓደ ንሱ እዩ ውሉደይ እሞ፡ ነዚ ወደይ ክትርእየለይ እልምነካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨርሔ።
39. እንሆ፡ መንፈስ ይሕዞ፡ ብኡብኡ ይብህርር፡ ፈንጠርዕውን የብሎ፡ እናዕፈሮ፡ እናቐጥቀጦ ብጻዕሪ ይሐድጎ።
40. ንደቀ መዛሙርትኻ ኼውጽእዎ ለሚነዮምሲ፡ ምውጻኡ ስኢኖም፡ በለ።
41. የሱስ ከኣ፡ ኣታ ዘይእሙን ቄናን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝከ ምሳኻትኩም ክነብርን ክዕገሰኩምን እየ፧ ንወድኻ ናብዚ ኣምጽኣዮ፡ ኢሉ መለሰሉ።
42. ንሱ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ ጋኔን ኣንፈጥፈጦ ጠንቀላዕላዕውን ኣበሎ። የሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገኒሑ፡ ነቲ ቘልዓ ኣሕወዮ ነቦኡውን ሀቦ።
43. ኲላቶም ድማ ብዕቤት ኣምላኽ ኣስተንከሩ። ኲላቶም በቲ የሱስ ዝገበሮ ዂሉ ኼስተንክሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡
44. ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪወሀብ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ነዚ ነገርዚ ኣብ ኣእዛንኩም ኣእትውዎ፡ በሎም።
45. ንሳቶም ግና ነዛ ዘረባ እዚኣ ኣየስተውዐልዋን፡ ከየስተብሀልዋ ድማ ተሰዊራቶም ነበረት። በዛ ዘረባ እዚኣ ኸይሐትዎዉን ፈርሁ።
46. ካባታቶምሲ መኖም ከም ዚዐቢ ኸኣ ኣብ ማእከሎም ሓሳብ ኣተዎም።
47. የሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ርእዩ፡ ሕጻን ወሰደ፡ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣቢሉ፡
48. ነዚ ሕጻንዚ ብስመይ ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበሎ። እቲ ኣብ ማእከል ኲልኹም ዚንእስ፡ ዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ፡ በሎ።
49. ዮሃንስ ከኣ፡ መምህር፡ ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ምሳና ስለ ዘይሰዐበ፡ ከሊእናዮ፡ ኢሉ መለሰሉ።
50. የሱስ ከኣ፡ ዘይካራኸረኩም ዘበለ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣይትኽልእዎ፡ በሎ።
51. ኰነ ድማ፡ መዓልትታት ዕርገሩ ምስ ቀረባ፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መለሰ።
52. ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፡ ከይዶም ኬዳልዉሉ ድማ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ሰማርያ ኣተዉ።
53. ንሳቶም ግና፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መሊሱ ስለ ዝነበረ፡ ኣይተቐበልዎን።
54. እቶም ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ከኣ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ጐይታይ፡ ከምቲ ኤልያስ ዝገበሮ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሉ።
55. ምልስ ኢሉ፡ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ኬድሕን እምበር፡ ኬጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ።
56. ምልስ ኢሉ፡ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ኬድሕን እምበር፡ ኬጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ።
57. ኰነ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ሓደ፡ ጐይታይ፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዂሉ ኽስዕበካ እየ፡ በሎ።
58. የሱስ ከኣ፡ ንወኻሩ ጒድጓድ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ ኣለወን፡ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓላ ስፍራ የብሉን፡ በሎ።
59. ንሓደ ኻልእ ድማ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ።
60. የሱስ ድማ፡ ምውታት ንምውታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገር፡ በሎ።
61. ሓደ ኻልእ ድማ፡ ጐይታይ፡ ክስዕበካ እየ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ፡ በሎ።
62. የሱስ ግና፡ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ።

  Luke (9/24)