← Luke (9/24) → |
1. | ነቶም ዓሰርተው ክልተ ብሓባር ጸዊዑ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣጋንንቲ ሕማምውን ኬሕውዩ ሓይልን ስልጣንን ሀቦም። |
2. | መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ንሕሙማት ኬሕውዩን ከኣ ለኣኾም። |
3. | በሎም ድማ፡ ንመገዲ ገለ ኣይትማልኡ፡ በትሪ ዀነ፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገንዘብ ኰነ ወይ ክልተ ቐምሽ ኣይሀሉኹም። |
4. | ኣብታ ዝኣተኹምዋ ቤት ድማ፡ ኣብኣ ኹኑ፡ ካብኣውን መገድኹም ኪዱ። |
5. | ኣብቲ ዘይቅበሉኹም ዘበለ ኸኣ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም ንኣታቶም ንምስክር ኪኸውን፡ ተጐጓ እግርኹም ንገፉ። |
6. | ወጺኦም ድማ ዓዲ ንዓዲ እናዘሩ፡ ወንጌል ይሰብኩ ኣብ ኲሉውን የሕውዩ ነበሩ። |
7. | ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ነቲ ብእኡ እተገብረ ነገር ሰሚዑ ተዋላወለ። ሓያሎ ሰባት፡ ዮሃንስ ካብ ምውታት ተንሲኡ፡ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ |
8. | ገሊኦም፡ ኤልያስ ተራእዩ፡ ገሊኦም ከኣ፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ እዩ፡ በሉ። |
9. | ሄሮድስ ከኣ፡ ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ። እዚ ብዛዕባኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘሎኹ ደኣ መን እዩ፧ በለ፡ ኪርእዮውን ይደሊ ነበረ። |
10. | ሃዋርያት ድማ ምስ ተመልሱ፡ ዝገበርዎ ዘበለ ነገርዎ። ንበይኖም ድማ፡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኣብ ጥቓ ቤተሳይዳ እትብሀል ከተማ ምስኡ ወሰዶም። |
11. | እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ሰዐብዎ። ንሱ ድማ ተቐበሎም፡ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ነገሮም፡ ምሕዋይ ንዜድልዮምውን ኣሕወዮም። |
12. | ምድሪ ኺመሲ ጀመረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ቀሪቦም፡ ኣብዚ በረኻ ኢና ዘሎና እሞ፡ እዞም ህዝቢ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ዓድታትን ገዛታትን ከይዶም ኪሐድሩ ዚብላዕውን ኪረኽቡ፡ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። |
13. | ንስኻትኩም ዚብላዕ ሀብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ንሕና ኼድና፡ ነዚ ዂሉ ህዝብዚ መብልዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምሳና ዘሎስ ካብ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣይበዝሕን እዩ፡ በሉ። |
14. | ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ይዀኑ ነበሩ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ በብሓምሳ እናሰራዕኩም ኣቐምጥዎም፡ በሎም። |
15. | ከምኡ ገበሩ ንዂሎምውን ኣቐመጥዎም። |
16. | ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ጠመተ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ኼቕርቡሎም ሀቦም። |
17. | ኲሎም በሊዖም ጸገቡ፡ ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ። |
18. | ኰነ ድማ፡ ንበይኑ ኺጽሊ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱውን፡ ሰብ መን እዩ ይብለኒ አሎ፧ ኢሉ ሐተቶም። |
19. | ንሳቶም ከኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ገሊኦም፡ ኤልያስ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦምውን፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ፡ ዚብሉ ኣለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ። |
20. | ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧ በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። |
21. | ንሱ ድማ ገንሖም፡ እዚ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኸኣ ኣዘዞም እሞ፡ |
22. | ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኺጸግብ፡ ብዓበይትን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ኪነዐቕን ኪቕተልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ በሎም። |
23. | ንዂሎም ከኣ፡ ደድሕርይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዐበኒ። |
24. | ምድሓን ንፍሱ ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍእ ግና፡ ንሱ ኼድሕና እዩ። |
25. | ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧ |
26. | ብኣይን ብቓለይን ዚሐፍር ዘበለ፡ ወዲ ሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ብግርማ ቅዱሳን መላእኽቱን ኪመጽእ ከሎ፡ ብእኡ ኺሐር እዩ። |
27. | ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚርእይዋ፡ ሞት ዘይጥዕሙ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። |
28. | ድሕሪ እዚ ዘረባዚ ኣብ ሰሙኑ ኣቢሉ ኸኣ ዀነ፡ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ተማሊኡ፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ። |
29. | ኪጽሊ ኸሎ፡ ትርኢት ገጹ ተለወጠ፡ ክዳውንቱውን ብርቕርቕ ዚብል ጻዕዳ ዀነ። |
30. | እንሆ ድማ፡ ክልተ ሰባት፡ ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስን፡ ምስኡ ይዛረቡ ነበሩ። |
31. | ብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኪፍጽሞ ዘለዎ ምውጻኡ ድማ ይዛራረቡ ነበሩ። |
32. | ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዘለውን ግና ድቃስ ከቢድዎም ነበረ። ምስ ተባራበሩ፡ ግርማኡን ክልተ ሰብ ድማ ምስኡ ደው ዝበሉን ረኣዩ። |
33. | ኰነ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብኡ ኺፍለዩ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ መምህር፡ ንኣና ኣብዚ ኽንነብር ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደውን ንኤልያስ፡ በሎ። ዚብሎ ኣይፈልጥን ነበረ። |
34. | ንሱ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ናብ ደበና ኺኣትዉ ኸለዉ ኸኣ፡ ፈርሁ። |
35. | ካብቲ ደበና ድማ፡ እቲ ዝሐሬኽዎ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። |
36. | እቲ ድምጺ ኺመጽእ ከሎ ኸኣ፡ ንየሱስ በይኑ ረኸብዎ። ንሳቶምውን ስቕ በሉ፡ ሽዑ ቕነ ዝረኣይዎ ነገር ንሓደ እኳ ኣይነገሩን። |
37. | ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ተቐበልዎ። |
38. | እንሆ ኸኣ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፡ ዎ መምህር፡ ሓደ ንሱ እዩ ውሉደይ እሞ፡ ነዚ ወደይ ክትርእየለይ እልምነካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨርሔ። |
39. | እንሆ፡ መንፈስ ይሕዞ፡ ብኡብኡ ይብህርር፡ ፈንጠርዕውን የብሎ፡ እናዕፈሮ፡ እናቐጥቀጦ ብጻዕሪ ይሐድጎ። |
40. | ንደቀ መዛሙርትኻ ኼውጽእዎ ለሚነዮምሲ፡ ምውጻኡ ስኢኖም፡ በለ። |
41. | የሱስ ከኣ፡ ኣታ ዘይእሙን ቄናን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝከ ምሳኻትኩም ክነብርን ክዕገሰኩምን እየ፧ ንወድኻ ናብዚ ኣምጽኣዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። |
42. | ንሱ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ ጋኔን ኣንፈጥፈጦ ጠንቀላዕላዕውን ኣበሎ። የሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገኒሑ፡ ነቲ ቘልዓ ኣሕወዮ ነቦኡውን ሀቦ። |
43. | ኲላቶም ድማ ብዕቤት ኣምላኽ ኣስተንከሩ። ኲላቶም በቲ የሱስ ዝገበሮ ዂሉ ኼስተንክሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ |
44. | ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪወሀብ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ነዚ ነገርዚ ኣብ ኣእዛንኩም ኣእትውዎ፡ በሎም። |
45. | ንሳቶም ግና ነዛ ዘረባ እዚኣ ኣየስተውዐልዋን፡ ከየስተብሀልዋ ድማ ተሰዊራቶም ነበረት። በዛ ዘረባ እዚኣ ኸይሐትዎዉን ፈርሁ። |
46. | ካባታቶምሲ መኖም ከም ዚዐቢ ኸኣ ኣብ ማእከሎም ሓሳብ ኣተዎም። |
47. | የሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ርእዩ፡ ሕጻን ወሰደ፡ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣቢሉ፡ |
48. | ነዚ ሕጻንዚ ብስመይ ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበሎ። እቲ ኣብ ማእከል ኲልኹም ዚንእስ፡ ዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ፡ በሎ። |
49. | ዮሃንስ ከኣ፡ መምህር፡ ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ምሳና ስለ ዘይሰዐበ፡ ከሊእናዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። |
50. | የሱስ ከኣ፡ ዘይካራኸረኩም ዘበለ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣይትኽልእዎ፡ በሎ። |
51. | ኰነ ድማ፡ መዓልትታት ዕርገሩ ምስ ቀረባ፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መለሰ። |
52. | ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፡ ከይዶም ኬዳልዉሉ ድማ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ሰማርያ ኣተዉ። |
53. | ንሳቶም ግና፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መሊሱ ስለ ዝነበረ፡ ኣይተቐበልዎን። |
54. | እቶም ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ከኣ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ጐይታይ፡ ከምቲ ኤልያስ ዝገበሮ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሉ። |
55. | ምልስ ኢሉ፡ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ኬድሕን እምበር፡ ኬጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ። |
56. | ምልስ ኢሉ፡ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ኬድሕን እምበር፡ ኬጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ። |
57. | ኰነ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ሓደ፡ ጐይታይ፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዂሉ ኽስዕበካ እየ፡ በሎ። |
58. | የሱስ ከኣ፡ ንወኻሩ ጒድጓድ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ ኣለወን፡ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓላ ስፍራ የብሉን፡ በሎ። |
59. | ንሓደ ኻልእ ድማ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። |
60. | የሱስ ድማ፡ ምውታት ንምውታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገር፡ በሎ። |
61. | ሓደ ኻልእ ድማ፡ ጐይታይ፡ ክስዕበካ እየ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ፡ በሎ። |
62. | የሱስ ግና፡ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ። |
← Luke (9/24) → |