← Luke (8/24) → |
1. | ድሕርዚ ድማ፡ ዀነ፡ ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ። |
2. | ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሐወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዚብልዋ ማርያም፡ ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዜገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ። |
3. | ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሐወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዚብልዋ ማርያም፡ ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዜገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ። |
4. | ብዙሓት ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፡ ካብ ፍቕዳ ኸተማታት ናብኡ ምስ መጹ፡ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ |
5. | ዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ ድማ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ተረግጸ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ። |
6. | ገሊኡ ኸኣ ኣብ ከውሒ ወደቐ፡ ምስ በቘለ ድማ፡ ጠሊ ስለ ዘይነበሮ ነቐጸ። |
7. | ገሊኡውን ኣብ ማእከል እሾዂ ወደቐ፡ እቲ እሾዅ ምስኡ ዐብዩ ሐነቖ። |
8. | ካልእ ከኣ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ በቘለ ሚእቲ ኻዕበት ድማ ፈረየ። እዚ ምስ በለ፡ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ ኢሉ ጨደረ። |
9. | ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ምስላ እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። |
10. | ንሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፡ ንኻልኦት ግና፡ እናረኣዩ ምእንቲ ኸይርእዩ፡ እናሰምዑውን ከየስተውዕሉስ፡ ብምስላ እዛረቦም ኣሎኹ። |
11. | እቲ ምስላኡ እዚ እዩ፡ እቲ ዘርኢ ቓል ኣምላኽ እዩ። |
12. | እቶም ኣብ ጥቓ መገዲ፡ ንሳቶም ዚሰምዑ እዮም። ድሕርቲ፡ ምእንቲ ኸይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ፡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ። |
13. | እቶም ኣብ ከውሒ፡ ንሳቶም ንቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብሓጐስ ዚቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዜኡ ደኣ እዮም ዚኣምኑ እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ብጊዜ ፈተናውን ይጠልሙ። |
14. | እቲ ኣብ እሾዂ ዝወደቐ እዚኣቶም እዮም፡ ምስ ሰምዑ፡ መገዶም ከይዶም ብሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ይሕነቑ እሞ ፍረ ኣይፈርዩን። |
15. | እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዐቚርዎ፡ ብትዕስቲውን ፍረ ዚፈርዩ እዮም። |
16. | ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ይሰቕሎ እምበር፡ በቕሓ ዚኸድኖ ወይስ ኣብ ትሕ ቲ ዓራት ዜንብሮ የልቦን። |
17. | ዘይገሀድ ሕቡእ የልቦን እሞ፡ ዘይፍለጥን ናብ ግልጺ ዘይወጽእን ስውር ከኣ የልቦን። |
18. | እምብኣርከ ንዘለዎ ኺውሀቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ ኻብኡ ኽትውሰድ እያ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ። |
19. | ኣዲኡን ኣሕዋቱን ድማ ናብኡ መጹ፡ ብምኽንያት እቲ እኩብ ህዝቢ ግና ኪረኽብዎ ኣይከኣሉን። |
20. | ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪርእዩኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ። |
21. | ንሱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚገብርዎን እዮም፡ ኢሉ መለሰሎም። |
22. | ሓንቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ንሱ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ፡ ንዑናይ፡ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር፡ በሎም፡ ከዱውን። |
23. | ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ደቀሰ። ህቦብላ ንፋስ ኣብ ባሕሪ ወረደ፡ ነታ ጃልባኦም ከኣ ማይ መልኣ፡ ፍርሃትውን ሐዞም። |
24. | ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም፡ መምህር፡ መምህር፡ ጠፋእና፡ ኢሎም ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ፡ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ማይን ገንሖ እሞ፡ ስቕ በለ ህድኣትውን ኰነ። |
25. | ሽዑ፡ ኣበይ ደኣ ኣላ እምነትኩም፧ በሎም። ፈሪሆም ከኣ፡ እዚ ንንፋስን ማይን ዚእዝዞም እሞ ዚእዘዝዎስ መን ኰን እዩ፧ እናተባሃሀሉ ተደነቑ። |
26. | ኣብ ማዕዶ ገሊላ ናብ ዘሎ ምድሪ ጌርጌሴኖን ተሳገሩ። |
27. | ናብ ምድሪ ምስ ወጸ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎ ሰብኣይ ካብ ከተማ ተጓነፎ። ንሱ ኸኣ ነዊሕ ዘመን ክዳን ከይተኸድነ ኣብ መቓብር እምበር፡ ኣብ ቤት ዘይቕመጥ እዩ ዝነበረ። |
28. | ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ጨዲሩ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ ብዓብዪ ድምጺውን፡ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻኸ እንታይ ኣሎኒ፧ ከይትሳቕየኒ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። |
29. | ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ኪወጽእ ኣዘዞ። ብዙሕ ዘመናት ሓዲርዎ ነበረ እሞ፡ ብሰንሰለትን ብመቚሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ። ማእሰሪኡ ይሰብር፡ እቲ ጋኔን ድማ ናብ በረኻ ሀለው የብሎ ነበረ። |
30. | የሱስ ከኣ፡ ስምካ መን እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲ ሐዲሮምዎ ስለ ዝነበሩ፡ ለጌዎን፡ በለ። |
31. | ናብ መዓሙቚ ኪኸዱ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ። |
32. | ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ከረን ይበልዕ ነበረ። ናብኡ ንምእታው ኪፈቕደሎም ከኣ ለመንዎ፡ ንሱውን ፈቐደሎም። |
33. | እቶም ኣጋንንቲ፡ ካብቲ ሰብኣይ ወጺኦም፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፡ እቲ መጓሰ ድማ ካብቲ ጻድፊ ናብ ባሕሪ ጸዲፉ ጠሐለ። |
34. | እቶም ጓሶት ከኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ሀደሙ፡ ኣብ ከተማን ዓድታትን ኣውረዩ። |
35. | እቶም ህዝቢ ኸኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ፡ ናብ የሱስውን መጹ። እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ፡ ክዳኑ ተኸዲኑ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ ኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሁ። |
36. | እቶም ዝረኣይዎ ድማ፡ እቲ ጋኔን ዝነበሮ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝሐወየ፡ ነገርዎም። |
37. | እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ደቂ ሃገር ብዙሕ ፍርሃት ስለ ዝፈርሁ፡ ካባታቶም ኪኸይድ ለመንዎ። ኣብ ጃልባ ኣትዩ ኸኣ ተመልሰ። |
38. | እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ ድማ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ። የሱስ ግና፡ |
39. | ናብ ቤትካ ተመለስ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረልካ ንገር፡ ኢሉ ሰደዶ። ከይዱ ድማ፡ እቲ የሱስ ዝገበረሉ ዘበለ ኣብ ብዘላ እታ ኸተማ ነገረ። |
40. | ኰነ ድማ፡ የሱስ ምስ ተመልሰ፡ ኲሎም ይጽበይዎ ነበሩ እሞ፡ እቶም ሰብ ተቐበልዎ። |
41. | እንሆ ኸኣ፡ ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ መጸ፡ ንሱ ድማ መራሕ ቤት ጸሎት እዩ። ኣብ እግሪ የሱስ ወዲቑ ናብ ቤቱ ኺኣቱ ለመኖ። |
42. | ሓንቲ ጓል ጥራይ፡ ንሳ ኸኣ ጓል ዓሰርተው ክልተ ዓመት እትኸውን፡ ነበረቶ። ንሳ ንሞት ቀሪባ ነበረት። ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ይደፍእዎ ነበሩ። |
43. | እንሃ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኲሉ ገንዘባ ንሓኪማት ወድኤት፡ ግናኸ ሓደ እኳ ኺፍውሳ ኣይከኣለን። |
44. | ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት፡ ብኡብኡ እቲ ምኽዓው ደማ ኣቋረጸ። |
45. | የሱስ ከኣ፡ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ በለ። ኲሎም፡ ኣይፋልናን፡ ምስ በሉ፡ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዘለዉ ዀይኑ፡ መምህር፡ እዞም ህዝቢ ይደፍኡኻን ይጸቕጡኻን ኣለዉ፡ ንስኻ ድማ፡ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ ትብል፡ በሎ። |
46. | የሱስ ግና፡ ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ይፍለጠኒ ኣሎ እሞ፡ ዝተንከየንስ ኣሎ፡ በሎ። |
47. | እታ ሰበይቲ ድማ ከም ዘይተሐብኤት ምስ ረኣየት፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዂሉ ህዝቢ ድማ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተንከየቶ፡ ሽዑ ንሽዑውን ከም ዝሐወየት፡ ነገረቶ። |
48. | ንሱ ኸኣ፡ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ። |
49. | ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ሓደ ኻብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ፡ እናበለ መጾ። |
50. | የሱስ ሰሚዑ፡ ኣይትፍራህ፡ እመን ደኣ እሞ ክትሐዊ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ። |
51. | ኣብታ ቤት ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን፡ ሓደ እኳ ምስኡ ኺኣቱ ኣይፈቐደን። |
52. | ኲሎም ድማ ይበኽዩን ዋይዋይ ይብሉን ነበሩ። ሽዑ ንሱ፡ ኣይትብከዩ፡ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ በለ። |
53. | ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሐቕዎ። |
54. | ንሱ ኸኣ ንዂሎም ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ብኢዱ ሒዙ ዐው ኢሉ፡ ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ፡ በለ። |
55. | ሽዑ ትንፋሳ ተመልሰት እሞ ብኡብኡ ተንስኤት፡ ዚብላዕ ኪህብዋ ድማ ኣዘዘ። |
56. | ወለዳ ገረሞም፡ ንሱ ግና እዚ ዝዀነ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም። |
← Luke (8/24) → |