Luke (7/24)  

1. ብዘሎ ዘረባኡ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ምስ ወድኤ፡ ናይ ቅፍርናሆም ኣተወ።
2. ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ዜኽብሮ ባርያኡ ሐሚሙ ንሞት ቀሪቡ ነበረ።
3. ወረ የሱስ ምስ ሰምዔ፡ መጺኡ ንባርያኡ ኼሕውየሉ፡ ዓበይቲ ኣይሁድ ናብኡ ልኢኺ ለመኖ።
4. ንሳቶም ድማ ናብ የሱስ መጺኦም፡ ንሱ ንህዝብና የፈቱ፡ ቤት ጸሎት ዝሰርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ እሞ፡ እዚ ኽትገብረሉ ይግብኣ እዩ፡ ኢሎም ኣጽኒዖም ለመንዎ።
5. ንሳቶም ድማ ናብ የሱስ መጺኦም፡ ንሱ ንህዝብና የፈቱ፡ ቤት ጸሎት ዝሰርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ እሞ፡ እዚ ኽትገብረሉ ይግብኣ እዩ፡ ኢሎም ኣጽኒዖም ለመንዎ።
6. የሱስ ከኣ ምሳታቶም ከደ። ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕሩኹ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ ኣነ ኣይብቑዕን እየ እሞ፡ ኣይትድከም።
7. ስለዚ ድማ ንርእሰይ ናባኻ ንምምጻእ ብቕዕቲ ገይረ ኣይቈጸርክዋን። ግናኸ ሓንቲ ቓል ተዛረብ፡ ወደይ ከኣ ይሐዊ እዩ።
8. ኣነ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዓል ስልጣን ዝግዛእ፡ ኣብ ትሕተይውን ዓቀይቲ ዘለዉኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ነቲ ድማ ንዓ፡ ይመጽእ፡ ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ።
9. የሱስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ተገረመ፡ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ነቶም ዝሰዐብዎ ህዝቢ፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
10. እቶም ልኡኻት ናብ ቤት ምስ ተመልሱ ድማ፡ እቲ ሓሚሙ ዝነበረ ባርያ ሐውዩ ረኸብዎ።
11. ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ናይን ናብ እትብሀል ከተማ ኸደ፡ ምስኡ ኸኣ ሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ።
12. ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ምውት ተጾይሩ ወጸ፡ ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ መበለት እያ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ምስኣ ነበሩ።
13. ጐይታ ምስ ረኣያ፡ ደንገጸላ እሞ፡ ኣይትብከዪ፡ በላ።
14. ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ።
15. እቲ ምዉት ተንስኡ ተቐመጠ፡ ምዝራብውን ጀመረ፡ ነዲኡ ድማ ሀባ።
16. ንዂሎም ፍርሃት ሐዞም፡ ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና፡ ኣምላኽ ንህዝቡ በጽሔ፡ እናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።
17. እዚ ወረዚ ድማ ብዛዕባኡ ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ጐደቦታታን ተሰምዔ።
18. ንዮሃንስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ዂሉ እዚ ነገርዚ ነገርዎ።
19. ዮሃንስ ከኣ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ ኢሉ ናብ የሱስ ለኣኾም።
20. እቶም ሰብ ኣብ የሱስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ድኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ ኢሉ ናባኻ ልኢኹና፡ በልዎ።
21. ሽዑ በታ ሰዓት እቲኣ ኻብ ሕማምን ቃንዛን ካብ ርኹሳት መናፍስትን ንብዙሓት ኣሕወየ፡ ንብዙሓት ዕዉራትውን ምርኣይ ሀቦም።
22. የሱስ ከኣ፡ ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ ኣለዉ፡ ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኽ ኣሎ እሞ፡ ኪዱ፡ እዚ ዝርኤኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ።
23. ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብጹእ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም።
24. እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፡ ንሱ ነቶም እኩባት ሰብ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፡ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ፧
25. እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑ ሰብኣይዶ፧ እንሆ፡ ብኽዳውንቲ ኽብረት ዘጌጹን ዝሐንቀቑንሲ ኣብ ቤት ነገስታት ኣለዉ።
26. እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚዐቢ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
27. እቲ፡ እንሆ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ፡ ተብሂሉ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ።
28. ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ነብዪ ሓደ እኳ የልቦን፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ግና እቲ ዚንእስ ይዐብዮ።
29. ኲሎም ህዝብን ተገውትን ሰሚዖም፡ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ንኣምላኽ ኣጽደቕዎ።
30. ፈሪሳውያንን ፈለጥቲ ሕግን ግና ብእኡ ኣይተጠምቁን እሞ ነቲ ኣምላኽ ዝመኸረሎም ምኽሪ ነዐቕዎ።
31. እምብኣርሲ ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ ብምንታይ ክምስሎም እየ፧ ንመንሲ ይመስሉ፧
32. ነቶም ኣብ ዕዳጋ ዚቕመጡ እሞ ንሓድሕዶም ተጻዋዊዖም፡ እምብልታ ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም ኣይበኼኹምን፡ ዚብሉ ቘልዑ እዮም ዚመስሉ።
33. ዮሃንስ መጥምቕ እማ መጸ፡ እንጌራ ኣይበልዕ፡ ወይኒ ኣይሰቲ፡ ጋኔን ኣለዎ፡ ትብሉ ኣሎኹም።
34. ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ፡ ይሰቲ፡ እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን፡ መፍቀር ተገውትን ሓጥኣንን፡ ትብሉ ኣሎኹም።
35. ጥበብ ግና ብዂሎም ደቃ ጸደቐት።
36. ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ ምስኡ ኺበልዕ ለመኖ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣትዩ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ።
37. እንሆ፡ ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት፡ ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቓጥ ኣምጽኤት።
38. ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት፡ በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፡ ብጸጒሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፡ ቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት።
39. እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ፡ እዚ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ፡ እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢኣተኛ ምዃና ምፈለጣ ነይሩ፡ ኢሉ ብልቡ ሐሰበ።
40. የሱስ ከኣ፡ ስምኦን፡ ዝብለካ ኣሎኒ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በል፡ መምህር፡ በለ።
41. ንሓደ መለቅሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ።
42. ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሐደገሎም። ካባታቶምሲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧
43. ስምኦን ከኣ፡ ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሐድገሉ ይመስለኒ፡ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፡ ቅኑዕ ፈረድካ፡ በሎ።
44. ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን በሎ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ ኣሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሀብካንን፡ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጒሪ ርእሳውን ደረዘት።
45. ንስኻ ኣይተሳለምካንን፡ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዐረፈትን።
46. ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንን፡ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት።
47. ስለዚ፡ ብዙሕ ስለ ዘርቀረት፡ ንኣእ ብዙሕ ሓጢኣት ተሐዲጉላ፡ እብለካ ኣሎኹ። እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዜፍቅር።
48. ንእኣ ድማ፡ ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ፡ በላ።
49. እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ ብልቦም፡ እዚ፡ ሓጢኣት ድማ ዚሐድግሲ፡ መን እዩ፧ ኪብሉ ጀመሩ።
50. ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ኣድሒናትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።

  Luke (7/24)