| ← Luke (7/24) → | 
| 1. | ብዘሎ ዘረባኡ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ምስ ወድኤ፡ ናይ ቅፍርናሆም ኣተወ። | 
| 2. | ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ዜኽብሮ ባርያኡ ሐሚሙ ንሞት ቀሪቡ ነበረ። | 
| 3. | ወረ የሱስ ምስ ሰምዔ፡ መጺኡ ንባርያኡ ኼሕውየሉ፡ ዓበይቲ ኣይሁድ ናብኡ ልኢኺ ለመኖ። | 
| 4. | ንሳቶም ድማ ናብ የሱስ መጺኦም፡ ንሱ ንህዝብና የፈቱ፡ ቤት ጸሎት ዝሰርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ እሞ፡ እዚ ኽትገብረሉ ይግብኣ እዩ፡ ኢሎም ኣጽኒዖም ለመንዎ። | 
| 5. | ንሳቶም ድማ ናብ የሱስ መጺኦም፡ ንሱ ንህዝብና የፈቱ፡ ቤት ጸሎት ዝሰርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ እሞ፡ እዚ ኽትገብረሉ ይግብኣ እዩ፡ ኢሎም ኣጽኒዖም ለመንዎ። | 
| 6. | የሱስ ከኣ ምሳታቶም ከደ። ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕሩኹ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ ኣነ ኣይብቑዕን እየ እሞ፡ ኣይትድከም። | 
| 7. | ስለዚ ድማ ንርእሰይ ናባኻ ንምምጻእ ብቕዕቲ ገይረ ኣይቈጸርክዋን። ግናኸ ሓንቲ ቓል ተዛረብ፡ ወደይ ከኣ ይሐዊ እዩ። | 
| 8. | ኣነ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዓል ስልጣን ዝግዛእ፡ ኣብ ትሕተይውን ዓቀይቲ ዘለዉኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ነቲ ድማ ንዓ፡ ይመጽእ፡ ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ። | 
| 9. | የሱስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ተገረመ፡ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ነቶም ዝሰዐብዎ ህዝቢ፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። | 
| 10. | እቶም ልኡኻት ናብ ቤት ምስ ተመልሱ ድማ፡ እቲ ሓሚሙ ዝነበረ ባርያ ሐውዩ ረኸብዎ። | 
| 11. | ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ናይን ናብ እትብሀል ከተማ ኸደ፡ ምስኡ ኸኣ ሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ። | 
| 12. | ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ምውት ተጾይሩ ወጸ፡ ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ መበለት እያ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ምስኣ ነበሩ። | 
| 13. | ጐይታ ምስ ረኣያ፡ ደንገጸላ እሞ፡ ኣይትብከዪ፡ በላ። | 
| 14. | ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። | 
| 15. | እቲ ምዉት ተንስኡ ተቐመጠ፡ ምዝራብውን ጀመረ፡ ነዲኡ ድማ ሀባ። | 
| 16. | ንዂሎም ፍርሃት ሐዞም፡ ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና፡ ኣምላኽ ንህዝቡ በጽሔ፡ እናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። | 
| 17. | እዚ ወረዚ ድማ ብዛዕባኡ ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ጐደቦታታን ተሰምዔ። | 
| 18. | ንዮሃንስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ዂሉ እዚ ነገርዚ ነገርዎ። | 
| 19. | ዮሃንስ ከኣ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ ኢሉ ናብ የሱስ ለኣኾም። | 
| 20. | እቶም ሰብ ኣብ የሱስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ድኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ ኢሉ ናባኻ ልኢኹና፡ በልዎ። | 
| 21. | ሽዑ በታ ሰዓት እቲኣ ኻብ ሕማምን ቃንዛን ካብ ርኹሳት መናፍስትን ንብዙሓት ኣሕወየ፡ ንብዙሓት ዕዉራትውን ምርኣይ ሀቦም። | 
| 22. | የሱስ ከኣ፡ ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ ኣለዉ፡ ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኽ ኣሎ እሞ፡ ኪዱ፡ እዚ ዝርኤኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ። | 
| 23. | ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብጹእ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። | 
| 24. | እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፡ ንሱ ነቶም እኩባት ሰብ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፡ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ፧ | 
| 25. | እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑ ሰብኣይዶ፧ እንሆ፡ ብኽዳውንቲ ኽብረት ዘጌጹን ዝሐንቀቑንሲ ኣብ ቤት ነገስታት ኣለዉ። | 
| 26. | እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚዐቢ፡ እብለኩም ኣሎኹ። | 
| 27. | እቲ፡ እንሆ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ፡ ተብሂሉ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ። | 
| 28. | ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ነብዪ ሓደ እኳ የልቦን፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ግና እቲ ዚንእስ ይዐብዮ። | 
| 29. | ኲሎም ህዝብን ተገውትን ሰሚዖም፡ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ንኣምላኽ ኣጽደቕዎ። | 
| 30. | ፈሪሳውያንን ፈለጥቲ ሕግን ግና ብእኡ ኣይተጠምቁን እሞ ነቲ ኣምላኽ ዝመኸረሎም ምኽሪ ነዐቕዎ። | 
| 31. | እምብኣርሲ ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ ብምንታይ ክምስሎም እየ፧ ንመንሲ ይመስሉ፧ | 
| 32. | ነቶም ኣብ ዕዳጋ ዚቕመጡ እሞ ንሓድሕዶም ተጻዋዊዖም፡ እምብልታ ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም ኣይበኼኹምን፡ ዚብሉ ቘልዑ እዮም ዚመስሉ። | 
| 33. | ዮሃንስ መጥምቕ እማ መጸ፡ እንጌራ ኣይበልዕ፡ ወይኒ ኣይሰቲ፡ ጋኔን ኣለዎ፡ ትብሉ ኣሎኹም። | 
| 34. | ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ፡ ይሰቲ፡ እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን፡ መፍቀር ተገውትን ሓጥኣንን፡ ትብሉ ኣሎኹም። | 
| 35. | ጥበብ ግና ብዂሎም ደቃ ጸደቐት። | 
| 36. | ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ ምስኡ ኺበልዕ ለመኖ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣትዩ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። | 
| 37. | እንሆ፡ ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት፡ ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቓጥ ኣምጽኤት። | 
| 38. | ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት፡ በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፡ ብጸጒሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፡ ቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት። | 
| 39. | እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ፡ እዚ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ፡ እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢኣተኛ ምዃና ምፈለጣ ነይሩ፡ ኢሉ ብልቡ ሐሰበ። | 
| 40. | የሱስ ከኣ፡ ስምኦን፡ ዝብለካ ኣሎኒ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በል፡ መምህር፡ በለ። | 
| 41. | ንሓደ መለቅሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። | 
| 42. | ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሐደገሎም። ካባታቶምሲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧ | 
| 43. | ስምኦን ከኣ፡ ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሐድገሉ ይመስለኒ፡ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፡ ቅኑዕ ፈረድካ፡ በሎ። | 
| 44. | ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን በሎ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ ኣሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሀብካንን፡ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጒሪ ርእሳውን ደረዘት። | 
| 45. | ንስኻ ኣይተሳለምካንን፡ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዐረፈትን። | 
| 46. | ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንን፡ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት። | 
| 47. | ስለዚ፡ ብዙሕ ስለ ዘርቀረት፡ ንኣእ ብዙሕ ሓጢኣት ተሐዲጉላ፡ እብለካ ኣሎኹ። እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዜፍቅር። | 
| 48. | ንእኣ ድማ፡ ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ፡ በላ። | 
| 49. | እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ ብልቦም፡ እዚ፡ ሓጢኣት ድማ ዚሐድግሲ፡ መን እዩ፧ ኪብሉ ጀመሩ። | 
| 50. | ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ኣድሒናትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ። | 
| ← Luke (7/24) → |