Luke (6/24)  

1. ኰነ ድማ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ብዝሩእ ግርሁ ሐለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ሰዊት መሐዉ፡ በእዳዎም እናሐሰዩ ኸኣ ይጐስሙ ነበሩ።
2. ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን ከኣ፡ ስለምንታይ ብሰንበት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ትገብሩ ኣሎኸም፧ በልዎም።
3. የሱስ ከኣ፡ ዳዊት፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ ዝገበሮ፡
4. ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ እምበር፡ ምብላዑ ዘይተገብኤ እንጌራ ምርኣይ ወሲዱ ኸም ዝበልዔ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሀቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ ኢሉ መለሰሎም።
5. ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ፡ ከኣ በሎም።
6. ኰነ ድማ፡ ብሓንቲ ኻልእ ሰንበት ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ መሀረ። ኣብኡ ድማ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ።
7. ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እስኪ ብሰንበር እንተ ኣሕወዮ፡ ኢሎም ይጸናጸንዎ ነበሩ።
8. ንሱ ኸኣ ሓሳቦም ፈሊጡ፡ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፡ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ። ንሱውን ተንሲኡ ደው በለ።
9. የሱስ ከኣ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ንነፍስስ ምድሓንዶ ወይስ ምቕታላ ይግባእ፧ ኢለ እሐተኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
10. ናብ ኲሎም ግልጽ ግልጽ ኢሉ ርእዩ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ፡ እታ ኢዱውን ሐወየት።
11. ንሳቶም ግና ኣዝዮም ነደሩ፡ ንየሱስ እንታይ ከም ዚገብርዎ ድማ፡ ንሓድሕዶም ተማኸሩ።
12. ኰነ ድማ፡ በቲ ወርሓት እቲ ኺጽሊ ናብ ከረን ደየበ፡ ለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ነቒሑ ሐደረ።
13. ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸውዖም፡ ካባታቶም ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም ዓሰርተው ክልተ ሐረየ፡
14. ስምኦን፡ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ፡ እንድርያስ ድማ ሓዉን ያእቆብን ዮሃንስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን፡
15. ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ቀናእ እተባህለ ስምኦንን፡
16. ይሁዳ ወዲ ያእቆብን እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን።
17. ምሳታቶም ወሪዱ ድማ፡ ሰጥ ኣብ ዝበለ ቦታ ደው በማላ፡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ካብ ብዘሎ ይሁዳን የሩሳሌምን ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን ኪሰምዖው ኻብ ሕማሞምውን ኪሐውዩ ዝመጹ ኣብኡ ነበሩ።
18. እቶም ብርኹሳት መናስቲ ዚሳቐዩ ዝነበሩውን ሐወዩ።
19. እቶም ህዝቢ ኸኣ ኲላቶም ኪትንክይዎ ይደልዩ ነበሩ። ካብኡ ሓይሊ ይወጽእ ነበረ እሞ፡ ንብዘለዉ ኣሕወዩም።
20. ንሱ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ በለ፡ ኣቱም ድኻታት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እያ እሞ፡ ብጹኣት ኢኹም።
21. ኣቱም ሕጂ እትጠምዩ፡ ክትጸግቡ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ፡ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም።
22. ሰብ ስለ ወዲ ሰብ ኢሎም እንተ ጸልኡኹም፡ እንተ ፈለዩኹም፡ እንተ ጸረፉኹም፡ ስምኩምውን ከም ክፉእ እንተ ኣውጽኡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም።
23. እንሆ፡ ኣቦታቶም ድማ ንነብያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማይ ዓስብኸም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ባህ ይበልኩም ተሐጐሱውን።
24. ኣቱም ሃብታማት ግና፡ ሐጐስኩም ወዲእኩም ኢኺም እሞ፡ ወይለኸም።
25. ኣቱም ጽጉባት፡ ክትጠምዩ ኢኺም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ፡ ክትበኽዩን ክትሐዝኑን ኢኺም እሞ፡ ወይለኹም።
26. ኲሉ ሰብ ጽቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፡ ኣቦታቶም ንነብያት ሓሶት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ወይለኹም።
27. ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ።
28. ንዚረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ።
29. መልትሕካ ንዝወቕዓካን እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ፡ ክዳንካ ንዝወሰደ ቐምሽካውን ኣይትኽልኣዮ።
30. ንዝለመነካ ዘበለ ሀብ፡ ገንዘብካ ኻብ ዝወሰደውን መሊስካ ኣይትድለ።
31. ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኪም ድማ ከምኡ ግበሩሎም።
32. ሓጥኣን ድማ ንዚፈትውዎምሲ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ንዚፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧
33. ጽቡቕ ንዚገብሩልኩም ጥራይ ጽቡቕ እንተ ገበርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን ከኣ ከምኡ ይገብሩ እዮም።
34. ኪፈድዩኺም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም።
35. ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም።
36. ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ።
37. ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኲነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ።
38. ሀቡ ኺውሀበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋርወ መስፈሪ ኣብ ሕቚፍኹም ኪህቡኹም እዮም።
39. ብምስላ ኸኣ በሎም፡ ዕዉርዶ ንዕዉር ኪመርሖ ይኽእል እዩ፧ ክልቲኣቶምዶኸ ኣብ ጒድጓድ ኣይወድቁን፧
40. ተመሃሪ ኻብ መምህሩ ኣይበልጽን፡ ተምሂሩ ዝወድኤ ዂሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን።
41. ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፡ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ግና ዘይተሰብህል፧
42. ወይስ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ዘይትርኢ፡ ንሓውካ፡ ሓወይ፡ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ክትብሎ ኸመይ ጌርካ ትኽእል፧ ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ነቲ ጒንዲ ኻብ ዓይንኻ ኣውጽኣዮ፡ ድሕርቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ።
43. ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ዚፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ረ ዚፈሪ የልቦን።
44. ኲሉ ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ካብ እሾዂ በለስ ኣይእረን፡ ካብ ጨዓውን ወይኒ ኣይቅንጠብን እዩ።
45. ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ፡ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ።
46. ስለምንታይ ደኣ፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧
47. እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮን ዘበለ ዂሉ፡ ንመን ከም ዚመስል ከርእየኩም እየ፡
48. ቤት ኪሰርሕ ከሎ፡ ኣዕሚቑ ዝዀዐተን መሰረቱውን ኣብ ከውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ደምሳሲ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣ፡ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ከኣ፡ ምንቕናቓ ሰኣነ።
49. እቲ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና ቤቱ ብዘይ መሰረት ኣብ ምድሪ ዝሰርሔ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ውሒዝ ደፍኣ፡ ብኡብኡ ወደቐት። ኣዋዳድቓ እታ ቤት እቲኣ ኸኣ ዓብዪ ዀነ።

  Luke (6/24)