Luke (5/24)  

1. ኰነ ድማ፡ ብዙሓት ህዝቢ እናዳፍእዎ፡ ቃል ኣምላኽ ኪሰምዑ ኸለዉ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጌንሳሬጥ ደው ኢሉ ነበረ።
2. ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸኣ ክልተ ጃልባ ደው ኢለን ረኣየ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ድማ ካባታተን ወሪዶም መርበቦም ይሐጽቡ ነበሩ።
3. ካብተን ጃላቡ ኣብ ሓንቲ፡ ናይ ስምኦን ዝነበረት ኣትዩ ኻብ ምድሪ ቕሩብ ኣርሕቕ ኬብላ ለመኖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ።
4. ዘረባኡ ምስ ወድኤ ኸኣ፡ ንስምኦን፡ ናብቲ ዓሚቚ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩ፡ በሎ።
5. ስምኦን ከኣ፡ መምህር፡ ለይቲ ብምልእታ ጽዒርና፡ ዝሐዝና የብልናን፡ ብቓልካ ግና ነዚ መርበብ እድርብዮ፡ ኢሉ መለሰሉ።
6. እዚ ምስ ገበሩ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ሐዙ፡ እቲ መርበቦምውን ተቐደ።
7. ነቶም ኣብታ ኻልኣይቲ ጃልባ ዘለዉ ብጾቶም ከኣ መጺኦም ኪድግግዎም ኣመልከትዎም። መጺኦም ድማ ንኽልቲኤን ጃልባ ጥቓ ምጥሓል ክሳዕ ዚቐርባ መልእወን።
8. ስምኦን ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገፈፍዎ ምግፋፍ ዓሳ ኣዝዩ ስለ ዝሰምበደ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ዂሎምን፡ ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ሰብ ብርኩ ዝነበሩን ድማ ኸምኡ፡ ስምኦን፡ ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ እናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍኤ። የሱስ ከኣ ንስምኦን፡ ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።
9. ስምኦን ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገፈፍዎ ምግፋፍ ዓሳ ኣዝዩ ስለ ዝሰምበደ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ዂሎምን፡ ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ሰብ ብርኩ ዝነበሩን ድማ ኸምኡ፡ ስምኦን፡ ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ እናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍኤ። የሱስ ከኣ ንስምኦን፡ ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።
10. ስምኦን ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገፈፍዎ ምግፋፍ ዓሳ ኣዝዩ ስለ ዝሰምበደ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ዂሎምን፡ ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ሰብ ብርኩ ዝነበሩን ድማ ኸምኡ፡ ስምኦን፡ ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ እናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍኤ። የሱስ ከኣ ንስምኦን፡ ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።
11. ጃላቡኦም ናብ ምድሪ ኣውጺኦም፡ ንዂሉ ሐዲጎም ሰዐብዎ።
12. ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ኸሎ፡ እንሆ፡ ለምጺ ዝመልኦ ሰብኣይ ኣብኣ ነበረ። ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብገጹ ተደፊኡ፡ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ ኢሉ ለመኖ።
13. የሱስ ድማ፡ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ ኢሉ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ብኡብኡ እቲ ለምጺ ሐደጎ።
14. ንሱ ኸኣ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ስለ ዝነጻህካ ድማ ምስክር ምእንቲ ኪዀኖም፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ መስዋእቲ ሰውእ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይትንገር፡ ኢሉ ኣዘዞ።
15. ብዛዕባኡ ድማ፡ ኣዝዩ ወረ ወጸ። ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ኪሰምዕዎን ካብ ሓማሞም ኪሐውዩን ናብኡ ተኣከቡ።
16. ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ።
17. ኰነ ድማ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንሱ ኺምህር ከሎ፡ ካብ ኲሉ ዓድታት ገሊላን ይሁዳን የሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ተቐሚጦም ነበሩ፡ ሓይሊ እግዚኣብሄርውን ንምሕዋይ ምስኡ ነበረ።
18. እንሆ ድማ፡ ሰባት መጻጒዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ኣምጽኡ፡ ኣእትዮም ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኼንብርዎ ይደልዩ ነበሩ።
19. ሰብ ስለ ዝበዝሔ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜእትውዎ እንተ ጨነቖም ከኣ፡ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ ጡብ ኣፍሪሶም ምስ ዓራቱ ናብ ማእከል ናብ ቅድሚ የሱስ ኣውረድዎ።
20. እምነቶም ምስ ረኣየ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ኣሎ፡ በሎ።
21. ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፡ እዚ ጻርፊ ዚዛረብ ዘሎ መን እዩ፧ ብጀካ እግዚኣብሄር በይኑኸ መን ሓጢኣት ኪሐድግ ይኽእል፧ ኢሎም ኪሐስቡ ጀመሩ።
22. የሱስ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ መሊሱ በሎም፡ ብልብኹም እንታይ ትሐስቡ ኣሎኹም፧
23. ኣየናይ ይቐልል፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ምባልዶ ወይስ ተንስእ እሞ ኺድ ምባል፡
24. ንወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኪሐድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡ ነቲ መጻጒዕ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ።
25. ብኡብኡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ብድድ ኢሉ፡ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ኣልዒሉ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ናብ ቤቱ ኸደ።
26. ኲሎም ሰምበዱ ንኣምላኽውን ኣመስገንዎ እሞ፡ ሎምስ ግሩም ነገር ርኢና፡ ኢሎም ፍርሃት መልኦም።
27. ድሕርዚ ድማ ወጸ፡ ሌዊ ዚብሀል ተጋዊ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ስዐበኒ፡ በሎ።
28. ተንሲኡ ኸኣ ንዂሉ ሓዲጉ ሰዐቦ።
29. ሌዊ ድማ ኣብ ቤቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ። ብዙሓት ተገውቲ ኻልኦትውን ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ነበሩ።
30. ፈሪሳውያንን ጻሓፍቶምን ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ትበልዑን ትሰትዩን ኣሎኹም፧ ኢሎም ኣዕዘምዘሙሎም።
31. የሱስ ከኣ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም።
32. ንሓጥኣን ናብ ንስሓ እምበር፡ ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ ኢሉ መለሰሎም።
33. ንሳቶም ድማ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዙሕ ሳዕ ይጾሙ ጸሎትውን ይገብሩ፡ ደቀ መዛሙርት ፈሪሳውያንውን ከምኡ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ይበልዑን ይሰትዩን፡ በልዎ።
34. የሱስ ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ነዕሩኽ መርዓዊ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከተጹምዎም ይከኣለኩም እዩ፧
35. ግናኸ እቲ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ በተን መዓልትታት እቲኤን ሽዑ ኺጾሙ እዮም፡ በሎም።
36. ምስላ ድማ መሰለሎም፡ ቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ እቲ ሓድሽ ቊራጽ ምስቲ ብላይ ኣይላገብን እዩ።
37. ንሓድሽ ወይኒውን ኣብ ኣረገዊ ኣሕርብቲ ዜዕርቕ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ ንሱውን ይፈስስ ኣሕርብቲ ድማ ይበላሾ።
38. ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ ደኣ የዕርቕዎ፡ ክልቲኣቶም ከኣ ይእርነቡ።
39. ከራሚ ወይኒ ሰትዩ፡ ከራሚ ይሐይሽ፡ ይብል እምበር፡ ሓድሽ ወይኒ ዚደሊ የልቦን።

  Luke (5/24)