Luke (4/24)  

1. የሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኻብ ዮርዳኖስ ተመልሰ፡ ብመንፈስ ከኣ ናብ በረኻ ተመርሔ።
2. ብድያብሎስ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልትታት እቲአተን ገለ እኳ ኣይበልዔን። ንሳተን ምስ ተወድኣ፡ ጠመየ።
3. ድያብሎስ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ እምኒ እንጌራ ኪኸውን ኣዝዝ፡ በሎ።
4. የሱስ ከኣ፡ ሰብ ብዂሉ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
5. ድማ ድያብሎስ ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ መንግስትታት ኲላ ዓለም ኣርኣዮ።
6. ሽዑ ድያብሎስ፡ እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡
7. ስለዚ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እንተ ሰገድካ፡ ኲሉ ናትካ ኪኸውን እዩ፡ በሎ።
8. የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ኸኣ ኣምልኽ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ ኢሉ መለሰሉ።
9. ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፡ ንመላእኽቱ ኺሕልወኻ ይእዝዘልካ፡ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ንታሕቲ ተደርበ፡ በሎ።
10. ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፡ ንመላእኽቱ ኺሕልወኻ ይእዝዘልካ፡ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ንታሕቲ ተደርበ፡ በሎ።
11. ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፡ ንመላእኽቱ ኺሕልወኻ ይእዝዘልካ፡ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ንታሕቲ ተደርበ፡ በሎ።
12. የሱስ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ብሁል እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
13. ሽዑ ድያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ምስ ወድኤ፡ ንጊዜኡ ሐደጎ።
14. የሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ። ወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጐደቦኡዘሎ ዂሉ ዓድታት ተሰምዔ።
15. ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀረ፡ ኲሎምውን ይንእድዎ ነበሩ።
16. ናብታ ዝዐበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኬንብብውን ተንስኤ።
17. መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሀብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ፡ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፡
18. ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕውራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡
19. ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።
20. ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸኣ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፡፡ ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ኹሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ፡።
21. ሽዑ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፡ ኪብሎም ጀመረ።
22. ኲሎም ከኣ መስከሩሉ፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ፡ እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከኣ ይብሉ ነበሩ።
23. ንሱ ድማ፡ ብርግጽ እዚ ምስላ እዚ፡ ፈዋሳይ ንርእስኻ ፈውስ፡ እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝገበርካዮ ኸም ዝሰማዕና፡ ኣብዚ ኣብ ዓድኻውን ከምኡ ግበር፡ ትብሉኒ ኣሎኹም፡ በሎም።
24. በለ ኸኣ፡ ነብዪ ኣብ ዓዱ ከቶ ኸም ዘይከብር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
25. ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ብዘመን ኤልያስ እቲ ሰማይ ስለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን እተዐጽወሉ፡ ኣብ ኲላ እታ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ጥሜት ዝዀነሉ ወርሓት፡ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነይረን፡
26. ኤልያስ ከኣ ናብ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እምበር፡ ናብ ሓንቲ ኻባታተንሲ ኣይተላእከን።
27. ብዘመን ነብዪ ኤልሳእውን ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምጻማት ነይሮም፡ ንእማን ሶርያዊ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባታቶምሲ ሓደ እኳ ኣይነጽሄን።
28. ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዂሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ኰረዩ።
29. ተንሲኦም ካብ ዓዲ ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎ፡ ኬጽድፍዎ ኸኣ ናብ ገምገም እታ ዓዶም ተሰሪሓትሊ ዘላ ኸረን ወሰድዎ።
30. ንሱ ግና ብማእከሎም ሐሊፉ ኸደ።
31. ድሕርዚ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፡ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ።
32. ዘረባኡ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብምህሮኡ ተገረሙ።
33. ኣብታ ቤት ጸሎት ከኣ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ነበረ፡ ብዓብዪ ድምጺ ኸኣ፡
34. ኣየ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨደረ።
35. የሱስ ከኣ፡ ስቕ በል ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ድማ ኣብ ማእከሎም ደርበዮ፡ ገለ እኳ ኸይጐድኦ ኸኣ ካብኡ ወጸ።
36. ኲሎም ሰምበዱ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፡ እዚ ነገርዝስ እንታይ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም እሞ፡ ይወጹ፡ እናበሉ ተዛራረቡ።
37. ወሪኡ ድማ ናብተን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ዅለን ጐደቦታት ወጸ።
38. ካብ ቤት ጸሎት ተንሲኡ፡ ናብ ቤት ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከኣ ብርቱዕ ዓሶ ሓሚማ ነበርት፡ ብዛእባኣውን ለመንዎ።
39. ኣብ ልዕሊኣ ድንን ኢሉ ነቲ ዓሶኣ ገንሖ፡ እቲ ዓሶውን ሐደጋ። ብኡብኡ ተንሲኣ ኣገልግለቶም።
40. ጸሓይ ክትዐርብ ከላ ኸኣ፡ በበይኑ ዝዀነ ሕማም ዘለዎም ኲሎም ሕሙማት ናብኣ ኣምጽኡ፡ ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ ኣንቢሩ ኣሕወዮም።
41. ኣግንንቲውን፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉን እናጨደሩን ካብ ብዙሓት ይወጹ ነበሩ። ይገንሖም ከኣ ነበረ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ድማ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።
42. ምስ ወግሔ ድማ፡ ወጺኡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ይደልይዎ ነበሩ፡ ናብኡ መጺኦምውን ካባታቶም ከይኸይድ ሐዝዎ።
43. ንሱ ግና፡ ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ፡ በሎም።
44. ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ገሊላ ኸኣ ይሰብኽ ነበረ።

  Luke (4/24)