| ← Luke (4/24) → |
| 1. | የሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኻብ ዮርዳኖስ ተመልሰ፡ ብመንፈስ ከኣ ናብ በረኻ ተመርሔ። |
| 2. | ብድያብሎስ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልትታት እቲአተን ገለ እኳ ኣይበልዔን። ንሳተን ምስ ተወድኣ፡ ጠመየ። |
| 3. | ድያብሎስ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ እምኒ እንጌራ ኪኸውን ኣዝዝ፡ በሎ። |
| 4. | የሱስ ከኣ፡ ሰብ ብዂሉ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። |
| 5. | ድማ ድያብሎስ ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ መንግስትታት ኲላ ዓለም ኣርኣዮ። |
| 6. | ሽዑ ድያብሎስ፡ እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ |
| 7. | ስለዚ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እንተ ሰገድካ፡ ኲሉ ናትካ ኪኸውን እዩ፡ በሎ። |
| 8. | የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ኸኣ ኣምልኽ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ ኢሉ መለሰሉ። |
| 9. | ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፡ ንመላእኽቱ ኺሕልወኻ ይእዝዘልካ፡ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ንታሕቲ ተደርበ፡ በሎ። |
| 10. | ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፡ ንመላእኽቱ ኺሕልወኻ ይእዝዘልካ፡ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ንታሕቲ ተደርበ፡ በሎ። |
| 11. | ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፡ ንመላእኽቱ ኺሕልወኻ ይእዝዘልካ፡ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ንታሕቲ ተደርበ፡ በሎ። |
| 12. | የሱስ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ብሁል እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። |
| 13. | ሽዑ ድያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ምስ ወድኤ፡ ንጊዜኡ ሐደጎ። |
| 14. | የሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ። ወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጐደቦኡዘሎ ዂሉ ዓድታት ተሰምዔ። |
| 15. | ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀረ፡ ኲሎምውን ይንእድዎ ነበሩ። |
| 16. | ናብታ ዝዐበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኬንብብውን ተንስኤ። |
| 17. | መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሀብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ፡ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፡ |
| 18. | ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕውራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ |
| 19. | ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ። |
| 20. | ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸኣ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፡፡ ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ኹሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ፡። |
| 21. | ሽዑ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፡ ኪብሎም ጀመረ። |
| 22. | ኲሎም ከኣ መስከሩሉ፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ፡ እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከኣ ይብሉ ነበሩ። |
| 23. | ንሱ ድማ፡ ብርግጽ እዚ ምስላ እዚ፡ ፈዋሳይ ንርእስኻ ፈውስ፡ እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝገበርካዮ ኸም ዝሰማዕና፡ ኣብዚ ኣብ ዓድኻውን ከምኡ ግበር፡ ትብሉኒ ኣሎኹም፡ በሎም። |
| 24. | በለ ኸኣ፡ ነብዪ ኣብ ዓዱ ከቶ ኸም ዘይከብር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 25. | ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ብዘመን ኤልያስ እቲ ሰማይ ስለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን እተዐጽወሉ፡ ኣብ ኲላ እታ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ጥሜት ዝዀነሉ ወርሓት፡ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነይረን፡ |
| 26. | ኤልያስ ከኣ ናብ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እምበር፡ ናብ ሓንቲ ኻባታተንሲ ኣይተላእከን። |
| 27. | ብዘመን ነብዪ ኤልሳእውን ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምጻማት ነይሮም፡ ንእማን ሶርያዊ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባታቶምሲ ሓደ እኳ ኣይነጽሄን። |
| 28. | ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዂሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ኰረዩ። |
| 29. | ተንሲኦም ካብ ዓዲ ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎ፡ ኬጽድፍዎ ኸኣ ናብ ገምገም እታ ዓዶም ተሰሪሓትሊ ዘላ ኸረን ወሰድዎ። |
| 30. | ንሱ ግና ብማእከሎም ሐሊፉ ኸደ። |
| 31. | ድሕርዚ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፡ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ። |
| 32. | ዘረባኡ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብምህሮኡ ተገረሙ። |
| 33. | ኣብታ ቤት ጸሎት ከኣ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ነበረ፡ ብዓብዪ ድምጺ ኸኣ፡ |
| 34. | ኣየ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨደረ። |
| 35. | የሱስ ከኣ፡ ስቕ በል ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ድማ ኣብ ማእከሎም ደርበዮ፡ ገለ እኳ ኸይጐድኦ ኸኣ ካብኡ ወጸ። |
| 36. | ኲሎም ሰምበዱ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፡ እዚ ነገርዝስ እንታይ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም እሞ፡ ይወጹ፡ እናበሉ ተዛራረቡ። |
| 37. | ወሪኡ ድማ ናብተን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ዅለን ጐደቦታት ወጸ። |
| 38. | ካብ ቤት ጸሎት ተንሲኡ፡ ናብ ቤት ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከኣ ብርቱዕ ዓሶ ሓሚማ ነበርት፡ ብዛእባኣውን ለመንዎ። |
| 39. | ኣብ ልዕሊኣ ድንን ኢሉ ነቲ ዓሶኣ ገንሖ፡ እቲ ዓሶውን ሐደጋ። ብኡብኡ ተንሲኣ ኣገልግለቶም። |
| 40. | ጸሓይ ክትዐርብ ከላ ኸኣ፡ በበይኑ ዝዀነ ሕማም ዘለዎም ኲሎም ሕሙማት ናብኣ ኣምጽኡ፡ ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ ኣንቢሩ ኣሕወዮም። |
| 41. | ኣግንንቲውን፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉን እናጨደሩን ካብ ብዙሓት ይወጹ ነበሩ። ይገንሖም ከኣ ነበረ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ድማ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። |
| 42. | ምስ ወግሔ ድማ፡ ወጺኡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ይደልይዎ ነበሩ፡ ናብኡ መጺኦምውን ካባታቶም ከይኸይድ ሐዝዎ። |
| 43. | ንሱ ግና፡ ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ፡ በሎም። |
| 44. | ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ገሊላ ኸኣ ይሰብኽ ነበረ። |
| ← Luke (4/24) → |