Luke (3/24)  

1. ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንግዝኣት ቄሳር ጢቤርዮስ፡ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ተሸይሙ ኸሎ፡ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ኣብ ገሊላ፡ ፊልጶጽ ሓው ብዓል ርባዕ ሽመትውን ኣብ ኢጡርያን ኣብ ሃገር ጥራኮኒቲስን፡ ሊሳንያስ ብዓል ርባዕ ሽመት ከኣ ኣብ ኣቢለኔ ተሸይሞም ከለዉ፡
2. ሊቃውንቲ ኻህናትውን ሃናን ቀያፋን ከለዉ፡ ቃል ኣምላኽ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ በረኻ መጸ።
3. ንሱ ድማ ጥምቀት ንስሓ ንሕድገት ሓጢኣት እናሰበኸ፡ ኣብ ኲሉ ወሰነ ወሰን ዮርዳኖስ ዞረ።
4. ከምቲ ኣብ ቃል መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ እተጻሕፈ፡ ከምዚ ዚብል፡ ቃል ኣዋጅ ነጋሪ ኣብ በረኻ ዚእውጅ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱ ድማ ኣቕንዑ።
5. ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ከረንን ኲርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል፡ ቄናን ከኣ ይቕናዕ፡ ድንጉርውን ሰጥ ዝበለ መገዲ ይኹን።
6. ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ምድሓን ኣምላኽ ኪርኢ እዩ።
7. ነቶም ንሱ ኼጥምቖም ዝመጹ ሰባት ድማ ይብሎም ነበረ፡ ኣቱም ውላድ ተመን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቊጥዓ ኽትመልቁኸ፡ መን ሐበረኩም፧
8. እምብኣርስኸ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ። ካብዘን ኣእማን እዚኤን ንኣብርሃም ውሉድ ኬተንስእሉ ንኣምላኽ ከም ዚከኣሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ብርእስኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና ምባል ኣይትጀምሩ።
9. ካብ ሕጂ ኸኣ ማሕጸ ኣብቲ ስሩ ኣእዋም ተነቢሩ ኣሎ። ስለዚ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዂሉ ኦም ይቚረጽ ናብ ሓዊ ኸኣ ይድርበ እዩ።
10. እቶም ህዝቢ ድማ፡ እንታይ እሞ ንግበር፧ ኢሎም ሐተትዎ።
11. ንሱ ኸኣ፡ ክልተ ቐምሽ ዘለዎ ነቲ ዜብሉ ይምቀሎ፡ ቀለብ ዘለዎ ድማ ከምኡ ይግበር፡ ኢሉ መለሰሎም።
12. ተገውቲ ድማ ኪጥመቑ መጺኦም፡ መምህር፡ እንታይ ንግበር፧ በልዎ።
13. ንሱ ኸኣ፡ ካብቲ እተኣዘዘልኩም ሐለፋ ኣይትውሰዱ፡ በሎም።
14. ዓቀይቲውን፡ ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑ፡ ብሓሶትውን ኣይትኽሰሱ፡ ደደመወዝኩም ከኣ ይእከልኩም፡ በሎም።
15. እቶም ህዝቢ ኺጽበዩ ኸለዉ፡ ኲሎም ከኣ ብዛዕባ ዮሃንስ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ ኢሎም በብልቦም ኪሐስቡ ኸለዉ ድማ፡
16. ዮሃንስ መለሰ ንዂሎም በሎም፡ ኣነስ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘሎኹ፡ እቲ ኻባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ ኣሎ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።
17. መስኤኡ ኣብ ኢዱ ሒዙ ዓውዱ የጽሪ፡ ነቲ ስርናይ ኣብ ቆፎኡ ይእክቦ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ።
18. ብብዙሕ ካልእ ምዕዶ እናመዐዶምውን፡ ነቶም ህዝቢ ኣበሰሮም።
19. ንሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉን ብዛዕባ እቲ ሄሮድስ ዝገበሮ ዘበለ ዂሉ ኽፉእ ነገርን ምስ ገንሖ፡
20. ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ እዚ ዂሉ ወሲኹ፡ ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዐጸዎ።
21. ኰነ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ዂሉ ምስ ተጠምቀ፡ የሱስውን ተጠሚቑ ኺጽሊ ኸሎ፡ ሰማይ ተኸፍተ።
22. መንፈስ ቅዱስ ከኣ በርኣያ ስጋ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፡ ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺውን ካብ ሰማይ መጸ።
23. የሱስ ባዕሉ ኺምህር ምስ ጀመረ፡ ኣስታት ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ወዲ ዮሴፍ ከም ዝዀነ ኸኣ ይመስሎም ነበረ፡ ወዲ ኤሊ፡
24. ወዲ ማታት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ መልኪ፡ ወዲ ያና፡ ወዲ ዮሴፍ፡
25. ወዲ ማጣትዩስ፡ ወዲ ኣሞጽ፡ ወዲ ናሆም፡ ወዲ ኣስሊ፡ ወዲ ናጌ፡
26. ወዲ መኣት፡ ወዲ ማታትዮስ፡ ወዲ ሴሜይ፡ ወዲ ዮሴፍ፡ ወዲ ይሁዳ፡
27. ወዲ ዮና፡ ወዲ ሬሳ፡ ወዲ ዘሩባቤል፡ ወዲ ሰላትኤል፡ ወዲ ኔሪ፡
28. ወዲ ሜልኪ፡ ወዲ ኣዲ፡ ወዲ ቆሳም፡ ወዲ ኤልማዳም፡ ወዲ ኤር፡
29. ወዲ ዮሴ፡ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ዮራም፡ ወዲ ማጣት፡ ወዲ ሌዊ፡
30. ወዲ ስምኦን፡ ወዲ ይሁዳ፡ ወዲ ዮሴፍ፡ ወዲ ዮናን፡ ወዲ ኤልያቂም፡
31. ወዲ ሜልያ፡ ወዲ ማይናን፡ ወዲ ማጣት፡ ወዲ ናታን፡ ወዲ ዳዊት፡
32. ወዲ እሴይ፡ ወዲ እዮቤድ፡ ወዲ ቦኤዝ፡ ወዲ ሰልሞን፡ ወዲ ነኣሶን፡
33. ወዲ ኣሚናዳብ፡ ወዲ ኣራም፡ ወዲ ኤስሮም፡ ወዲ ፋሬስ፡ ወዲ ይሁዳ፡
34. ወዲ ያእቆብ፡ ወዲ ይስሃቅ፡ ወዲ ኣብርሃም፡ ወዲ ታራ፡ ወዲ ናሆር፡
35. ወዲ ሳሮክ፡ ወዲ ራጉ፡ ወዲ ፋሌቅ፡ ወዲ ኣቤር፡ ወዲ ሳላ፡
36. ወዲ ቃይናን፡ ወዲ ኣርፋክሳድ፡ ወዲ ሴም፡ ወዲ ኖህ፡ ወዲ ላሜኽ፡
37. ወዲ ማቱሳላ፡ ወዲ ሄኖክ፡ ወዲ ያሬድ፡ ወዲ መላልኤል፡ ወዲ ቃይናን፡
38. ወዲ ሄኖክ፡ ወዲ ሴት፡ ወዲ ኣዳም፡ ወዲ ኣምላኽ።

  Luke (3/24)