| ← Luke (24/24) |
| 1. | በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን እቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፡ ካልኦትውን ምሳታተን ኣንጊሄን ናብቲ መቓብር መጻ። |
| 2. | እቲ እምኒ ኸኣ ካብቲ መቓብር ተገልቢጡ ረኸባኦ። |
| 3. | ኣብኡ ኣትየን ከኣ ስጋ ጐይታና የሱስ ኣይረኸባን። |
| 4. | ኰነ ድማ፡ ብዛዕባዚ ኺግረማ ኸለዋ፡ እንሆ፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኤን ደው በሉ። |
| 5. | ፈሪሄን ገጸን ናብ ምድሪ ምስ ኣድነና ኸኣ፡ ንሳቶም፡ ንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ ኣሎኽን፧ |
| 6. | ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪውሀብን ኪስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን። |
| 7. | ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪውሀብን ኪስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን። |
| 8. | ነቲ ዘረባኡ ኸኣ ዘከራኦ። |
| 9. | ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዂሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ካልኦት ኲሎምን ነገራኦም። |
| 10. | እተን እዚ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ምሳታተንውን ካልኦት ኣንስትን እየን። |
| 11. | እዚ ዘረባዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን። |
| 12. | ጴጥሮስ ግና ተንሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ። ድንን እንተ በለ ኸኣ፡ እቲ መግነዝ ጥራይ ተነቢሩ ረኣየ። በቲ ዝዀነ ብልቡ እናተገረመውን ናብ ቤቱ ተመልሰ። |
| 13. | እንሆ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኻባታቶም ካብ የሩሳሌም ስሳ እስታድዮስ ዝምርሓቓ ኤማሁስ ናብ እትብሀል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ። |
| 14. | ንሳቶም ከኣ በቲ ዝዀነ ዂሉ ነገር ንሓድሕዶም ይዛራረቡ ነበሩ። |
| 15. | ኰነ ድማ፡ ኪዛራረቡን ኪማራመሩን ከለዉ፡ የሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ። |
| 16. | ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ። |
| 17. | ንሱ ድማ፡ እዚ፡ እናኸድኩምን እናጐሄኹምን ንሓድሕድኩም እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧ በሎም። |
| 18. | እቲ ሓደ ኻብኦም ቀለዮጳ ዝስሙ፡ በዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣብኣ ጋሻ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። |
| 19. | ንሱ ኸኣ፡ እንታይ እዩ፧ በሎም። ንሳቶም በልዎ፡ እዚ ናይ የሱስ ናዝራዊ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኲሉ ህዝብን ብግብርን ቃልን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ሰብኣይ፡ |
| 20. | ሊቃውንቲ ኻህናትናን ዓበይትናን ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎን ከም ዝሰቐልዎን፡ |
| 21. | ንሕና ግና፡ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩ፡ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና። ምስናይ እዚ ዂሉ ኸኣ እዚ ኻብ ዚኸውን ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ። |
| 22. | ግናኸ ኻባታትና ኣንስቲ ናብ መቓብር ኣንጊሄን ነበራ እሞ ኣስተንከራና። |
| 23. | ስጋኡ ምስ ሰኣና ኸኣ፡ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረኣያ፡ መጺኤን ነገራና። |
| 24. | ካባና ገለ ሰባት ናብ መቓብር ከዱ፡ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ረኸቡ፡ ንእኡ ግና ኣይረኣይዎን። |
| 25. | ንሱ ድማ፡ ኣቱም፡ ነብያት ብተዛረብዎ ዂሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዐያሱ፡ |
| 26. | ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኺጸግብ እሞ ናብ ክብረቱ ኺኣቱ ናይ ግዲ ደይኰነን፧ በሎም። |
| 27. | ካብ ሙሴን ኲሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኲሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጒመሎም ጀመረ። |
| 28. | ናብታ ዚኸድዋ ዘለዉ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ከም ዚሐልፍ መሰለ። |
| 29. | ንሳቶም ግና፡ መስዩ እዩ፡ ጸሓይውን ዐሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር፡ ኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ኸኣ ምሳታቶም ኪሐድር ኣተወ። |
| 30. | ኰነ ድማ፡ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ባረኸ ቈሪሱውን ሀቦም። |
| 31. | ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፡ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ። |
| 32. | ንሓድሕዶም ከኣ፡ እቲ ኣብ መኣዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጒመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧ ተባሃህሉ። |
| 33. | በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም። |
| 34. | ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እኳ ተራእይዎ፡ በሉ። |
| 35. | እቶም ካልኦት ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ኸኣ ከመይ ከም ዘለለይዎን፡ ነገርዎም። |
| 36. | እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። |
| 37. | ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም፡ ፈሪሆም ሰምበዱ። |
| 38. | ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዐል፧ |
| 39. | ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ። ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ በሎም። |
| 40. | እዚ ኢሉ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም። |
| 41. | ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም፡ ብሓጐሶም ምኽንያት ገና ምእማን ሰለ ዝሰኣኑ፡ ሱ፡ ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ ኣሎኹም፧ በሎም። |
| 42. | ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሀብዎ። |
| 43. | ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚኦም በልዔ። |
| 44. | ንሱ ድማ፡ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዂሉ ኺፍጸም ይግብኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም። |
| 45. | ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፡ |
| 46. | ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምውታት ኪትንስእ፡ |
| 47. | ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ። |
| 48. | በዚ ንስኻትኩም መስክር ኢኹም። |
| 49. | እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም። |
| 50. | ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም። |
| 51. | ኰነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዐረገ። |
| 52. | ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። |
| 53. | ንኣምላኽ እናወደሱ እናኣመስገኑን ከኣ ኲሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ። |
| ← Luke (24/24) |