Luke (24/24)    

1. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን እቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፡ ካልኦትውን ምሳታተን ኣንጊሄን ናብቲ መቓብር መጻ።
2. እቲ እምኒ ኸኣ ካብቲ መቓብር ተገልቢጡ ረኸባኦ።
3. ኣብኡ ኣትየን ከኣ ስጋ ጐይታና የሱስ ኣይረኸባን።
4. ኰነ ድማ፡ ብዛዕባዚ ኺግረማ ኸለዋ፡ እንሆ፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኤን ደው በሉ።
5. ፈሪሄን ገጸን ናብ ምድሪ ምስ ኣድነና ኸኣ፡ ንሳቶም፡ ንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ ኣሎኽን፧
6. ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪውሀብን ኪስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን።
7. ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪውሀብን ኪስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን።
8. ነቲ ዘረባኡ ኸኣ ዘከራኦ።
9. ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዂሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ካልኦት ኲሎምን ነገራኦም።
10. እተን እዚ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ምሳታተንውን ካልኦት ኣንስትን እየን።
11. እዚ ዘረባዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን።
12. ጴጥሮስ ግና ተንሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ። ድንን እንተ በለ ኸኣ፡ እቲ መግነዝ ጥራይ ተነቢሩ ረኣየ። በቲ ዝዀነ ብልቡ እናተገረመውን ናብ ቤቱ ተመልሰ።
13. እንሆ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኻባታቶም ካብ የሩሳሌም ስሳ እስታድዮስ ዝምርሓቓ ኤማሁስ ናብ እትብሀል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ።
14. ንሳቶም ከኣ በቲ ዝዀነ ዂሉ ነገር ንሓድሕዶም ይዛራረቡ ነበሩ።
15. ኰነ ድማ፡ ኪዛራረቡን ኪማራመሩን ከለዉ፡ የሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ።
16. ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ።
17. ንሱ ድማ፡ እዚ፡ እናኸድኩምን እናጐሄኹምን ንሓድሕድኩም እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧ በሎም።
18. እቲ ሓደ ኻብኦም ቀለዮጳ ዝስሙ፡ በዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣብኣ ጋሻ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ።
19. ንሱ ኸኣ፡ እንታይ እዩ፧ በሎም። ንሳቶም በልዎ፡ እዚ ናይ የሱስ ናዝራዊ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኲሉ ህዝብን ብግብርን ቃልን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ሰብኣይ፡
20. ሊቃውንቲ ኻህናትናን ዓበይትናን ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎን ከም ዝሰቐልዎን፡
21. ንሕና ግና፡ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩ፡ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና። ምስናይ እዚ ዂሉ ኸኣ እዚ ኻብ ዚኸውን ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ።
22. ግናኸ ኻባታትና ኣንስቲ ናብ መቓብር ኣንጊሄን ነበራ እሞ ኣስተንከራና።
23. ስጋኡ ምስ ሰኣና ኸኣ፡ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረኣያ፡ መጺኤን ነገራና።
24. ካባና ገለ ሰባት ናብ መቓብር ከዱ፡ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ረኸቡ፡ ንእኡ ግና ኣይረኣይዎን።
25. ንሱ ድማ፡ ኣቱም፡ ነብያት ብተዛረብዎ ዂሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዐያሱ፡
26. ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኺጸግብ እሞ ናብ ክብረቱ ኺኣቱ ናይ ግዲ ደይኰነን፧ በሎም።
27. ካብ ሙሴን ኲሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኲሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጒመሎም ጀመረ።
28. ናብታ ዚኸድዋ ዘለዉ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ከም ዚሐልፍ መሰለ።
29. ንሳቶም ግና፡ መስዩ እዩ፡ ጸሓይውን ዐሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር፡ ኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ኸኣ ምሳታቶም ኪሐድር ኣተወ።
30. ኰነ ድማ፡ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ባረኸ ቈሪሱውን ሀቦም።
31. ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፡ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ።
32. ንሓድሕዶም ከኣ፡ እቲ ኣብ መኣዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጒመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧ ተባሃህሉ።
33. በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም።
34. ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እኳ ተራእይዎ፡ በሉ።
35. እቶም ካልኦት ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ኸኣ ከመይ ከም ዘለለይዎን፡ ነገርዎም።
36. እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም።
37. ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም፡ ፈሪሆም ሰምበዱ።
38. ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዐል፧
39. ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ። ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ በሎም።
40. እዚ ኢሉ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም።
41. ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም፡ ብሓጐሶም ምኽንያት ገና ምእማን ሰለ ዝሰኣኑ፡ ሱ፡ ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ ኣሎኹም፧ በሎም።
42. ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሀብዎ።
43. ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚኦም በልዔ።
44. ንሱ ድማ፡ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዂሉ ኺፍጸም ይግብኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም።
45. ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፡
46. ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምውታት ኪትንስእ፡
47. ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ።
48. በዚ ንስኻትኩም መስክር ኢኹም።
49. እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም።
50. ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።
51. ኰነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዐረገ።
52. ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።
53. ንኣምላኽ እናወደሱ እናኣመስገኑን ከኣ ኲሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ።

  Luke (24/24)