← Luke (23/24) → |
1. | እቶም እተኣከቡ ዂላቶም ተንሲኦም፡ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ። |
2. | ንሳቶም ከኣ፡ እዚ፡ ንህዝብና ኼስሕቶም፡ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኸኣ ኪኽልክሎም፡ ርእሱ፡ ክርስቶስ ንጉስ እየ፡ ኢሉውን ኪዛረቦም ከሎ ረኺብናዮ፡ ኢሎም ኪኸስዎ ጀመሩ። |
3. | ጲላጦስ ከኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ድማ፡ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። |
4. | ጲላጦስ ድማ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ነቶም ሰብን፡ ኣብዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን፡ በሎም። |
5. | ንሳቶም ግና፡ ካብ ገሊላ ሒዙ ኽሳዕ ኣብዚ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እናመሀረ ንህዝቢ የባዕድ ኣሎ፡ ኢሎም ወዐዩ። |
6. | ጲላጦስ ከኣ ገሊላ ኺብሉ ምስ ሰምዔ፡ ገሊላዊ እንተ ዀይኑ ሐተተ። |
7. | ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፡ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ። ንሱውን በታ ቕነ እቲኣ ኣብ የሩሳሌም ነበረ። |
8. | ሄሮድስ ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር ስለ ዝሰምዔ፡ ካብ ነዊሕ ጊዜ ሒዙ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ፡ ንሱ ዚገበሮ ተኣምራትውን ኪርኢ ይጽበ ነበረ እሞ፡ ኣዝዩ ተሐጐሰ። |
9. | ብናይ ብዙሕ ነገር ከኣ ሐተቶ፡ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰሉን። |
10. | ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስዎ ነበሩ። |
11. | ሄሮድስ ድማ ምስ ገላውኡ ዀይኑ ኣቃለሎን ኣላገጸሉን፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳን ከዲኑ ኸኣ ናብ ጲላጦስ መሊሱ ሰደዶ። |
12. | ቀደም ጲላጦስን ሄሮድስን ጽልኢ ነይሮምሲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ተፋቐሩ። |
13. | ጲላጦስ ግና ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንዓበይትን ህዝብን ብሓባር ጸዊዑ፡ |
14. | ነዚ ሰብኣይ እዚ፡ ንህዝቢ የስሕት ኣሎ፡ ኢልኩም ናባይ ኣምጺእኩምዎ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፡ በዚ እትኸስዎ ዘሎኹም ነገር ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን። |
15. | ሄሮድስውን ከምኡ፡ ንሱ መሊሱ ናባና ሰዲድዎ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ሓንቲ እኳ ኣይገበረን። |
16. | ደጊም ቀጺዔ ኽፈትሖ እየ፡ በሎም። |
17. | በብበዓል ግና ሓደ እሱር ኪፈትሓሎም ልማድ ነበረ። |
18. | እቶም ህዝቢ ድማ ኲሎም፡ ነዚ ንየው በሎ፡ ንበርባን ደኣ ፍትሓልና፡ ኢሎም ሐቢሮም ጨደሩ። |
19. | በርባን ብምብዓድ ከተማን ብምቕታል ነፍስን ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ። |
20. | ጲላጦስ ድማ ንየሱስ ኪሰዶ ደልዩ፡ ከም ብሓድሽ ተዛረቦም። |
21. | ንሳቶም ግና፡ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጨደሩ። |
22. | ሳልሳይ ጊዜ ኸኣ፡ እንታይ ክፉእከ ገበረ፡ ንሞት ዚኸውን ምኽንያት ኣይረኸብኩሉን። ቀጺዔ ግዳ ኽፈትሖ፡ በሎም። |
23. | ንሳቶም ግና ኣዝዮም ዓው ኢሎም ኪሰቕሎ ኣጽኒዖም ለመንዎ እሞ ቃሎም ሰዐረ። |
24. | ጲላጦስ ድማ ልማኖኦም ኪዀነሎም ፈረደ። |
25. | ነቲ ዝለመንዎ ብምብዓድን ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ ፈትሓሎም፡ ንየሱስ ግና ንፍቓዶም ኣሕሊፉ ሀቦ። |
26. | ሒዞምዎ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ ኻብ በረኻ ኺኣቱ ኸሎ፡ ሐዝዎ። ደድሕሪ የሱስ ኪጸውር ከኣ እቲ መስቀል ኣሰከምዎ። |
27. | ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ይስዕቦ ነበረ፡ ኣንስቲውን ዋይዋይ ይብላሉን ይበኽያሉን ነበራ። |
28. | የሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፡ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሀባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዝየጥበዋ ኣጥባትን፡ ዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቅኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ። |
29. | የሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፡ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሀባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዝየጥበዋ ኣጥባትን፡ ዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቅኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ። |
30. | ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ኸመይ ኪኸውን እዩ፧ ሽዑ ነኽራን ኣብ ልዕሌና ውደቑ፡ ንዅርባታትውን ከውሉና ምባል ኪጅምሩ እዮም፡ በለን። |
31. | ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ኸመይ ኪኸውን እዩ፧ ሽዑ ነኽራን ኣብ ልዕሌና ውደቑ፡ ንዅርባታትውን ከውሉና ምባል ኪጅምሩ እዮም፡ በለን። |
32. | ንኽልተ ኻልኦት ገበርቲ ኽፉእውን ምስኡ ኺስቀሉ ኣምጽእዎም። |
33. | ቀራንዮ ኣብ እትብሀል ስፍራ ምስ በጽሑ፡ ኣብኣ ሰቐልዎ። ነቶም ገበርቲ ኽፉእ ከኣ ሓደ ብየማኑ ሓደውን ብጸጋሙ ሰቐልዎ። |
34. | የሱስ ድማ፡ ኣቦይ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለአ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ። |
35. | እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምሳታቶም ኰይኖም፡ ንኻልኦት ኣድሒኑ፡ ንሱ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ሕሩይ እንተ ዀይኑስ፡ ርእሱ የድሕን፡ እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ። |
36. | እቶም ጭፍራውን የላግጹሉ ነበሩ፡ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፡ ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ኣድሕን፡ እናበሉ መጺጽ ኣምጽኡሉ። |
37. | እቶም ጭፍራውን የላግጹሉ ነበሩ፡ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፡ ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ኣድሕን፡ እናበሉ መጺጽ ኣምጽኡሉ። |
38. | ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ፡ እዚ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ዚብል ጽሕፈት ነበረ። |
39. | ካብቶም እተሰቕሉ ገበርቲ ኽፉእውን ሓደ፡ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን፡ ኢሉ የላግጸሉ ነበረ። |
40. | እቲ ኻልኣዩ ግና፡ ኣታ ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ርዲ ኸሎኻኸ፡ ኣምላኽዶ ኣይትፈርህን ኢኻ፧ |
41. | ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዚግብኣና ተፈዴና፡ እዚ ግና ሓንቲ ኽፍኣት እኳ ኣይገበረን፡ ኢሉ ገንሖ። |
42. | ንየሱስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ፡ በሎ። |
43. | የሱስ ድማ፡ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። |
44. | ካብ ጊዜ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ኲላ እታ ምድሪ ጸልማት ኰነ። |
45. | ጸሓይ ጸልመተት፡ መጋረጃ መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ። |
46. | የሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኣቦይ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቊባ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጨርሔ። እዚ ምስ በለ፡ ነፍሱ ወጸት። |
47. | እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና እቲ ዝዀነ ምስ ረኣየ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ጻድቕ ነይሩ፡ ኢሉ ንኣምላኽ ኣመስገኖ። |
48. | እቶም ኪርእዩ እተኣከቡ ህዝቢ ድማ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ ተመልሱ። |
49. | እቶም ዚፈልጥዎ ዂሎምን እተን ካብ ገሊላ ዝሰዐባኦ ኣንስትን ከኣ ብርሑቕ ደው ኢሎም ነዚ ይጥምቱ ነበሩ። |
50. | እንሆ፡ ዮሴፍ ዝስሙ መኻሪ፡ ብዓል ኣርማትያስ ከተማ ኣይሁድ፡ ሕያዋይን ጻድቕን ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ይጽበያ ነበረ እምበር፡ ኣብቲ ምኽሮምን ግብሮምን ኣይተጸምበረን። |
51. | እንሆ፡ ዮሴፍ ዝስሙ መኻሪ፡ ብዓል ኣርማትያስ ከተማ ኣይሁድ፡ ሕያዋይን ጻድቕን ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ይጽበያ ነበረ እምበር፡ ኣብቲ ምኽሮምን ግብሮምን ኣይተጸምበረን። |
52. | ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱስ ለመኖ። |
53. | ኣውሪዱ ብበፍታ ገነዞ፡ ሰብ ኣብ ዘይተቐብሮ ኣብ ውቕሮ መቓብር ከኣ ኣእተዎ። |
54. | መዓልቲ ምድላው፡ ድሮ ሰንበት ነበረት። |
55. | እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመጻ ኣንስቲ ድማ ስዒበን፡ መቓብሩን ስጋኡ ኸመይ ከ እተነብረን ረኣያ። |
56. | ተመሊሰን ከኣ ሽቱን ቅዱይ ቅብኣን ኣዳለዋ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ሕጊ ብሰንበት ዐረፋ። |
← Luke (23/24) → |