Luke (22/24)  

1. ፋስጋ ዚበሀል በዓል ቅጫ ድማ ቐረበ።
2. ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቶም ህዝቢ ደኣ ፈሪሆም እምበር፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ።
3. ሰይጣን ግና ናብቲ ኣስቆርታዊ ዚብሀል ይሁዳ አተወ፡ ንሱ ኻብ ቁጽሪ እቶም ዓሰርተው ክልተ እዩ፡
4. ከይዱ ኸኣ፡ ናብቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ መቕደስን ከመይ ገይሩ ኸም ዜትሕዞ ተዛረበ።
5. ተሐጒሶም ከኣ ኣቕራሽ ኪህበኦ ኣውዐሉሉ።
6. ንሱ ድማ ተሰማምዖም፡ ኣኼባ ህዝቢ ብዜብላ ጊዜ ኼትሕዞውን ምሽእቲ ጊዜ ይደሊ ነበረ።
7. እታ ገንሸል ፋስጋ ኺሐርዱላ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኸኣ መጸት።
8. የሱስ ድማ ንጴጥሮስን ዮሃንስን፡ ኪዱ፡ ኪንበልዕሲ ገንሸል ፋስጋ ኣዳልዉልና፡ ኢሉ ለኣኾም።
9. ንሳቶም ከኣ፡ ኣበይ ከነዳሉ ትፈቱ፡ በልዎ።
10. ንሱ ድማ በሎም፡ እንሆ፡ ኣብ ከተማ ምስ ኣቶኹም፡ ዕትሮ ማይ ዝጾረ ሰብኣይ ኪጓነፈኩም እዩ እሞ፡ ናብታ ዚኣትዋ ቤት ስዐብዎ።
11. ነቲ ብዓል ቤት ከኣ፡ እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ማሕደር ኣጋይሽሲ ኣበይ እያ፡ ይብለካ ኣሎ መምህር፡ በልዎ።
12. ንሱ ኸኣ እተነጸረ ኣዳራሽ ኣብ ደርቢ ኼርእየኩም እዩ፡ ኣብኡውን ኣዳልዉ።
13. ከይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ።
14. እታ ሰዓት ምስ በጽሔት፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ኣብ መኣዲ ተቐመጠ።
15. ንሱ ድማ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም፡ ደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ ኣሎኹ፡ በሎም።
16. ንሱ ድማ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም፡ ደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ ኣሎኹ፡ በሎም።
17. ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኽሳዕ እትመጽእ፡ ካብዚ ፍረ ኦም ወይኒ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ውሰዱ፡ እዚ ንሓድሕድኩም ተማቐልዎ በለ።
18. ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኽሳዕ እትመጽእ፡ ካብዚ ፍረ ኦም ወይኒ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ውሰዱ፡ እዚ ንሓድሕድኩም ተማቐልዎ በለ።
19. እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፡ እዚ ምእንታኹም ዚወሀብ ዘሎ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፡ እዚ ምእንታኹም ዚወሀብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሀቦም።
20. ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይእተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ።
21. ግናኸ ኢድ እቲ ዜትሕዘኒ ኣብ መኣዲ ምሳይ እንሃ።
22. ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተመደበሉ ይኸይድ እዩ።
23. ካባታቶም እቲ እዚኣ ዚገብር መን ምዃኑ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ኪመራመሩ ጀመሩ።
24. መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸምዝርኤ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ክርክር ኰነ።
25. ሽዑ ንሱ በሎም፡ ነህዛብ ነገስታቶም እዮም ዚገዝእዎም፡ እቶም ምልኪ ዘለዎም ከኣ ሕያዎት ይብሀሉ።
26. ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፡ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን።
27. እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን እቲ ዜገልግልንከ ኣየናዮም ይዐቢ፡ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥ ደይኰነን፡ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ።
28. ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም።
29. ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንስግስቲ መደብኩልኩም።
30. ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንስግስቲ መደብኩልኩም።
31. ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነይ።
32. ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም።
33. ንሱ ግና፡ ጐይታይ፡ ኣነስ ንማእሰርቲ ዀነ ወይ ንሞት ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ ኣሎኹ፡ በሎ።
34. ንሱ ኸኣ፡ ጴጥሮስ፡ ከም ዘይትፈልጠኒ ኢልካ ሰለስተ ሳዕ ክሳዕ እትኽሕደኒ፡ ሎሚ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ።
35. ደሓር ከኣ፡ እቲ ብዘይ ማሕፉዳ፡ ብዘይ ስንቂ፡ ብዘይ ሳኢኒ ምስ ለኣኽኩኹምሲ፡ ገለዶ ጐዲሉኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሓንቲ እኳ፡ በሉ።
36. በሎም፡ ሕጂ ግና ማሕፋዳ ዘለዎ ይማላእ፡ ከምኡውን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኡ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ፡
37. ማለት እቲ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣባይ ኪፍጸም ብግዲ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ እወ፡ እቲ ብዛዕባይ ቅድም እተባህለ ይፍጸም ኣሎ።
38. ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ኽልተ ሰይፊ ኣሎ፡ በሉ። ንሱውን፡ ይኣክል፡ በሎም።
39. ወጺኡ ኸኣ ከምታ ልማዱ ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን ስዐብዎ።
40. ኣብታ ስፍራ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ጸልዩ፡ በሎም።
41. ንሱ ኸኣ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ፡
42. ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑስ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቓድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ እናበለ ጸለየ።
43. ዜበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ተራእዮ።
44. ጻዕሪ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኸኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ።
45. ካብ ጸሎቱ ተንሲኡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ መጸ ድማ፡ ብጓሂ ረዚዞም፡ ደቂሶም ረኸቦም።
46. ንሱ ኸኣ፡ ከመይከ እትድቅሱ፧ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ተንሲእኩም ጸልዩ፡ በሎም።
47. ንሱ ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ህዝቢ መጸ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ይሁዳ ዚብሀል ድማ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፡ ንየሱስውን ኪስዕሞ ቐረበ።
48. የሱስ ድማ፡ በል ይሁዳ፡ ንወዲ ሰብዶ ብምስዓም ተትሕዞ ኣሎኻ፧ በሎ።
49. እቶም ኣማእኪሎምዎ ዘለዉ ኸኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ጐይታይ፡ ብሰይፊዶ ኽንወቅዕ፧ በልዎ።
50. ሓደ ኻባታቶም ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ።
51. የሱስ ከኣ፡ ክሳዕዚ ይብጽሑ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም። እዝኑ ተንክዩውን ኣሕወዮ።
52. የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ዓበይትን፡ ከም ናይ ከታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ወጻእኩም፧
53. ኣብ ቤት መቕደስ ኲሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም ነይረ፡ ኣእዳውኩም እኳ ወስ ኣየበልኩምለይን። እዚኣ ግና ጊዜኹምን ስልጣን ጸልማትን እያ፡ በሎም።
54. ሒዞም ከኣ ወሰድዎ፡ ናብ ቤት ሊቀ ኻህናትውን ኣእተውዎ። ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ።
55. ኣብ ማእከል እቲ መካበብያ ኸኣ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንሳእ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከሎም ተቐመጠ።
56. ሓንቲ ገረድ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረኣየቶ፡ ጠሚታቶ፡ እዚውን ምስኡ ነይሩ እዩ፡ በለት።
57. ንሱ ግና፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኸሐደ።
58. ቅሩብ ጽንሕ ኢሉ ኸኣ፡ ሓደ ኻልእ ርእይዎ፡ ንስኻውን ካባታቶም ኢኻ፡ በለ። ጴጥሮስ ግና፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣይፋለይን፡ በለ።
59. ሓንቲ ሰዓት እትኣክል ምስ ሐለፈት ከኣ፡ ሓደ ኻልእ፡ እዚ ድማ ብሓቂ ምስኡ ነይሩ እዩ፡ ገሊላዊ ኸኣ እዩ፡ ኢሉ ኣርጊጹ ተዛረበ።
60. ጴጥሮስ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ እዚ እትብሎ ዘሎኻ ኣይፈልጦን እየ፡ በሎ። ሽዑ ገና እዚኣ ኺዛረብ ከሎ፡ ብኡብኡ ደርሆ ነቀወ።
61. ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ሎሚ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ፡
62. ናብ ወጻኢ ኸይዱውን መሪር ብኽያት በኸየ።
63. እቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ ሰባት ድማየላግጹሉን ይወቕዕዎን ነበሩ።
64. ሸፊኖም ድማ ገጹ ይጸፍዕዎ፡ እስኪ ተነበየልና፡ መን እዩ ዝጸፍዓካ፧ እናበሉውን ይሐትዎ ነበሩ።
65. እናጸረፍዎ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ነገር በልዎ።
66. ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተኣኪቦም፡ ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ናብ ዋዕላኦም ወሰድዎ። ንሱ ኸኣ፡ እንተ ነገርኩኹም፡ ኣይትኣምኑን፡
67. ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተኣኪቦም፡ ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ናብ ዋዕላኦም ወሰድዎ። ንሱ ኸኣ፡ እንተ ነገርኩኹም፡ ኣይትኣምኑን፡
68. እንተ ሐተትኩኹም ድማ፡ ኣይትመልሱለይን ኣይትፈትሑንንውን ኢኹም።
69. ወዲ ሰብ ግና ካብ ሕጂ ኣብ የማን ሓይሊ ኣምላኽ ኪቕመጥ እዩ፡ በሎም።
70. ኲሎም ከኣ፡ እምብኣርከ ንስኻስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም እኳ ትብሉ ኣሎኹም፡ በሎም።
71. ንሳቶም ከኣ፡ ባዕላትና ኻብ ኣፉ ድሕሪ ሰማዕናኸ፡ ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና፧ በሉ።

  Luke (22/24)