← Luke (22/24) → |
1. | ፋስጋ ዚበሀል በዓል ቅጫ ድማ ቐረበ። |
2. | ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቶም ህዝቢ ደኣ ፈሪሆም እምበር፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ። |
3. | ሰይጣን ግና ናብቲ ኣስቆርታዊ ዚብሀል ይሁዳ አተወ፡ ንሱ ኻብ ቁጽሪ እቶም ዓሰርተው ክልተ እዩ፡ |
4. | ከይዱ ኸኣ፡ ናብቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ መቕደስን ከመይ ገይሩ ኸም ዜትሕዞ ተዛረበ። |
5. | ተሐጒሶም ከኣ ኣቕራሽ ኪህበኦ ኣውዐሉሉ። |
6. | ንሱ ድማ ተሰማምዖም፡ ኣኼባ ህዝቢ ብዜብላ ጊዜ ኼትሕዞውን ምሽእቲ ጊዜ ይደሊ ነበረ። |
7. | እታ ገንሸል ፋስጋ ኺሐርዱላ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኸኣ መጸት። |
8. | የሱስ ድማ ንጴጥሮስን ዮሃንስን፡ ኪዱ፡ ኪንበልዕሲ ገንሸል ፋስጋ ኣዳልዉልና፡ ኢሉ ለኣኾም። |
9. | ንሳቶም ከኣ፡ ኣበይ ከነዳሉ ትፈቱ፡ በልዎ። |
10. | ንሱ ድማ በሎም፡ እንሆ፡ ኣብ ከተማ ምስ ኣቶኹም፡ ዕትሮ ማይ ዝጾረ ሰብኣይ ኪጓነፈኩም እዩ እሞ፡ ናብታ ዚኣትዋ ቤት ስዐብዎ። |
11. | ነቲ ብዓል ቤት ከኣ፡ እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ማሕደር ኣጋይሽሲ ኣበይ እያ፡ ይብለካ ኣሎ መምህር፡ በልዎ። |
12. | ንሱ ኸኣ እተነጸረ ኣዳራሽ ኣብ ደርቢ ኼርእየኩም እዩ፡ ኣብኡውን ኣዳልዉ። |
13. | ከይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ። |
14. | እታ ሰዓት ምስ በጽሔት፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። |
15. | ንሱ ድማ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም፡ ደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ ኣሎኹ፡ በሎም። |
16. | ንሱ ድማ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም፡ ደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ ኣሎኹ፡ በሎም። |
17. | ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኽሳዕ እትመጽእ፡ ካብዚ ፍረ ኦም ወይኒ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ውሰዱ፡ እዚ ንሓድሕድኩም ተማቐልዎ በለ። |
18. | ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኽሳዕ እትመጽእ፡ ካብዚ ፍረ ኦም ወይኒ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ውሰዱ፡ እዚ ንሓድሕድኩም ተማቐልዎ በለ። |
19. | እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፡ እዚ ምእንታኹም ዚወሀብ ዘሎ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፡ እዚ ምእንታኹም ዚወሀብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሀቦም። |
20. | ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይእተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ። |
21. | ግናኸ ኢድ እቲ ዜትሕዘኒ ኣብ መኣዲ ምሳይ እንሃ። |
22. | ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተመደበሉ ይኸይድ እዩ። |
23. | ካባታቶም እቲ እዚኣ ዚገብር መን ምዃኑ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ኪመራመሩ ጀመሩ። |
24. | መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸምዝርኤ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ክርክር ኰነ። |
25. | ሽዑ ንሱ በሎም፡ ነህዛብ ነገስታቶም እዮም ዚገዝእዎም፡ እቶም ምልኪ ዘለዎም ከኣ ሕያዎት ይብሀሉ። |
26. | ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፡ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን። |
27. | እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን እቲ ዜገልግልንከ ኣየናዮም ይዐቢ፡ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥ ደይኰነን፡ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ። |
28. | ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። |
29. | ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንስግስቲ መደብኩልኩም። |
30. | ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንስግስቲ መደብኩልኩም። |
31. | ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነይ። |
32. | ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም። |
33. | ንሱ ግና፡ ጐይታይ፡ ኣነስ ንማእሰርቲ ዀነ ወይ ንሞት ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ ኣሎኹ፡ በሎ። |
34. | ንሱ ኸኣ፡ ጴጥሮስ፡ ከም ዘይትፈልጠኒ ኢልካ ሰለስተ ሳዕ ክሳዕ እትኽሕደኒ፡ ሎሚ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። |
35. | ደሓር ከኣ፡ እቲ ብዘይ ማሕፉዳ፡ ብዘይ ስንቂ፡ ብዘይ ሳኢኒ ምስ ለኣኽኩኹምሲ፡ ገለዶ ጐዲሉኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሓንቲ እኳ፡ በሉ። |
36. | በሎም፡ ሕጂ ግና ማሕፋዳ ዘለዎ ይማላእ፡ ከምኡውን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኡ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ፡ |
37. | ማለት እቲ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣባይ ኪፍጸም ብግዲ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ እወ፡ እቲ ብዛዕባይ ቅድም እተባህለ ይፍጸም ኣሎ። |
38. | ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ኽልተ ሰይፊ ኣሎ፡ በሉ። ንሱውን፡ ይኣክል፡ በሎም። |
39. | ወጺኡ ኸኣ ከምታ ልማዱ ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን ስዐብዎ። |
40. | ኣብታ ስፍራ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ጸልዩ፡ በሎም። |
41. | ንሱ ኸኣ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ፡ |
42. | ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑስ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቓድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ እናበለ ጸለየ። |
43. | ዜበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ተራእዮ። |
44. | ጻዕሪ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኸኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ። |
45. | ካብ ጸሎቱ ተንሲኡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ መጸ ድማ፡ ብጓሂ ረዚዞም፡ ደቂሶም ረኸቦም። |
46. | ንሱ ኸኣ፡ ከመይከ እትድቅሱ፧ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ተንሲእኩም ጸልዩ፡ በሎም። |
47. | ንሱ ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ህዝቢ መጸ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ይሁዳ ዚብሀል ድማ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፡ ንየሱስውን ኪስዕሞ ቐረበ። |
48. | የሱስ ድማ፡ በል ይሁዳ፡ ንወዲ ሰብዶ ብምስዓም ተትሕዞ ኣሎኻ፧ በሎ። |
49. | እቶም ኣማእኪሎምዎ ዘለዉ ኸኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ጐይታይ፡ ብሰይፊዶ ኽንወቅዕ፧ በልዎ። |
50. | ሓደ ኻባታቶም ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ። |
51. | የሱስ ከኣ፡ ክሳዕዚ ይብጽሑ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም። እዝኑ ተንክዩውን ኣሕወዮ። |
52. | የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ዓበይትን፡ ከም ናይ ከታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ወጻእኩም፧ |
53. | ኣብ ቤት መቕደስ ኲሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም ነይረ፡ ኣእዳውኩም እኳ ወስ ኣየበልኩምለይን። እዚኣ ግና ጊዜኹምን ስልጣን ጸልማትን እያ፡ በሎም። |
54. | ሒዞም ከኣ ወሰድዎ፡ ናብ ቤት ሊቀ ኻህናትውን ኣእተውዎ። ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ። |
55. | ኣብ ማእከል እቲ መካበብያ ኸኣ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንሳእ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከሎም ተቐመጠ። |
56. | ሓንቲ ገረድ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረኣየቶ፡ ጠሚታቶ፡ እዚውን ምስኡ ነይሩ እዩ፡ በለት። |
57. | ንሱ ግና፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኸሐደ። |
58. | ቅሩብ ጽንሕ ኢሉ ኸኣ፡ ሓደ ኻልእ ርእይዎ፡ ንስኻውን ካባታቶም ኢኻ፡ በለ። ጴጥሮስ ግና፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣይፋለይን፡ በለ። |
59. | ሓንቲ ሰዓት እትኣክል ምስ ሐለፈት ከኣ፡ ሓደ ኻልእ፡ እዚ ድማ ብሓቂ ምስኡ ነይሩ እዩ፡ ገሊላዊ ኸኣ እዩ፡ ኢሉ ኣርጊጹ ተዛረበ። |
60. | ጴጥሮስ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ እዚ እትብሎ ዘሎኻ ኣይፈልጦን እየ፡ በሎ። ሽዑ ገና እዚኣ ኺዛረብ ከሎ፡ ብኡብኡ ደርሆ ነቀወ። |
61. | ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ሎሚ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ፡ |
62. | ናብ ወጻኢ ኸይዱውን መሪር ብኽያት በኸየ። |
63. | እቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ ሰባት ድማየላግጹሉን ይወቕዕዎን ነበሩ። |
64. | ሸፊኖም ድማ ገጹ ይጸፍዕዎ፡ እስኪ ተነበየልና፡ መን እዩ ዝጸፍዓካ፧ እናበሉውን ይሐትዎ ነበሩ። |
65. | እናጸረፍዎ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ነገር በልዎ። |
66. | ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተኣኪቦም፡ ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ናብ ዋዕላኦም ወሰድዎ። ንሱ ኸኣ፡ እንተ ነገርኩኹም፡ ኣይትኣምኑን፡ |
67. | ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተኣኪቦም፡ ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ናብ ዋዕላኦም ወሰድዎ። ንሱ ኸኣ፡ እንተ ነገርኩኹም፡ ኣይትኣምኑን፡ |
68. | እንተ ሐተትኩኹም ድማ፡ ኣይትመልሱለይን ኣይትፈትሑንንውን ኢኹም። |
69. | ወዲ ሰብ ግና ካብ ሕጂ ኣብ የማን ሓይሊ ኣምላኽ ኪቕመጥ እዩ፡ በሎም። |
70. | ኲሎም ከኣ፡ እምብኣርከ ንስኻስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም እኳ ትብሉ ኣሎኹም፡ በሎም። |
71. | ንሳቶም ከኣ፡ ባዕላትና ኻብ ኣፉ ድሕሪ ሰማዕናኸ፡ ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና፧ በሉ። |
← Luke (22/24) → |