Luke (21/24)  

1. ቊሊሕ ኢሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዜውድቑ ረኣየ።
2. ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ ረኣየ እሞ፡
3. ካብ ኲላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
4. እዚኣቶምሲ ዂላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ፡ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዂሉ ምግባ እያ ዘውደቐት፡ በለ።
5. ሓያሎ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ፡ ብጽቡቕ ኣእማንን ብዘውደቕዎ ስልማትን ተሰሊሙ ኸም ዘሎ፡ ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ንሱ፡
6. እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዘይተርፈለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ በለ።
7. ንሳቶም ከኣ፡ ዎ መምህር፡ እዚ መኣዝ እዩ ዚኸውን፧ ኣጋ እዚ ዚዀነሉኸ ትእምርቱ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
8. ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ እቲ ዘመን ከኣ ቀሪቡ እዩ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ደድሕሪኦም ኣይትስዐቡ፡ ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ።
9. ብዛዕባ ውግእን ዕልወትን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሰምብዱ። እዚ ቕድም ኪኸውን ብግዲ እዩ እሞ፡ መወዳእታ ግና ብኡብኡ ኣይከውንን እዩ፡ በለ።
10. ሽዑ በሎም፡ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ።
11. ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን፡ ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ።
12. ቅድሚ ዂሉ ኸኣ ኪሕዙኹምን ኪሰጒኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ናብ ቤት ጸሎትን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም፡ ናብ ነገስታትን ሹማምትን ኬብጽሑኹም እዮም።
13. እዚ ንምስክር ኪዀነኩም እዩ።
14. ኣነ ንዂሎም መኻራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከኣሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ፡ ስለዚ ብኸመይ ከም እትመልሱ፡ ቅድም ከይትሐልዩ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ።
15. ኣነ ንዂሎም መኻራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከኣሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ፡ ስለዚ ብኸመይ ከም እትመልሱ፡ ቅድም ከይትሐልዩ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ።
16. ወለድን ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣሕሊፎም ኪህበኹም፡ ካባኻትኩምውን ንሓያሎ ኪቐትሉ እዮም።
17. ስለ ዝመይ ከኣ ኲሉ ኺጸልኣኩም እዩ።
18. ግናኸ ኻብ ርስትኹም ሓንቲ ጸጒሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ።
19. ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም።
20. የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም፡ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ።
21. ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፡ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ፡ ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ።
22. እዚ፡ እቲ ጽሑፍ ዘበለ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ወርሓት ሕነ እዩ።
23. በተን መዓልታት እቲኣተን ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብብዋን ወይልኤን። ኣብ ምድሪ ብርቱዕ መከራ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድማ መዓት ኪወርድ እዩ።
24. ብስሕለት ሰይፊ ኺወድቁ፡ ናብ ኲሎም ኣህዛብውን ኪማረኹ እዮም። ዘመናት ኣህዛብ ክሳዕ ዚፍጸም፡ የሩሳሌም በህዛብ ክትረግጽ እያ።
25. ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን፡ ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ።
26. ሓይሊ ሰማያት ኬንቀጥቅጥ እዩ እሞ፡ ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ።
27. ሽዑ ንወዲ ሰብ፡ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም።
28. እዚ ምዃን ምስ ጀመረ፡ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ።
29. ሓደ ምስላ ድማ ነገሮም፡ ኣብ ኦም በለስን ኣብ ኲሉ ኦምን ርኣዩ።
30. ምጥጣዑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
31. ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ክትርእዩ ኸሎኸም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ።
32. እዚ ዂሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
33. ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።
34. ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኲላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ፡ ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ።
35. ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኲላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ፡ ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ።
36. ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኲሉ ነገር ንምምላቚን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ፡ ኲሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።
37. መዓልተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር፡ ለይተ ለይቲ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዚብሀል ከረን ደዪቡ ይሐድር ነበረ።
38. ብዘሎ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ንእኡ ኺሰምዕ ናብኡ የንግህ ነበረ።

  Luke (21/24)