Luke (20/24)  

1. ብሓንቲ ኻብተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ዀነ፡ ንህዝቢ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህሮም ወንጌልውን ኪሰብከሎም ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ምስ ዓበይቲ ዀይኖም ተንሲኦም፡
2. በየናይ ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
3. ንሱ ኸኣ፡ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሐተኩም ኣሎኹ እሞ፡ ንገሩኒ፡
4. ጥምቀት ዮሃንስሲ ኻብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ እያ፧ ኢሉ መለሰሎም።
5. ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧ ኪብለና እዩ።
6. ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ ኲሉ ህዝቢ ዮሃንስ ነብዪ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፡ ብእምኒ ኺጭፍልቐና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ይሐስቡ ስለ ዝነበሩ፡
7. ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡ፡ መለሱሉ።
8. የሱስ ከኣ፡ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብሮ፡ ኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም።
9. ነቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ምስላ እዚ ኺነግሮም ጀመረ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ነዊሕ ኪድንጒ ናብ ካልእ ሃአር ከደ።
10. ጊዜኡ ምስ በጽሔ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኺህብዎ ደልዩ፡ ንባርያኡ ናብቶም ዓየይቲ ለኣኾ። እቶም ዓየይቲ ግና ወቒዖም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ።
11. ካልኣይ ባርያ ድማ ለኣኸ፡ ንእኡውን ወቒዖም፡ ኣዋሪዶም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ።
12. መሊሱ ኸኣ ሳልሳይ ለኣኸ፡ ንእኡ ድማ ኣቚሲሎም ንወጻኢ ሰጐጒዎ።
13. እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ነዚ ዘፍቅሮ ወደይ ደኣ ኽሰድድ፡ ንእኡስ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ በለ።
14. እቶም ዓየይቲ ግና ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶ፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ፡ እቲ ርስቱ ንኣና ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንዑ ንቕተሎ፡ ኢሎም ተማኸሩ።
15. ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናብ ወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒኸ እንታይ ኰን ኪገብሮም እዩ፧
16. መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኼጥፍእ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒውን ንኻልኦት ኪህቦም እዩ። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ያእ፡ ኣይግበሮ፡ በሉ።
17. ንሱ ግና ጠሚትዎም፡ እቲ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ ዚብል ጽሑፍዶ እንታይ እዩ፧
18. ኣብቲ እቲ ዝወደቐ ዘበለ ኺስበር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ኪጭፍለቕ እዩ፡ በለ።
19. ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ከኣ ነዛ ምስላ እዚኣ ብዛዕባኦም ከም እተዛረበ ስለ ዝፈለጡ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ኺሕዝዎ ደለዩ፡ ግናኸ ነቶም ህዝቢ ፈርሁ።
20. ተጻናትዮም ብዘረባ ኺሕዝዎ እሞ ንመንግስትን ስልጣን ሹምን ኣሕሊፎም ምእንቲ ኺህብዎ፡ ቅኑዓት ተመሲሎም ዚጻናጸኑ ሰደዱ።
21. ንሳቶም ከኣ፡ መምህር፡ ብሓቂ ደኣ መገዲ ኣምላኽ ትምህር እምበር፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተድሉን ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን፡ ንፈልጥ ኣሎና።
22. ንቂሳር ግብሪ ኽንህብሲ ተፈቒዱልና ድዩ ወይ ኣይፋሉን፧ ኢሎም ሐተትዎ።
23. ንሱ ግና ጒርሖም ፈሊጡ፧ ንምንታይከ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧
24. እቲ ዲናር ኣርእዩኒ። ምስሉን ጽሕፈቱን ናይ አን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ናይ ቄሳር በሉ።
25. ንሱ ድማ፡ እምብኣርሲ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ሀቡ፡ በሎም።
26. ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ብዘረባኡ ኺሕዝዎ ኣይከኣሉን እሞ፡ በቲ ምላሹ ተገሪማም ኣጽቀጡ።
27. ካብቶም ትንሳኤ ምውታት የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን ድማ ሓያሎ ናብኡ መጺኦም ሐተትዎ፡
28. ከምዚ ኢሎም፡ ዎ መምህር፡ ሓደ ሰበይቲ ዘላቶ ሓድጊ ኸይሐደገ እንተ ሞተ፡ ሓው ነታ ሰበይቲ ይውረሳ እሞ ንሓው ሓድጊ የቚመሉ፡ ኢሉ ሙሴ ጸሐፈልና።
29. እምብኣርከ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእትዩ ኸይወለደ ሞተ።
30. እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ንሱ ኸኣ ከይወለደ ሞተ።
31. እቲ ሳልሳይ ድማ ወረሳ፡ ከምኡውን ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋስ፡ ውሉድ ከይሐደጉ ሞቱ።
32. መወዳእታኡ እታ ሰበይቲውን ሞተት።
33. እምብኣርሲ፡ ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ እታ ሰበይቲ እቲኣ ብትንሳኤስ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧
34. የሱስ ከኣ በሎም፡ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ የእትዉን የተኣታትዉን እዮም።
35. እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንሳኤ ምዉታትን ንምርካብ ዚበቕዑ ግና ውሉድ ትንሳኤ ብምዃኖም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑውን፡ ድሕርዚ ኺሞቱ ኣይከኣሎምን እዩ፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም።
36. እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንሳኤ ምዉታትን ንምርካብ ዚበቕዑ ግና ውሉድ ትንሳኤ ብምዃኖም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑውን፡ ድሕርዚ ኺሞቱ ኣይከኣሎምን እዩ፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም።
37. ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና፡ ሙሴ ድማ ኣብቲ ኣሻዂ ቈጥቋጥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን ብምባሉ ኣርኣየ።
38. ንእኡ ዂሎም ህያዋን እዮም እሞ፡ ንሱስ ናይ ህያዋን እምበር፡ ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን።
39. ሓያሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኸኣ፡ መምህር፡ ጽቡቕ ተዛሪብካ፡ ኢሎም መለሱሉ።
40. ድሕርዚ ገለ ኺሐትዎ እኳ ኣይደፈሩን።
41. ንሱ ድማ፡ ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙራት፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ከመይ ኢኦም ደኣ እዮም፡ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ፡ ዝብሉ፧
42. ንሱ ድማ፡ ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙራት፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ከመይ ኢኦም ደኣ እዮም፡ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ፡ ዝብሉ፧
43. ንሱ ድማ፡ ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙራት፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ከመይ ኢኦም ደኣ እዮም፡ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ፡ ዝብሉ፧
44. እምብኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ውዱ ይኸውን፧ በሎም።
45. ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኺሰምዕ ከሎ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡
46. ወለል ብዚብል ክዳውንቲ ምዝዋር ካብ ዚደልዩ፡ ኣብ ዕዳጋ ምስላም፡ ኣብ ቤት ጸሎትውን ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ምሳሕ ከኣ ኣውራ ስፍራ ኻብ ዚፈትዉ ጻሓፍቲ ተጠንቀቑ።
47. እቶም ኣባይቲ መበለታት ዚውሕጡ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ዜንውሑ፡ ንሳቶም ዝገደደ ፍርዲ ኺረኽቡ እዮም፡ በሎም።

  Luke (20/24)