Luke (19/24)  

1. የሱስ ኣብ ያሪኮ ኣትዩ ብእአ ሐለፈ።
2. እንሆ፡ ዘኼዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሓለቓ ተገውቲ እዩ፡ ሃብታምውን እዩ።
3. ንየሱስ ከኣ፡ ኣየናይ ምዃኑ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ። ቊመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ እተላዕለ፡ ምኽኣል ሰኣነ።
4. ምሕላፉ ብእኣ ነበረ እሞ፡ ቅድሚት ጐይዩ ኺርእዮ ናብ ሳግላ ሐዀረ።
5. የሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሔ፡ ኣንቃዕሪሩ ጠሚትዎስ፡ ዘኬዎስ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኽውዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ፡ በሎ።
6. ቀልጢፉ ወረደ ተሐጒሱውን ተቐበሎ።
7. እዚ ምስ ረኣዩ ድማ፡ ኣብ ቤት ሓጥእ ሰብኣይ ኪውዕል ኣተወ፡ ኢሎም ኲላቶም ኣዕዘምዘሙ።
8. ዘኬዎስ ከኣ ተንሲኡ፡ ንጐይታ፡ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ፈረቓ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ፡ ገለ ዝዐመጽክዎ እንተሎውን፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ፡ በሎ።
9. የሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ነስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት እዚኣ ምድሓን ኰነላ፡ በሎ።
10. የሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ነስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት እዚኣ ምድሓን ኰነላ፡ በሎ።
11. ንሳቶም እዚ ኺሰምዑ ኸለዉ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብኡብኡ ኸም እትገሀድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ወሲኹ ምስላ ተዛረበ።
12. ስለዚ በለ፡ ሓደ ውሉድ ጭዋ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ኺምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ።
13. ንዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱ፡ ኢሉ ዓሰርተ ምና ሀቦም።
14. ድቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፡ እዚ ኺነግሰና ኣይንደልን ኢና፡ ኢሎም ደድሕሪኡ ለኣኹ።
15. ኰነ ድማ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ፡ ነቶም ወርቂ ዝሀቦም ባሮቱ፡ ክንደይ ዚኣክል ከም ዝረብሑ ኺፈልጥ፡ ኪጽውዑሉ ኣዘዘ።
16. እቲ ቐዳማይ፡ ጐይታይ፡ ምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳ፡ ኢሉ ቐረበ።
17. ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ፡ ጽቡቕ ገበርካ። ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ።
18. እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ጐይታይ፡ እታ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳ፡ እናበለ መጸ።
19. ነዚ ድማ፡ ንስኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ።
20. ሓደ ኻልእ ድማ፡ ጐይታይ፡ ዘየንበርካዮ እተልዕል፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ ሓያል ሰብ ኢኻ እሞ፡ ፈሪሄካስ፡ እዛ ኣብ ቊራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕክዋምናኻ እንሃልካ፡ እናበለ መጸ።
21. ሓደ ኻልእ ድማ፡ ጐይታይ፡ ዘየንበርካዮ እተልዕል፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ ሓያል ሰብ ኢኻ እሞ፡ ፈሪሄካስ፡ እዛ ኣብ ቊራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕክዋምናኻ እንሃልካ፡ እናበለ መጸ።
22. ንሱ ድማ፡ ኣታ እኩይ ባርያ፡ ከምቲ ኣፍካ ዝበሎ እፈርደካ ኣሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፡ ዘይዘራእክዎ ዝዐጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ፡
23. ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ ኣብ ሸረቲ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፡ በሎ።
24. ነቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰባት ከኣ፡ እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሀብዎ፡ በሎም።
25. ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ፡ እትስ ዓሰርተ ምና ኣለዎ፡ በልዎ።
26. ንሱ ድማ፡ ንዘለዎ ዘበለ ኺውሀቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኸግድፍዎ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ።
27. ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም፡ በለ።
28. እዚ ምስ ተዛረበ፡ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ንቕድሚት ደፍኤ።
29. ኰነ ድማ፡ ናብ ቤተፋጌን ናብ ቢታንያን ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ዚብሀል ከረን ምስ ቀርበ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፡
30. ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ። ኣብኣ ምስ ኣቶኹም፡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። ንእኡ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎ።
31. ሓደ፡ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፧ ኢሉ እንተ ሐተተኩም ከኣ፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎ።
32. እቶም እተላእኩ ኸይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ።
33. ንሳቶም ነቲ ጻዕብ ኪፈትሕዎ ኸለዉ፡ ዋናታቱ፡ ነዚ ጻዕብ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፧ በልዎም።
34. ንሳቶም ድማ፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎም።
35. ናብ ይሱስ ሒዞምዎ መጹ። ኣብቲ ጻዕብ ክዳውንቶም ጠይቂ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣወጥሕዎ።
36. ንሱ ኺኸይድ ከሎ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ።
37. ናብ መወዳእታ ቚልቊል ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረቡ፡ ኲሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ ዂሉ ሓይልታት ኪሕጐሱን ንኣምላኽ ብዓብዪ ድምጺ ኼመስግንዎ ጀመሩ እሞ፡
38. ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ኣብ ኣርያም፡ በሉ።
39. ካብቲ እኩብ ህዝቢ ድማ ሓያሎ ፈሪሳውያን፡ መምህር፡ ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሐዮም፡ በልዎ።
40. ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፡ እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።
41. ምስ ቀረበን ነታ ኸተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፡
42. ኣየ፡ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ። ሕጂ ግና ካብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ።
43. ጸላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ፡ ኪኸቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም።
44. ዘመን ምሕረትኪ ሰኣን ምፍላጥክስ፡ ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኺ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሐድጉልክን እዮም።
45. ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ዚሸጡን ዚሻየጡን፡
46. ቤተይ ቤት ጸሎት እያ፡ ተጽሒፉ ኣሎ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ እናበሎም ኬውጽእ ጀመረ።
47. ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ድማ ኬጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ።
48. ብዘሎ እቲ ህዝቢ ግና ኪሰምዖ ደልዩ ይዐስሎ ነበረ እሞ፡ ዚገብርዎ ሰኣኑ።

  Luke (19/24)