← Luke (19/24) → |
1. | የሱስ ኣብ ያሪኮ ኣትዩ ብእአ ሐለፈ። |
2. | እንሆ፡ ዘኼዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሓለቓ ተገውቲ እዩ፡ ሃብታምውን እዩ። |
3. | ንየሱስ ከኣ፡ ኣየናይ ምዃኑ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ። ቊመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ እተላዕለ፡ ምኽኣል ሰኣነ። |
4. | ምሕላፉ ብእኣ ነበረ እሞ፡ ቅድሚት ጐይዩ ኺርእዮ ናብ ሳግላ ሐዀረ። |
5. | የሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሔ፡ ኣንቃዕሪሩ ጠሚትዎስ፡ ዘኬዎስ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኽውዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ፡ በሎ። |
6. | ቀልጢፉ ወረደ ተሐጒሱውን ተቐበሎ። |
7. | እዚ ምስ ረኣዩ ድማ፡ ኣብ ቤት ሓጥእ ሰብኣይ ኪውዕል ኣተወ፡ ኢሎም ኲላቶም ኣዕዘምዘሙ። |
8. | ዘኬዎስ ከኣ ተንሲኡ፡ ንጐይታ፡ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ፈረቓ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ፡ ገለ ዝዐመጽክዎ እንተሎውን፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ፡ በሎ። |
9. | የሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ነስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት እዚኣ ምድሓን ኰነላ፡ በሎ። |
10. | የሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ነስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት እዚኣ ምድሓን ኰነላ፡ በሎ። |
11. | ንሳቶም እዚ ኺሰምዑ ኸለዉ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብኡብኡ ኸም እትገሀድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ወሲኹ ምስላ ተዛረበ። |
12. | ስለዚ በለ፡ ሓደ ውሉድ ጭዋ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ኺምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። |
13. | ንዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱ፡ ኢሉ ዓሰርተ ምና ሀቦም። |
14. | ድቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፡ እዚ ኺነግሰና ኣይንደልን ኢና፡ ኢሎም ደድሕሪኡ ለኣኹ። |
15. | ኰነ ድማ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ፡ ነቶም ወርቂ ዝሀቦም ባሮቱ፡ ክንደይ ዚኣክል ከም ዝረብሑ ኺፈልጥ፡ ኪጽውዑሉ ኣዘዘ። |
16. | እቲ ቐዳማይ፡ ጐይታይ፡ ምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳ፡ ኢሉ ቐረበ። |
17. | ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ፡ ጽቡቕ ገበርካ። ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ። |
18. | እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ጐይታይ፡ እታ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳ፡ እናበለ መጸ። |
19. | ነዚ ድማ፡ ንስኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ። |
20. | ሓደ ኻልእ ድማ፡ ጐይታይ፡ ዘየንበርካዮ እተልዕል፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ ሓያል ሰብ ኢኻ እሞ፡ ፈሪሄካስ፡ እዛ ኣብ ቊራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕክዋምናኻ እንሃልካ፡ እናበለ መጸ። |
21. | ሓደ ኻልእ ድማ፡ ጐይታይ፡ ዘየንበርካዮ እተልዕል፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ ሓያል ሰብ ኢኻ እሞ፡ ፈሪሄካስ፡ እዛ ኣብ ቊራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕክዋምናኻ እንሃልካ፡ እናበለ መጸ። |
22. | ንሱ ድማ፡ ኣታ እኩይ ባርያ፡ ከምቲ ኣፍካ ዝበሎ እፈርደካ ኣሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፡ ዘይዘራእክዎ ዝዐጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ፡ |
23. | ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ ኣብ ሸረቲ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፡ በሎ። |
24. | ነቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰባት ከኣ፡ እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሀብዎ፡ በሎም። |
25. | ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ፡ እትስ ዓሰርተ ምና ኣለዎ፡ በልዎ። |
26. | ንሱ ድማ፡ ንዘለዎ ዘበለ ኺውሀቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኸግድፍዎ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ። |
27. | ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም፡ በለ። |
28. | እዚ ምስ ተዛረበ፡ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ንቕድሚት ደፍኤ። |
29. | ኰነ ድማ፡ ናብ ቤተፋጌን ናብ ቢታንያን ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ዚብሀል ከረን ምስ ቀርበ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፡ |
30. | ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ። ኣብኣ ምስ ኣቶኹም፡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። ንእኡ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎ። |
31. | ሓደ፡ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፧ ኢሉ እንተ ሐተተኩም ከኣ፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎ። |
32. | እቶም እተላእኩ ኸይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ። |
33. | ንሳቶም ነቲ ጻዕብ ኪፈትሕዎ ኸለዉ፡ ዋናታቱ፡ ነዚ ጻዕብ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፧ በልዎም። |
34. | ንሳቶም ድማ፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎም። |
35. | ናብ ይሱስ ሒዞምዎ መጹ። ኣብቲ ጻዕብ ክዳውንቶም ጠይቂ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣወጥሕዎ። |
36. | ንሱ ኺኸይድ ከሎ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ። |
37. | ናብ መወዳእታ ቚልቊል ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረቡ፡ ኲሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ ዂሉ ሓይልታት ኪሕጐሱን ንኣምላኽ ብዓብዪ ድምጺ ኼመስግንዎ ጀመሩ እሞ፡ |
38. | ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ኣብ ኣርያም፡ በሉ። |
39. | ካብቲ እኩብ ህዝቢ ድማ ሓያሎ ፈሪሳውያን፡ መምህር፡ ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሐዮም፡ በልዎ። |
40. | ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፡ እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። |
41. | ምስ ቀረበን ነታ ኸተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፡ |
42. | ኣየ፡ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ። ሕጂ ግና ካብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ። |
43. | ጸላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ፡ ኪኸቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም። |
44. | ዘመን ምሕረትኪ ሰኣን ምፍላጥክስ፡ ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኺ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሐድጉልክን እዮም። |
45. | ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ዚሸጡን ዚሻየጡን፡ |
46. | ቤተይ ቤት ጸሎት እያ፡ ተጽሒፉ ኣሎ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ እናበሎም ኬውጽእ ጀመረ። |
47. | ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ድማ ኬጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ። |
48. | ብዘሎ እቲ ህዝቢ ግና ኪሰምዖ ደልዩ ይዐስሎ ነበረ እሞ፡ ዚገብርዎ ሰኣኑ። |
← Luke (19/24) → |