Luke (18/24)  

1. ከይቀበጹ ዂሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ ፡ ብምስላ ተዛረቦም ፡ ከምዚ ኢሉ ፡
2. ኣብ ሓንቲ ኸተማ ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ ።
3. ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት ፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ ፡ ምስ እዚ መባእስትይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ ፡ ትብሎ ነበረት ።
4. እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ ። ድሕርቲ ግና ብልቡ ፡ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ ፡
5. እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ ፡ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየኒስ ፡ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ ፡ በለ ።
6. ጐይታ በለ ፡ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ ።
7. ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ ፧ ይጽመሞዶኸ ፧
8. ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም፡ እብለኩም ኣሎኹ ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና ፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ ፧
9. ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም፡
10. ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ።
11. እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ ኣሎኹ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ኸምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ።
12. እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ ኣሎኹ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ኸምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ።
13. እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፡ ኣምላኸይ፡ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን።
14. ርእሱ ልዕል ዜብል ኲሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጻዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
15. ንሕጻናት ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ እዚ ርእዮም ገንሕዎም።
16. የሱስ ግና ጸዊዑ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኦም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ፡ ኣይትኸልክልዎም።
17. ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ሕጻን ኰይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
18. ሓደ መራሒ ድማ፡ ዎ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ሐተቶ።
19. የሱስ ከኣ፡ ንምንታይከ ሄር እትብለኒ፧ ብጀካ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሄር የልቦን።
20. ነተን፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ዚብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ፡ በሎ።
21. ንሱ ኸኣ፡ ነዚ ዂሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ ኣሎኹ፡ በለ።
22. የሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ገና ኸኣ ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፡ ዘሎካ ዂሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪጸንሓካ እዩ፡ ንዓውን ስዐበኒ፡ በሎ።
23. ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ብዙሕ ጐሀየ።
24. የሱስ ዝቡሕ ምጒሃዩ ርእዩ፡ ሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ።
25. ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ በለ።
26. እቶም ዝሰምዑ ኸኣ፡ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይኽእል፧ በሉ።
27. ንሱ ኸኣ፡ እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ፡ ንኣምላኽ ይከኣሎ እዩ፡ በሎም።
28. ሽዑ ጴጥሮስ፡ እንሆ፡ ንሕና ጥሪትና ዂሉ ሐዲግና ስዒብናካ ኣሎና፡ በሎ።
29. ንሱ ኸኣ፡ ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ፡ ቤት ኰነ፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ ዝሐደገ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
30. ንሱ ኸኣ፡ ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ፡ ቤት ኰነ፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ ዝሐደገ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
31. ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡ እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ኣብ ነብያት እተጻሕፈ ዂሉ ኸኣ ኪፍጸም እዩ።
32. ነግዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፡ ኬላግጹሉ፡ ክጸርፍዎ ጡፍውን ክብሉሉ፡
33. ገሪፎም ድም ኪቐትልዎ እዮም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ፡ በሎም።
34. ንሳቶም ግና ካብዚ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዐሉን፡ እዚ ዘረባዚ ተሰዊርዎም ነበረ እሞ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተብህልዎን ነበሩ።
35. ኰነ ድማ፡ ናብ ያሪኮ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ሓደ ዕውር ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።
36. እኩብ ህዝቢ ኺሐልፍ ከሎ ሰሚዑ ኸኣ፡ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተተ።
37. የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ፡ ይሐልፍ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ።
38. ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ ኢሉ ጨርሔ።
39. እቶም ቅድሚት ዚኸዱ ዝነበሩ ስቕ ኪብል ገንሕዎ። ንሱ ግና፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ ኢሉ ኣዝዩ ጨርሔ።
40. የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኼምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ የሱስ፡ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ክርኢ፡ በሎ።
41. የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኼምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ የሱስ፡ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ክርኢ፡ በሎ።
42. የሱስ ድማ፡ ርኤ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ።
43. ብኡብኡ ረኣየ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ኸኣ ሰዐቦ። እቶም ህዝቢ ዂሎምውን እዚ ምስ ረኣዩ፡ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።

  Luke (18/24)