Luke (17/24)  

1. ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ። ነቲ ብሰሩ መዓንቀፊ ዚመጽእ ግና ወይለኡ።
2. ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዜስሕትሲ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባህሪ ኺድርበ ምሔሾ ነይሩ።
3. ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በደለካ፡ ግንሐዮ፡ እንተ ተጣዕስሰ፡ ሕደገሉ።
4. ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካ፡ ተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ፡ ሕደገሉ።
5. ሃዋርያት ድማ ንጐይታ፡ እምነት ወስኸና፡ በልዎ።
6. ጐይታ ኸኣ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ፡ ነዚ ሳግላ፡ ተመንቊስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል፡ ምበልኩምዎ እሞ ምተኣዘዘኩም ነይሩ።
7. ካባኻትኩምከ ዚሐርስ ወይ ዚጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፡ ቀልጢፍካ ሕለፍ፡ ክትድረር ተቐመት፡ ዚብሎ መን ኣሎ፧
8. ክድረር ኣዳልወለይ፡ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዐጢቕካ ኣገልግለኒ፡ ድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን፡ ደይኰነን ዚብሎ፧
9. ወይስ ነቲ ባርያ እቲኸ እቲ እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ ይንእዶዶ፧ ኣይመስለንን።
10. ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዂሉ ምስ ገበርኩም፡ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ።
11. ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ ብመንጎ ሰማርያን ገሊላን ሐለፈ።
12. ናብ ሓንቲ ዓዲ ኺኣቱ ኸሎ፡ ዓሰርተ ለምጻማት ተጓነፍዎ። ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም ከኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ ዎ የሱስ መምህር፡ ምሐረና፡ በልዎ።
13. ናብ ሓንቲ ዓዲ ኺኣቱ ኸሎ፡ ዓሰርተ ለምጻማት ተጓነፍዎ። ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም ከኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ ዎ የሱስ መምህር፡ ምሐረና፡ በልዎ።
14. ንሱ ርእይዎም፡ ኪዱ፡ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ። በሎም። ኰነ ኸኣ፡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ነጽሁ።
15. ካባታቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሐወየ ምስ ረኣየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመልሰ።
16. እናኣመስገኖ ኸኣ ኣብ እግሩ ብገጹ ተደፍኤ። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ።
17. የሱስ ግና፡ ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፡ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧
18. ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እትመልሰዶ የልቦን፧ ኢሉ መለሰ።
19. ደሓር ከኣ፡ ተንስእ እሞ ኺድ። እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ።
20. ፈሪሳውያን፡ መንግስቲ ኣምላኽ መኣዝ ትመጽእ፧ ኢሎም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም።
21. ፈሪሳውያን፡ መንግስቲ ኣምላኽ መኣዝ ትመጽእ፧ ኢሎም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም።
22. ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ በሎም፡ ካብ መዓልትታት ወዲ ሰብ ሓንቲኽትርእዩ እትምነዩለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ኣይክትርእዩን ከኣ ኢኹም።
23. መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልኣ ወሰን ሰማይ ከም ዚበርቕን ከም ዜብርህን፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ በታ መዓልቱ ኪኸውን እዩ እሞ፡ እንሆ ኣብዚ ወይስ እንሆ ኣብቲ ኣሎ፡ ኪብሉኹም እዮም፡ ኣይትኺዱ ኣይትስዐብዎምውን።
24. መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልኣ ወሰን ሰማይ ከም ዚበርቕን ከም ዜብርህን፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ በታ መዓልቱ ኪኸውን እዩ እሞ፡ እንሆ ኣብዚ ወይስ እንሆ ኣብቲ ኣሎ፡ ኪብሉኹም እዮም፡ ኣይትኺዱ ኣይትስዐብዎምውን።
25. ቅድም ግና ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ በዚ ወለዶ እዚውን ኪነዐቕ ብግዲ እዩ።
26. ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩ።
27. ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትውን የተኣታትዉን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ድማ መጸ ንዂሎምውን ኣጥፍኤ።
28. ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነ፡ ይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡ ይተኽሉን ይሀንጹን ነበሩ።
29. በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ፡ ንዂሉ ኸኣ ኣጥፍኤ።
30. በታ ወዲ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
31. በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ደርቢ ዘሎ፡ ኣቓሑኡ ኸኣ ኣብ ቤት ዘለዎ ኺወስዶ ኢሉ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎውን ንድሕሪት ኣይመለስ።
32. ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ።
33. ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና እዩ።
34. በታ ለይቲ እቲኣ ኽልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ኪድቅሱ እዮም፡ እቲ ሓደ ኸውሰድ፡እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ።
35. ክልተ ኣንስቲ ብሓንሳእ ኪጥሕና እየን፡ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ እታ ኻልኣይቲ ኽትሕደግ እያ።
36. ክልተ ኣብ ወፍሪ ኺጸንሑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ኻልኣይ ኪሕደግ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
37. መሊሶም ከኣ፡ ጐይታይ፡ ኣበይከ እዩ፧ በልዎ። ንሱውን፡ ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ናብኡ ኺእከቡ እዮም፡ በሎም።

  Luke (17/24)