| ← Luke (16/24) → |
| 1. | ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፡ ኣዛዝ ቤት ዝነበሮ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ፡ ገንዘብካ ይብትነልካ ኣሎ፡ ኢሎም ኣጣቘስዎ። |
| 2. | ጸዊዑ ኸኣ፡ እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘሎኹ እንታይ እዩ፧ ደጊም ኣዛዝ ቤት ክትኰነኒ ኣይኰነልካን እዩ እሞ፡ ጸብጻብ ምምጋብካ ሀበኒ፡ በሎ። |
| 3. | እቲ ኣዛዝ ኸኣ ብልቡ፡ ጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ኪስዕረኒ እዩ፡ ከይባሩ ኣይክእልን፡ ከይልምን ድማ እሐፍር፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ |
| 4. | ጐይታይ ካብ ሽመተይ ምስ ሰዐረኒ፡ ኣብ ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉንስ፡ ዝገብሮ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ። |
| 5. | ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ ንነፍሲ ወከፎም ጸዊዑ፡ ነቲ ቐዳማይ፡ ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ ኣሎካ፡ በሎ። |
| 6. | ንሱ ኸኣ፡ ሚእቲ ባት ዘይቲ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፡ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል፡ ቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ ሓምሳ ኢልካ ጽሐፍ፡ በሎ። |
| 7. | ድሕሪኡ ድማ ንሓደ ኻልእ፡ ንስኻኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ፧ በሎ። እቲውን፡ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፡ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ ሰማንያ ኢልካ ጽሐፍ፡ በሎ። |
| 8. | ካብ ደቂ ብርሃንሲ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ወለዶኦም ይባላሐቱ እዮም እሞ፡ ነቲ ዓመጾኛ ኣዛዚ፡ ብልቦና ስለ ዘገበረ፡ ጐይታኡ ነኣዶ። |
| 9. | ኣነ ኸኣ፡ ምስ ተወድኣኩም ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉኸምሲ፡ ብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 10. | ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ። |
| 11. | እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ፡ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ፧ |
| 12. | ብናይ እማትኩም እሙናት ካብ ዘይትዀኑስ፡ ናትኩም ዚህበኩም ደኣ መን እዩ፧ |
| 13. | ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። |
| 14. | እቶም ገንዘብ ዚፈትዉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ እዚ ዂሉ እናሰምዑ የላግጹሉ ነበሩ። |
| 15. | በሎም ድማ፡እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፋን እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ። |
| 16. | ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ። ካብ ሽዑ ንነጀው መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር ኣላ፡ ኲሎም ድማ ይዳፍኡላ ኣለዉ። |
| 17. | ካብ ሕጊ ሓንቲ ነቚጣ ኻብ እትወድቕሲ፡ ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ ይቐልል። |
| 18. | ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ። |
| 19. | ቀይሕ ክዳንን ክቡር በፍታን ዚኽደን፡ ኲሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። |
| 20. | ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን ብቚስሊ ተወሩሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። |
| 21. | ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቊስሉ ይልሕሱ ነበሩ። |
| 22. | ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቚፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። |
| 23. | ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቚፉ ረኣዮ። |
| 24. | ጸዊዑ ኸኣ፡ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ ኣሎኹ እሞ ምሐረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ። |
| 25. | ኣብርሃም ግና፡ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ። |
| 26. | ምስናይ እዚ ዂሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ኸይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ ኣሎ፡ በሎ። |
| 27. | ሽዑ ንሱ፡ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ። |
| 28. | ሽዑ ንሱ፡ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ። |
| 29. | ኣብርሃም ድማ፡ ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ። |
| 30. | ንሱ ኸኣ፡ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምውታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ኪንስሑ እዮም፡ በለ። |
| 31. | ንሱ ድማ፡ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምውታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ። |
| ← Luke (16/24) → |