Luke (16/24)  

1. ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፡ ኣዛዝ ቤት ዝነበሮ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ፡ ገንዘብካ ይብትነልካ ኣሎ፡ ኢሎም ኣጣቘስዎ።
2. ጸዊዑ ኸኣ፡ እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘሎኹ እንታይ እዩ፧ ደጊም ኣዛዝ ቤት ክትኰነኒ ኣይኰነልካን እዩ እሞ፡ ጸብጻብ ምምጋብካ ሀበኒ፡ በሎ።
3. እቲ ኣዛዝ ኸኣ ብልቡ፡ ጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ኪስዕረኒ እዩ፡ ከይባሩ ኣይክእልን፡ ከይልምን ድማ እሐፍር፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧
4. ጐይታይ ካብ ሽመተይ ምስ ሰዐረኒ፡ ኣብ ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉንስ፡ ዝገብሮ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ።
5. ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ ንነፍሲ ወከፎም ጸዊዑ፡ ነቲ ቐዳማይ፡ ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ ኣሎካ፡ በሎ።
6. ንሱ ኸኣ፡ ሚእቲ ባት ዘይቲ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፡ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል፡ ቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ ሓምሳ ኢልካ ጽሐፍ፡ በሎ።
7. ድሕሪኡ ድማ ንሓደ ኻልእ፡ ንስኻኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ፧ በሎ። እቲውን፡ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፡ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ ሰማንያ ኢልካ ጽሐፍ፡ በሎ።
8. ካብ ደቂ ብርሃንሲ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ወለዶኦም ይባላሐቱ እዮም እሞ፡ ነቲ ዓመጾኛ ኣዛዚ፡ ብልቦና ስለ ዘገበረ፡ ጐይታኡ ነኣዶ።
9. ኣነ ኸኣ፡ ምስ ተወድኣኩም ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉኸምሲ፡ ብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
10. ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ።
11. እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ፡ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ፧
12. ብናይ እማትኩም እሙናት ካብ ዘይትዀኑስ፡ ናትኩም ዚህበኩም ደኣ መን እዩ፧
13. ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
14. እቶም ገንዘብ ዚፈትዉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ እዚ ዂሉ እናሰምዑ የላግጹሉ ነበሩ።
15. በሎም ድማ፡እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፋን እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ።
16. ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ። ካብ ሽዑ ንነጀው መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር ኣላ፡ ኲሎም ድማ ይዳፍኡላ ኣለዉ።
17. ካብ ሕጊ ሓንቲ ነቚጣ ኻብ እትወድቕሲ፡ ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ ይቐልል።
18. ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ።
19. ቀይሕ ክዳንን ክቡር በፍታን ዚኽደን፡ ኲሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ።
20. ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን ብቚስሊ ተወሩሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ።
21. ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቊስሉ ይልሕሱ ነበሩ።
22. ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቚፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን።
23. ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቚፉ ረኣዮ።
24. ጸዊዑ ኸኣ፡ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ ኣሎኹ እሞ ምሐረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ።
25. ኣብርሃም ግና፡ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ።
26. ምስናይ እዚ ዂሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ኸይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ ኣሎ፡ በሎ።
27. ሽዑ ንሱ፡ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ።
28. ሽዑ ንሱ፡ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ።
29. ኣብርሃም ድማ፡ ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ።
30. ንሱ ኸኣ፡ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምውታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ኪንስሑ እዮም፡ በለ።
31. ንሱ ድማ፡ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምውታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ።

  Luke (16/24)