| ← Luke (15/24) → |
| 1. | ኲሎም ተገውትን ሓጥኣንን ኪሰምዕዎ ናብኡ ቐረቡ። |
| 2. | ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ድማ፡ እዝስ ንሓጥኣን ደኣ ይቕበል ምሳታቶምውን ይበልዕ፡ ኢሎም ኣጒረምረሙ። |
| 3. | እዚ ምስላ እዚ ኸኣ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ |
| 4. | ካባኻትኩምከ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካባታተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶስ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሐድግ፡ ክሳዕ ዚረኽባውን ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ |
| 5. | ምስ ረኸባ ኸኣ፡ እናተሐጐሰ ኣብ መንኩቡ ይሕንግራ። |
| 6. | ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ድማ፡ ነዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓደ ጸዊዑ፡ ነታ ዝጠፍአትኒ በጊዔይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሐጐሱ፡ ይብሎም። |
| 7. | ከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 8. | ወይስ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ፡ ዓሰርተ ድሪም ዘለዋ፡ ሓንቲ ድሪም እንተ ጠፍኣታ፡ መብራህቲ ዘይተብርህ ቤታውን ዘይትዂስትር፡ ክሳዕ እትረኽባ ኸኣ ኣጸቢቓ ዘይትደሊ፧ |
| 9. | ምስ ረኸበታ ድማ፡ እታ ዝጠፍኣትኒ ድሪመይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሐጐሳ፡ ኢላ ነዳኖታታን ንጐረባብታን ትጽውዔን። |
| 10. | ከምኡ ድማ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 11. | በለ ድማ፡ ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። |
| 12. | እቲ ንእሽቶ ኸኣ ነቦኡ፡ ኣቦይ፡ ካብዚ ጥሪት እቲ ዚበጽሓኒ ግደ ሀበኒ፡ በሎ። ነቲ ገንዘቡ ኸኣ መቐሎም። |
| 13. | ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ኸኣ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዂሉ ኣኪቡ፡ ናብ ካልእ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብቕለትን ዕብዳንን ዘረዎ። |
| 14. | ዘለዎ ዘበለ ምስ ወድኤ፡ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ንሱ ኸኣ ኪስእን ጀመረ። |
| 15. | ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር እቲኣ ተዋዓዐለ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓሰማታት ኪጓሲ፡ ናብ ምድሩ ሰደዶ። |
| 16. | ካብቲ ሓሰማታት ዚቕለባኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ከኣ ሃረር ይብል ነበረ፡ ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን። |
| 17. | ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ በለ፡ እንጌራ ዚተርፎም ግዙኣት ኣቦይ ክንደይ እዮም። ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት ኣሎኹ። |
| 18. | ተንስኤ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፡ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ። |
| 19. | ደጊም ወድኻ ኽብሀል ኣይበቅዕን እየ፡ ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ፡ ክብሎ። |
| 20. | ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዐሞ። |
| 21. | እቲ ወዲ ድማ፡ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሀል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎ። |
| 22. | ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፡ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። |
| 23. | እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ። |
| 24. | እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ። |
| 25. | እቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ። መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀርበ፡ ኰበሮን ጓይላን ሰምዔ። |
| 26. | ካብቶም ግዙኣት ንሓደ ጸዊዑ፡ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። |
| 27. | ንሱ ኸኣ፡ እቲ ሓውካ መጺኡ እሞ ኣቦኻ፡ ብደሓኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ስብሕቲ ላም ሐሪዱሉ፡ በሎ። |
| 28. | ንሱ ግና ኰረየ፡ ምእታውን ኣበየ። ኣቦኡ ኸኣ ወጺኡ ለመኖ። |
| 29. | ንሱ ግና ነቦኡ፡ እንሆ፡ ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፡ ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይሐለፍኩን። ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሀብካንን። |
| 30. | እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኰይኑ በሊዑ ዝወድኤ ወድኻ ምስ መጸ ግና፡ ስብሕቲ ላም ሐረድካሉ፡ ኢሉ መለሰሉ። |
| 31. | ንሱ ኸኣ፡ ወደይ፡ ንስኻስ ኲሉ ሳዕ ምሳይ ኣሎኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። |
| 32. | እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግብኣና እዩ፡ በሎ። |
| ← Luke (15/24) → |