Luke (14/24)  

1. ኰነ ድማ፡ ብሰንበት ኣብ ቤት ሓደ ኻብ ሓላቑ ፈሪሳውያን እንጌራ ኺበልዕ ምስ ኣተወ፡ ንሳቶም ይጸናጸንዎ ነበሩ።
2. እንሆ፡ ከብዱ እተነፍሔ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።
3. የሱስ ንፈለጥቲ ሕግን ፈሪሳውያንን፡ ብሰንበት ምፍዋስሲ ግቡእ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ኢሉ ተዛረቦም።
4. ንሳቶም ከኣ ኣጽቀጡ። ንሱ ድማ ወሲዱ ኣሕወዮን ሰደዶን።
5. መሊሱ ድማ በሎም፡ ካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዔላ እንተ ወደቐ፡ ብእኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውጽኦ መን ኣሎ፧
6. ነዚ ነገርዚ ኸኣ ምላሽ ሰኣኑሉ።
7. ነቶም ናብ ምሳሕ እተጸውዑ ድማ ኣውራ መቐመጢ ኸም ዚሐርዩ ምስ ረኣየ፡ ምስላ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡
8. ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዐደመካ፡ ኣብቲ ኣውራ መቐመጢ ኣይትቀመጥ። ካባኻ ዚኸብር ካልእ ጸዊዑ እንተ ዀነ፡
9. እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዔ መጺኡ፡ እዛ ስፍራ እዚኣ ነዚ ሕደገሉ፡ ኪብለካ እዩ እሞ፡ ሽዑ እናሐፈርካ ናብ ታሕታይ መቐመጢ ኽትወርድ ትጅምር።
10. ርእሱ ዜዕቢ ዂሉ ኺዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ እሞ፡ እንተ ተዐደምካ፡ እቲ ዝዐደመካ መጺኡ፡ ዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኺብለካስ፡ ኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዂሎም መቓምጥኻ ኽብረት ኪዀነልካ እዩ።
11. ርእሱ ዜዕቢ ዂሉ ኺዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ እሞ፡ እንተ ተዐደምካ፡ እቲ ዝዐደመካ መጺኡ፡ ዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኺብለካስ፡ ኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዂሎም መቓምጥኻ ኽብረት ኪዀነልካ እዩ።
12. ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፡ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ።
13. ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ።
14. ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ፡ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።
15. ካብቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ሓደ እዚ ምስ ሰምዔ፡ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩ፡ በሎ።
16. ንሱ ኸኣ በሎ፡ ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፡ ንብዙሓትውን ዐደመ።
17. ድራር ድማ ነቶም ዕዱማት፡ ኲሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፡ ንዑ፡ ኪብሎም ባርያኡ ለኣኸ።
18. ኲሎም ከኣ ሐቢሮም ኬማኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ፡ ግራት ዐዲገ ኣሎኹ፡ ናብኣ ወፊረ ኽርእያ ብግዲ ዜድልየኒ ዀይኑስ፡ ከተማኻንየለይ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ።
19. እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ሓሙሽተ ጽምዲ ብዕራይ ዐዲገ ኣሎኹ፡ ክፍትኖም ክኸይድ እየ፡ ከተማኻንየለይ እልምንካ ኣሎኹ፡ በሎ።
20. እቲ ሳልሳይ ከኣ፡ ሰበይቲ ኣእትየ ኣሎኹ፡ ስለዚ ኽመጽእ ኣይኰነለይን እዩ፡ አሎ።
21. እቲ ባርያ መጺኡ እዚ ንጐይታኡ ነገሮ። ሽዑ እቲ ብዓል ቤት ኰርዩ ነቲ ባርያኡ፡ ናብ ኣደባባይን ናብ መተሓላለፍ ከተማን ቀልጢፍካ ውጻእ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ናብዚ ኣእቱ፡ በሎ።
22. እቲ ባርያ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካዮ ዀይኑ፡ ስፍራ ድማ ግና ኣሎ፡ በሎ።
23. እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ባርያኡ፡ ናብ መገድን ናብ ገዛታትን ውጽእ እሞ ቤተይ ምእንቲ ኽትመልእሲ፡ ኪኣትዉ ተጋደሎም፡ በሎ።
24. ካብቶም እተዐደሙ ሰብኡት ሓደ እኳ ንድራረይ ኣይኪጥዕሞን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
25. ብዙሓት ሰብ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ግልጽ ኢሉ በሎም፡
26. ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልኤ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።
27. መስቀሉ ዘይጸውር እሞ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን።
28. ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረኣይዎ ዂሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ እዩ፧
29. ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረኣይዎ ዂሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ እዩ፧
30. ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረኣይዎ ዂሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ እዩ፧
31. ወይስ ኣየናይ ንጉስ እዩ፡ ምስ ካልእ ንጉስ ኪዋጋእ ዚኸይድ እሞ ነቲ ብኽልተ እልፊ ዚመጾስ ብእልፊ ኺገጥመሉ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ተቐሚጡ ቕድም ዘይመክር፧
32. እንተ ዘይኰነስ፡ ገና ኻብኡ ርሑቕ ከሎ፡ ልኡኻት ናብኡ ልኢኹ ዕርቂ ይልምኖ።
33. ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ዘለዎ ዘበለ ዂሉ ዘይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።
34. ጨው ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ጨው፡ መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧
35. ንወጻኢ ይጒሕፍዎ እምበር፡ ንምድሪ ዀነ፡ ንምድኳዕ ኰነ ኣይጠቅምን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።

  Luke (14/24)