| ← Luke (13/24) → | 
| 1. | በቲ ወርሓት እቲ፡ ሓያሎ ሰባት መጺኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝጸምበሮ ገሊላውያን ነገርዎ። | 
| 2. | የሱስ መሊሱ በሎም፡ ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ፡ ካብ ኲሎም ገሊላውያን ሓጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም ኣሎ፧ | 
| 3. | ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኲላትኩም ድማ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። | 
| 4. | ወይስ እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተው ሾሞንተኸ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዂሎም ሰብ ዚበዝሕ ሓጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩ፧ | 
| 5. | ኣይፋሎም፡ እነ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኲላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። | 
| 6. | እዚ ምስላዚ ኸኣ በለ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን። | 
| 7. | ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ እንሆ፡ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ እናደሌኹ ሰለስተ ዓመት መጺኤ፡ ኣይረኸብኩላን። ቊረጻ፡ ስለምንታይከ ንምድሪ ተበላሹ ኣላ፧ በሎ። | 
| 8. | ንሱ ግና፡ ጐይታይ፡ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዂስኲሳ፡ ድኸዒ ኽሳዕ ዝድኲዓ፡ እዛ ዓመት እዚኣ ድማ ሕደጋ። | 
| 9. | ንዓመታ እንተ ፈረየት፡ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ሽዑ ትቘርጻ፡ ኢሉ መለሰሉ። | 
| 10. | ብሰንበት ኣብ ሓንቲ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ። | 
| 11. | እንሆ፡ ኣብኣ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ መንፈስ ድኻም ዝሐደራ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ጕቢጣ ነበረት፡ ክትቀንዕውን ከቶ ኣይተኻእላን። | 
| 12. | የሱስ ምስ ረኣያ፡ ጸዊዑ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ሕማምኪ ተፈቲሕኪ ኣሎኺ፡ በላ። | 
| 13. | ኢዱ ኣንበረላ፡ ብኡብኡ ቐንዔት፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነቶ። | 
| 14. | እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ፡ የሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ዀርዩ፡ ነቶም ህዝበ፡ ኪዕየየን ዚጋእ ሹድሽተ መዓልቲ ኣለዋኹም። እምብኣርከ ብኣታተን መጺእኩም ተፈወሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሎም። | 
| 15. | ጐይታ ግና፡ ኣታ ግቡዝ፡ ካባኻትኹምከ ዂሉ ሰብዶ ንብዕራዩ ወይስ ኣድጉ ብሰንበት ካብ ማእሰሩ ኣይፈትሖን እዩ፧ ኬስትዮስ የውርዶ ደይኰነን፧ | 
| 16. | እንሆ፡ እዛ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ ኻብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመኦኣልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግባእን እዩ፧ ኢሉ መለሰሉ። | 
| 17. | እዚ ምስ በለ፡ እቶም እተበኣስዎ ዂሎም ሓፈሩ። በቲ ብእኡ እተገብረ ዂሉ መስትንክር ዝዀነ ግብርታት ከኣ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ተሐጐሰ። | 
| 18. | ድሕርዚ በለ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ትመስል፧ ብምንታይሲ ኽምስላ እየ፧ | 
| 19. | ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። በቘለት ዓባይ ኦምውን ኰነት፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ኣብ ጨናፍራ ቤተን ሰርሓ። | 
| 20. | ከም ብሓድሽ ድማ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክምስላ እየ፧ | 
| 21. | ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኲሉ ኽሳዕ ዚበኲዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቚ እያ እትመስል፡ በለ። | 
| 22. | ኣብ ከተማታትን ኣብ ዓድታትን እናመሀረ ይመላለስ ነበረ። መገዱ ኸኣ ንየሩሳሌም ገጹ ኣቕኒዑ ነበረ። | 
| 23. | ሓደ ሰብኣይ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ሒደት ድዮም ዚድሕኑ፧ በሎ። | 
| 24. | ንሱ ኸኣ በሎም፡ ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ። | 
| 25. | ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ፡ ሽዑ ኣብ ወጻኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና፡ እናበልኩም ማዕጾ ዃሕኳሕ ከተብሉ ኢኹም። ንሱ ኸኣ፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ኢሉ ኺመልሰልኩም እዩ። | 
| 26. | ሽዑ፡ ኣብ ቅድሜኻ ባሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻውን ኣብ ገዛና ምሂርካ፡ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም። | 
| 27. | ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዂላትኩም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ካባይ ርሐቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኪብል እዩ። | 
| 28. | ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ንዂሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ርኤኹምዎም፡ ንስኻትኩም ግና ኣብ ወጻኢ ተደርቢኹም፡ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። | 
| 29. | ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኺመጹ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽውን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። | 
| 30. | እንሆ ድማ፡ ቀዳሞት ዚዀኑ ዳሕሮት ኣለዉ፡ ዳሕሮት ዚዀኑ ቐዳሞትውን ኣለዉ። | 
| 31. | በታ ጊዜ እቲኣ ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን፡ ሄሮድስ ኪቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ውጻእ፡ ካብዚ ኣግልስ፡ ኢሎም ናብኡ መጹ። | 
| 32. | ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኬድኩም ነዛ ወኻርያ፡ እንሆ፡ ሎምን ጽባሕን ኣጋንንቲ ኤውጽእ ኤሕዊ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ እውደእ ኣሎኹ። | 
| 33. | ነብዪ ግና ብዘይ ኣብ የሩሳሌም ኣይቕተልን እዩ እሞ፡ ሎምን ጽባሕን ድሕሪ ጻባሕን ክመላለስ ይግብኣኒ እዩ፡ በልዋ። | 
| 34. | የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ንነብያት እትቐትሊ፡ ናባኺ ንተላእኩውን ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ድርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዝይደሌኹ እሞ ኣቤኸም። | 
| 35. | እንሆ፡ ቤትኩም ክትዖኑ እያ። ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ እትብሉሉ ዘመን ክሳዕ ዚመጽእውን፡ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። | 
| ← Luke (13/24) → |