← Luke (12/24) → |
1. | ኣእላፋት ህዝቢ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚራገጹ፡ ምስ ተኣከቡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸብሎም ጀመረ፡ ቅድሚ ዂሉ ኻብ ማይ ብሑቚ ፈሪሳውያን፡ ንሱ ድማ ግብዝና፡ ርእስኹም ሐልዉ። |
2. | ግናኸ ስውር ዘይቅላዕ፡ ሕቡእውን ዘይፍለጥ የልቦን። |
3. | ስለዚ ኣብ ጸልማት እተዛረብኩምዎ ዘበለ ኣብ ብርሃን ኪስማዕ፡ ኣብ ውሽጢ ብሕሽዂሽዂ ኣብ እዝኒ እተዛረብኩምዎ ድማ ኣብ ናሕስታት ኪስበኽ እዩ። |
4. | ንኣኻትኩም ነዕሩኸይ እብለኩም ኣሎኹ፡ ስጋ ንዚቐትሉ፡ ድሕርቲ ኻብኡ ንንየው ዚገብርዎ ንዜብሎም ኣይትፍርህዎም። |
5. | ንመን ከም እትፈርሁ ግና ከርእየኩም፡ ነቲ፡ ምስ ቀተለስ፡ ኣብ ገሃነም ኪድቢ ስልጣን ዘለዎ፡ ንእኡ ፍሩ። እወ፡ ንእኡ ፍርህዎ፡ እብለኩም ኣሎኹ። |
6. | ሓሙሽተ ዕፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ። |
7. | ንስኻትኩምሲ ዂለን ጸጒሪ ርእስኹም እኳ ቚጹራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ። |
8. | ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዚእመነኒ ዂሉ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪእመኖ እዩ። |
9. | እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዚኽሕደኒ ግና ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪከሐድ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። |
10. | ኣብ ወዲ ሰብ ዘረባ ዝበለ ዂሉ ኸኣ ይሕደገሉ፡ ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ግና፡ ኣብዚኣ ዀነ ወይስ ኣብታ እትመጽእ ዓለም፡ ኣይሕደገሉን እዩ። |
11. | ናብ ኣባይቲ ጸሎትን ናብ መኳንንትን ገዛእትን እንተ ወሰዱኹም፡ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ምዝራብ ከም ዚግባእ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪምህረኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትመልሱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ። |
12. | ናብ ኣባይቲ ጸሎትን ናብ መኳንንትን ገዛእትን እንተ ወሰዱኹም፡ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ምዝራብ ከም ዚግባእ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪምህረኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትመልሱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ። |
13. | ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ፡ መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ በለለይ፡ በሎ። |
14. | ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይሙኒ፧ በሎ። |
15. | ንሱ ኸኣ፡ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኲሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም። |
16. | ከምዚ ኢሉ ኸኣ ምስላ ነገሮም፡ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። |
17. | ብልቡ ኸኣ፡ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ኢሉ ሐሰበ። |
18. | ንሱ ድማ፡ ከምዚ እገብር፡ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ፡ ኣግፊሔ እሰርሖ፡ ኣብኡ ኸኣ ኲሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ። |
19. | ንነፍሰይውን፡ ኣቲ ነፍሰይ፡ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ ኣሎኪ እሞ ዕረፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሐጐሲ፡ እብላ፡ በለ። |
20. | ኣምላኽ ግና፡ ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ኻባኻ ኺወስድዋ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ። |
21. | እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ። |
22. | ንደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፡ ካብ ምግቢ ህይወት ትዐቢ፡ ካብ ክዳንውን ስጋ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎ ኣይትጨነቑ፡ እብልኩም ኣሎኹ። |
23. | ንደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፡ ካብ ምግቢ ህይወት ትዐቢ፡ ካብ ክዳንውን ስጋ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎ ኣይትጨነቑ፡ እብልኩም ኣሎኹ። |
24. | ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉ፡ ኣምላኽ ይቕልቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ ኣይዐጽዱ፡ ማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣዚኹም ዘይትበልጹ። |
25. | ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብታ ቚመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ |
26. | እዚ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉስ፡ ንምንታይ ደኣ ብኻልእ እትጭነቑ፧ |
27. | ዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዪ ኣስተብህሉ፧ ኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። ሰሎሞን እኳ በቲ ዂሉ ኽብረቱ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣይተኸድነን፡ እብለኩም ኣሎኹ። |
28. | ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ በረኻ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነስ፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩም ግዳ ኸመይ ኣብዚሑ ዘይከድነኩም፧ |
29. | ንስኻትኩም ከኣ እትበልዕዎን እትሰትይዎን ኣይትደለዩን ኣይትጨነቑን። |
30. | ነዚ ዂሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም እሞ፡ እዚ ዂሉ ዜድልየኩምሲ፡ ኣቦኹም ይፈልጦ እዩ። |
31. | መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ድለዩ፡ እዚ ዂሉ ድማ ኪውሰኸልኩም እዩ። |
32. | ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ። |
33. | ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሀቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፋዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ። |
34. | ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሀቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፋዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ። |
35. | ሓቛቚኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። |
36. | ንስኻትኩም፡ ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚምለስ ዚጽበዩ እሞ፡ መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡብኡ ዚኸፍቱሉ ሰባት ምሰሉ። |
37. | እቶም፡ ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ፡ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። ተዐጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። |
38. | ኣብ ካልኣይቲ ወይስ ሳልሰይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸምዚ እንተ ረኸቦም፡ እቶም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። |
39. | ግናኸ እዚ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት፡ ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ። |
40. | ንስኻትኩም ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ እተዳሎኹም ኩኑ። |
41. | ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ እዚ ምስላዝስ ንኣና ዲኻ እትብሎ ዘሎኻ ወይስ ንዂሉ ኢኻ፧ በሎ። |
42. | ጐይታ ኸኣ በለ፡ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ፡ ቀለቦም በብጊዜኡ ኺህቦም፡ ጐይታኡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞስ መን እዩ፧ |
43. | እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚጸንሖ ባርያ ብጹእ እዩ። |
44. | ኣብ ብዘሎ ጥሪቱ ኸም ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። |
45. | እቲ ባርያ ብልቡ፡ ምእታው ጐይታይ ይድንጒ እዩ፡ እንተ በለ ግና፡ ምግራፍ እቶም ገላውን ኣግራድን ምብላዕን ምስታይን ምስካርን ይጅምር፡ |
46. | ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ፡ ብዘይፈለጣ ሰዓት ኪመጽእ፡ ቈራሪጹ ኸኣ ግዲኡ ምስቶም ዘይኣምኑ ኺገብሮ እዩ። |
47. | እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፡ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ባርያ ብዙሕ መግረፍቲ ኺግረፍ እዩ። |
48. | እቲ ኸይፈለጠ ንመግረፍቲ ዚግብኦ ዝገበረ ግና ሒደት እዩ ዚግረፍ። ብዙሕ ንዝሀብዎ ብዙሕ ይደልይዎ፡ ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ እዮም። |
49. | ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ፡ ሕጅስ ብጀካ ምንዳዱ እንታይ እደሊ ኣሎኹ፧ |
50. | ዝጥመቓ ጥምቀት ግና ኣላትኒ፡ ክሳዕ እትፍጸምሲ ኸመይከ ዘይጸበኒ። |
51. | ናብ ምድሪዶ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ይመስለኩም ኣሎ፧ ምፍልላይ ደኣ እምበር፡ ኣይኰነን፡ እብለኩም ኣሎኹ። |
52. | ካብ ሕጂ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ዀኑ፡ ሰለስተ ኻብ ክልተ፡ ክልተ ድማ ካብ ሰለስተ ኺፋላለዩ እዮም። |
53. | ኣቦ ኻብ ወዱ፡ ወዲውን ካብ ኣቦኡ። ኣደ ኻብ ጓላ፡ ጓላውን ካብ ኣዲኣ፡ ሓማት ካብ መርዓት ወዳ፡ መርዓት ወዲውን ካብ ሓማታ ኺፋላለዩ እዮም። |
54. | ነቶም ህዝቢ ድማ በሎም፡ ደበና ኻብ ምዕራብ ኪዳባኖ ኸሎ ምስ ርኤኹም፡ ሽዑ፡ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ ኢኹም፡ ከምኡ ኸኣ ይኸውን። |
55. | ንፋስ ደቡብ ኪነፍስ ምስ ርኤኹምውን፡ ሃሩር ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ፡ ከምኡ ድማ ይኸውን። |
56. | ኣቱም ግቡዛት፡ ምምርማር ገጽ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፡ ከመይ ደኣ ነዚ ዘመን እዝስ ዘይትምርምርዎ፧ |
57. | ስለምንታይከ ባዕላትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ፡ |
58. | ምስ መባእስትኻ ናብ ሹም እንተ ኸድካ፡ ኣብ ፈራዲ ኸየብጽሓካ፡ እቲ ፈራዲኸኣ ንግልያኡ ኣሕሊፉ ኸይሀበካ፡ እቲ ግልያኡውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ፡ ኣብ መገዲ ኸሎኻ ምስኡ ንምትዕራቕ ተጋደል። |
59. | እንተ ዘይኰነስ፡ እታ መወዳእታ ለብጦን ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኡ ኣይክትወጽእን ኢኻ፧ እብለካ ኣሎኹ። |
← Luke (12/24) → |