Luke (11/24)  

1. ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ፡ ምስ ወድኤ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ ጐይታይ፡ ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሀሮም፡ ምጽላይ ምሀረና፡ በሎ።
2. ንሱ ኸኣ በሎም፡ ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።
3. ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሀበና።
4. ንሕና ንዝበደሉና ዂሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ፡ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ በሉ።
5. በሎም ድማ፡ መን እዩ ኻባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎ፡ ፈረቓ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፡ ዓርከይ፡ ፈታዊ ኻብ መገዲ መጺኡንስ፡ ዝቕርበሉ ስኢነ እሞ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፡ እንተ በሎ፡
6. በሎም ድማ፡ መን እዩ ኻባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎ፡ ፈረቓ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፡ ዓርከይ፡ ፈታዊ ኻብ መገዲ መጺኡንስ፡ ዝቕርበሉ ስኢነ እሞ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፡ እንተ በሎ፡
7. እቲ ኸኣ ካብ ውሽጢ መሊሱ፡ ኣይተድክመኒ፡ ሕጂ ማዕጾ ተሸጒሩ፡ ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት እዮም ዘለዉ፡ ተንሲኤ ኽህበካ ኣይዀነለይን፡ ይብሎ።
8. ዓርኩ ስለ ዝዀነ ኺህቦ እኳ እንተ ዘይተንስኤ፡ ምእንቲ ድቃስ ከይኸልኦ ኢሉ ይትንስእ እሞ ዝደለዮ ይህቦ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
9. ኣነ ኸኣ፡ ዚልምን ዘበለ ይቕበል፡ ዚደሊ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ኺወሀበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
10. ኣነ ኸኣ፡ ዚልምን ዘበለ ይቕበል፡ ዚደሊ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ኺወሀበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
11. ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፡ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፡
12. ወይስ እንቋቚሖ እንተ ለመኖ፡ ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧
13. እምብኣርሲ ስኻትኩም እኳ ክፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧
14. ንሱ ዓባስ ጋኔን የውጽእ ነበረ። ኰነ ድማ፡ እቲ ጋኔን ምስ ወጸ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ተገረሙ።
15. ገሊኦም ግና፡ ነጋንንቲ ብብኤልዜቡል፡ በቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉ።
16. ካልኦት ከኣ ኺፍትንዎ፡ ካብኡ ትእምርቲ ኻብ ሰማይ ይደልዩ ነበሩ።
17. ንሱ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ዘበለት መንግስቲ ትጠፍእ፡ ቤት ድማ ንርእሳ እተፈላለየት፡ ትወድቕ እያ።
18. ኣነ ነጋንንቲ ብብኤልዜቡል ከም ዘውጽኦም ካብ እትብሉስ፡ ሰይጣን ንርእሱ እንተ ተፋላለየ ደኣ፡ እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧
19. ኣነ ነጋንንቲ ብብኤልዜብል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩስ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪዀኑ እዮም።
20. ኣነ ነጋንንቲ በጻብዕ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣባኻትኩም በጽሔት።
21. እቲ ሓያል ሰብ፡ ኣጽዋሩ ሒዙ ገዛኡ እንተ ሐለወ፡ ብዘሎ ጥሪቱ ደሓን ይኸውን።
22. ካብኡ ዚሕይል መጺኡ እንተ ሰዐሮ ግና፡ ነቲ ዚእመኖ ዝነበረ ኣጽዋሩ ይገፎ፡ ነቲ ዝበዝበዞውን ይማቐሎ።
23. ምሳይ ዘይኰነ፡ ንሱ መቓናቕንተይ እዩ። ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይዘሩ።
24. ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ናብ ኣጻምእ ቦታ ይኸይድ እሞ እንተ ዘይረኸበ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል።
25. ምስ መጸ ድማ፡ ተዀስቲራን ተሰሊማን ትጸንሖ።
26. ሽዑ ንሱ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ኻልኦት ሾብዓተ መናፍስቲ ኸኣ ምስኡ ይማላእ፡ ኣትዮም ኣብኣ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ይገዶ።
27. ኰነ ድማ፡ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓንቲ ሰብይቲ ቓላ ዓው ኣቢላ፡ ዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብጹኣን እየን፡ በለቶ።
28. ንሱ ግና፡ ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልዉዎን ደኣ እዮም፡ በላ።
29. እቶም ህዝቢ ምስ ተኣከቡ ድማ፡ ኪብል ጀመረ፡ እዚ ወለዶ እዚ ሕሱም እዩ፡ ትእምርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ትእምርቲ ኣይውሀቦን።
30. ከምቲ ዮናስ ንስብ ነነዌ ትእምርቲ ዝዀኖም፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ነዚ ወለዶ እዚ ኪዀኖ እዩ።
31. ንግስቲ ኣዜብ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ እያ እሞ፡ ብፍርዲ ምስ ሰብ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኣ ኽ ትኵንኖም እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ ኣሎ።
32. ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኦም ኪዂንንዎም እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዐቢ ኣብዚ ኣሎ።
33. ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃኑ ምእንቲ ኺርእዩ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል እምበር፡ ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዜንብሮ የልቦን።
34. ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ኲሉ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ስጋኻ ድማ ጸልማት ይኸውን።
35. እምብኣርከ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃንሲ ጸልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ።
36. ኲሉ ስጋኻ ገለ ቕሩብ ጸልማት ዜብሉ ብሩህ እንተ ዀነ፡ ከምቲ መብራህቲ ብድሙቕ ብርሃን ዜብርሃልካ፡ ኲሉ ስጋኻ ብሩህ ኪኸውን እዩ።
37. ኪዛረብ ከሎ፡ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኺምሳሕ ጸውዖ። ኣትዩ ኸኣ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ።
38. እቲ ፈሪሳዊ ቕድሚ ምሳሕ ኢዱ ዘይምጻቡ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ።
39. ጐይታ ኸኣ በሎ፡ ሕጂ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ተጽርዩ፡ ከብድኹም ግና ከትርን ክፍኣትን ምሉእ እዩ።
40. ኣቱም ዓያሱ፡ እቲ ናይ ዝባኑ ዝገበረ ነቲ ናይ ውሽጡስ ኣይገበረንዶ፧
41. ግናኸ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምጽዋት ህቡ፡ እንሆ፡ ሽዑ ዂሉ ጽሩይ ይዀነልኩም።
42. ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኲሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡ፡ ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ኸይሐደግኩምሲ እዚውን ክትገብሩ ይግብኣኩም ነይሩ።
43. ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ዕዳጋውን ምስላም ትፈትዉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።
44. ኣቱም ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ከም ዘይርኤን፡ ሰብ ከይፈለጦ ብልዕሉኡ ዚረግጾን መቓብር ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።
45. ካብቶም ፈለጥቲ ሕጊ ሓደ መሊሱ፡ መምህር፡ እዚ ብምባልካስ ንኣናውን ትጸርፈና ኣሎኻ፡ በሎ።
46. ንሱ ኸኣ በለ፡ ንስኻትኩም ፈለጥቲ ሕጊ ድማ፡ ንሰብ ከቢድ ጾር ተሰክምዎ፡ ባዕላትኩም ግና ነቲ ጾር ብሓንቲ ኣጻብዕኩም እኳ ኣይትትንክይዎን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።
47. ንስኻትኩም መቓብር ነብያት ትሰርሑ ኣሎኹም፡ ኣቦታትኩምውን ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹም።
48. ንሳቶም ቀቲሎምዎም እዮም፡ ንስኻትኩም ድማ መቓብሮም ትሰርሑ ኣሎኹም እሞ፡ ከምኡ ነዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ኣቦታትኩምውን ትሰምርዎ ኣሎኹም።
49. ስለዚ ድማ ጥበብ ኣምላኽ በለት፡ ነብያትን ሃዋርያትን ናባታቶም እልእኽ ኣሎኹ፡ ንሓያሎ ኻባታቶም ከኣ ይቐትሉን ይሰጒዎምን ኣለዉ።
50. ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ዘካርያስ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኲሎም ነብያት ካብዚ ወለዶ እዚ ኺድለ እዩ። እወ፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ኸድለ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
51. ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ዘካርያስ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኲሎም ነብያት ካብዚ ወለዶ እዚ ኺድለ እዩ። እወ፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ኸድለ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
52. ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊ፡ መርሖ ፍልጠት ወሲድኩምሲ፡ ንስኻትኩም ኣይኣቶኹምን፡ ነቶም ኪኣትዉ ዝደለዩ ድማ ከልኪልኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።
53. እዚ ምስ ተዛረበ፡ እቶም ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ብጽኑዕ ኪቕየምዎ ጀመሩ።
54. ምእንቲ ኪኸስዎ ኸኣ፡ ካብ ኣፉ ገለ ዘረባ ቘጠፉ ደልዮም እናተጻናተዉ ብዙሕ ዘረባ ይሐትዎ ነበሩ።

  Luke (11/24)