Luke (10/24)  

1. ድሕርዚ ጐይታ ድማ ካልኦት ሰብዓ ሰርዔ፡ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ፡ ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም።
2. በሎም ከኣ፡ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ፡ ለምንዎ።
3. መገድኹም ኪዱ። እንሆ፡ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ።
4. ማሕፋዳን ለቘታን ኣሳእንን ኣይትማልኡ፡ ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ።
5. ኣብ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ቅድም፡ ነዛ ቤት እዚኣ ሰላም ይኹን፡ በሉ።
6. ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኣ ኺሐድር እዩ፡ እንተ ዜልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ።
7. ኣብታ ቤት ከኣ ንበሩ፡ ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣባታቶም ካብ ዘሎ ብልዑን ስተዩን። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ።
8. ኣብ ዝኣቶኹምዎ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም፡ ዝቐረቡልኩም ብልዑ።
9. ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ፡ ከኣ በልዎም።
10. ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ኸተማ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፡ ናብ ኣደባባያ ወጺእኩም፡
11. እቲ ኻብ ከተማኹም ዝለገበና ተጐጓ እኳ ንነግፈልኩም ኣሎና። እታ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ግና፡ እዚ ፍለጡ፡ በሉ።
12. በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንሶዶም ከም ዚቐልል፡ እብለኩም ኣሎኹ።
13. ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተሳይዳ፡ እዚ ኣባኻትክን እተገብረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ማቕ ተኸዲነን ኣብ ሓሙዅስቲ ተቐሚጠን ቀደም ምተነስሓ ነይረን።
14. ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ኪቐልል እዩ።
15. ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ንስኺኸ ኽሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦልከስ ከተንከራርዊ ኢኺ።
16. ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆ።
17. እቶም ሰብዓ ልኡኻት ከኣ፡ ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና ኣለዉ፡ እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱ።
18. በሎም፡ ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ።
19. እንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ኲሉ ሓይሊ ጽላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም ኣሎኹ፡ ዚጐድኣኩም ከኣ የልቦን።
20. ግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም፡ በዚ ኣይትተሐጐሱ።
21. በታ ጊዜ እቲኣ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሐጐሰ፡ በለውን፡ ኣቦይ ጐያ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ እወ ኣቦይ፡ ስምረትካ ኣብ ቅድሜኻ ኸምዚ ስለ ዝዀነ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ።
22. ኲሉ ኻብ ኣቦይ ተዋህበኒ። ንወዲ መን ምዃኑ፡ በዝይ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ኸኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን።
23. ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖም፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ኪርእይዎ ደልዮምሲ ኣይረኣይዎን፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ብጹኣን እየን፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
24. ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖም፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ኪርእይዎ ደልዮምሲ ኣይረኣይዎን፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ብጹኣን እየን፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
25. እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ፡ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ኺፍትኖ ተንስኤ።
26. ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ሕጊ እንታይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ከመይሲ ተንብብ፡ በሎ።
27. ንሱ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ሓይልኻን ብዂሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
28. ንሱ ኸኣ፡ ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ በሎ።
29. ንሱ ግና ርእሱ ኼጽድቕ ደልዩ፡ ንየሱስ፡ ብጻየይከ መን እዩ፧ በሎ።
30. የሱስ መሊሱ በለ፡ ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምውት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ።
31. ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ኻህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሐለፈ።
32. ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሔ፡ እናረኣዮ ሐለፈ።
33. ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረኣዮ ኸኣ ደንገጸሉ።
34. ናብኡ ቐሪቡ ኣቚሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ኣለዮ።
35. ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፡ ተኸናኸኖ፡ ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኽፈድየካ እየ፡ በሎ።
36. ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧
37. ንሱ ድማ፡ እቲ ምሕረት ዝገበረሉ፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበር፡ በሎ።
38. ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ። ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ።
39. ማርያም እትብሀል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት።
40. ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራ፡ በለቶ።
41. የሱስ ድማ፡ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጒህይን ኣሎኺ።
42. እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ ኣላ፡ ኢሉ መለሰላ።

  Luke (10/24)