Luke (1/24)  

1. ነዚ ኣባና ብርግጽ እተኣምነ ነገር ዛንታኡ ኺጽሕፉ ብዙሓት ካብ ዚጅምሩ፡
2. እቶም ካብ መጀመርታ በዒንቶም ዝረኣዩን ኣገልገልቲ እቲ ቓል ዝነበሩን ከም ዝነገሩና፡
3. ኣታ ኽቡር ቴዎፍሎስ፡ ኣነ ኸኣ ንዂሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ስዒበዮ እየ እሞ፡ ሓቂ እቲ እተምሀርካዮ ምህሮ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ በብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረኣየኒ ኣሎ።
4. ኣታ ኽቡር ቴዎፍሎስ፡ ኣነ ኸኣ ንዂሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ስዒበዮ እየ እሞ፡ ሓቂ እቲ እተምሀርካዮ ምህሮ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ በብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረኣየኒ ኣሎ።
5. ብዘመን ሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ ክፍሊ ኣብያ ዘካርያስ ዚብሀል ካህን ነበረ። ካብ ኣዋልድ ኣሮን ከኣ ኤልሳቤጥ እትብሀል ሰበይቲ ነበረቶ።
6. ክልቲኦም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ነበሩ። ብዂሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕጋጋቱን ብዘይ ጒድለት ዚኸዱ ነበሩ።
7. ኤልሳቤጥ መኻን ነበረት እሞ፡ ውሉድ ኣይነበሮምን፡ ክልቲኦም ድማ ዕለቶም ዝሐለፈ ኣረገውቲ ነበሩ።
8. ኰነ ድማ፡ ብተራ ወገኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግብሪ ኽህነት ኪገብር ከሎ፡
9. ከም ልማድ ካህናት ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኣትዩ ዕጣን ኪዐጥን ብዕጭ በጽሖ።
10. በቲ ጊዜ ዕጣን ከኣ ኲሉ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ብወጻኢ ዀይኑ ይጽሊ ነበረ።
11. በቲ ወገን የማን መሰውኢ ዕጣን ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ተራእዮ።
12. ዘካርያስ ከኣ ርእይዎ ሰምበደ ፍርሃትውን ወደቖ።
13. እቲ መልኣኽ ድማ በሎ፡ ዘካርያስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፡ ስሙውን ዮሃንስ ክትሰምዮ ኢኻ።
14. ንሱ ሓጐስን ተድላን ኪዀነልካ እዩ፡ ብልደቱ ኸኣ ብዙሓት ኪሕጐሱ እዮም።
15. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ወይንን ዜስክር መስተን ከኣ ከቶ ኣይኪሰትን እዩ። ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ዀሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪመልኦ እዩ።
16. ንብዙሓት ካብ ደቂ እስራኤልውን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኪመልሶም እዩ።
17. ንሱ ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኬዳሉ፡ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፡ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ኪመልስ፡ ብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቅድሚኡ ኪኸይድ እዩ።
18. ዘካርያስ ከኣ ነቲ መልኣኽ፡ ኣነ ኣሪገ እየ፡ ሰበይተይ ከኣ ዕለታ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ነዚ ብምንታይ ክፈልጦ እየ፧ በሎ።
19. እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውም ገብርኤል እየ፡ ክዛረበካን እዚ ድማ ከብስረካን እየ ናባኻ እተለኣክኩ።
20. እንሆ ኸኣ፡ ነቲ ብጊዜኡ ዚፍጸም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ፡ ክሳብ እታ እዚ ነገርዚ ዚዀነላ መዓልቲ ዓባስ ክትከውን ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ።
21. እቶም እኩባት ሰብ ከኣ ንዘካርያስ ይጽበይዎ ነበሩ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ኣስተንከሮም።
22. ምስ ወጸ ድማ፡ ኪዛረቦም ኣይከኣለን። ሽዑ ኣብ መቕደስ ራእይ ከም ዝረኣየ ፈለጡ። ንሱ ድማ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ ዓባስ ኰይኑውን ይነብር ነበረ።
23. ኰነ ድማ፡ ቅነ ምግልጋሉ ምስ ኣብጽሔ፡ ናብ ቤቱ ኸደ።
24. ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኤን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፡ ጐይታይ ንኣይ ብዝረኣየለን መዓልትታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኼርሕቕ፡ ከምዚ ገበረለይ፡ ኢላ ሓሙሽተ ወርሒ ነፍሳ ሐብኤት።
25. ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኤን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፡ ጐይታይ ንኣይ ብዝረኣየለን መዓልትታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኼርሕቕ፡ ከምዚ ገበረለይ፡ ኢላ ሓሙሽተ ወርሒ ነፍሳ ሐብኤት።
26. ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሀል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሀል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ።
27. ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሀል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሀል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ።
28. እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፡ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ።
29. ንሳ ድማ ረኣየቶ፡ በቲ ዘረባኡ ሰምበደት፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፡ ኢላውን ሐሰበት።
30. እቲ መልኣኽ ከኣ በላ፡ ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ።
31. እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ።
32. ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ።
33. ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።
34. ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፡ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፧ በለቶ።
35. እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሀል እዩ።
36. እንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ፡ ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ ኣብ እርግንኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፡ ነታ መኻን እትበሃል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።
37. እንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ፡ ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ ኣብ እርግንኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፡ ነታ መኻን እትበሃል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።
38. ማርያም ከኣ፡ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ።
39. በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስኤት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት።
40. ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ።
41. ኰነ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዔት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ፡
42. ብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፡ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ።
43. ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧
44. እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ብሓጐስ ተሰራሰረ።
45. እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ።
46. ማርያም ድማ በለታ፡ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡
47. መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዂሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም።
48. መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዂሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም።
49. መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዂሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም።
50. ምሕረቱውን ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
51. ሓይሊ ብቕልጽሙ ገበረ፡ ንዂሩዓት ብሓሳብ ልቦም ዘረዎም።
52. ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም፡ ንተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም።
53. ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽገቦም፡ ንሃብታማትውን ጥራይ ኢዶም ሰደዶም።
54. ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ።
55. ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ።
56. ማርያም ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ዚኣክል ምስኣ ወርሔት፡ ደሓር ከኣ ናብ ቤታ ተመልሰት።
57. ኤልሳቤጥ ክትወልድ ኣዋርሓ በጽሔ ወዲውን ወለደት።
58. ጐረባብታን ኣዝማዳን ድማ፡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፡ ምስኣ ተሐጐሱ።
59. ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ነቲ ሕጻን ኪገዝርዎ መጹ፡ ብስም ኣቦኡ ኸኣ ዘካርያስ ሰመይዎ።
60. ሽዑ ኣዲኡ፡ ኣይፋሉን፡ ዮሃንስ እዩ ዚስመ፡ ኢላ መለሰት።
61. ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ዓሌትኪ በዚ ስም እዚ እተሰምየ የልቦን፡ በልዋ።
62. ነቦኡ ድማ፡ እንታይ ኪስመ ኸም ዚደሊ፡ እናኣመልከቱ ሐተትዎ።
63. ንሱ ንእሽቶ ሰሌዳ ለሚኑ፡ ስሙ ዮሃንስ እዩ፡ ኢሉ ጸሐፈ። ኲሎም ከኣ ተገረሙ።
64. ብኡብኡ ኣፉ ተኸፍተ፡ ልሳኑውን ተፈትሔ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ኸኣ ተዛረበ።
65. ኣብ ኲሎም ጐረባብቶም ከኣ ፍርሃት ኰነ፡ ብዘሎ እዚ ነገርዚ ኣብ ኲላ ዝባን ይሁዳ ተወርየ፡
66. ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ፡ እዚ ሕጻን እዝስ እንታይ ኰን ኪኸውን እዩ፧ ኢሎም ኣብ ልቦም ሐዝዎ። ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረት።
67. ነቦኡ ዘካርያስ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ከምዚኢሉውን ተነበየ፡
68. ንህዝቡ ስለ ዝበጽሖምን እተበጀዎምን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።
69. ከምቲ በቶም ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ብኣፍ ቅዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቀርኒ ምድሓን ኣተንስኣልና፡
70. ከምቲ በቶም ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ብኣፍ ቅዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቀርኒ ምድሓን ኣተንስኣልና፡
71. ካብ ጸላእትናን ካብ ኢድ ኲሎም ዚጸልኡናን ኬድሕነና፡
72. ምስ ኣቦታትና ምሕረት ኪገብር፡ ነቲ ቅዱስ ኪዳኑ ኺዝክሮ፡
73. እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሐለሉ ማሕላ ኺህበና፡
74. ብቕድስናን ብጽድቅን ብዂሉ ዕለትና ኣብ ቅድሚኡ ኻብ ኢድ ጸላእትና ድሒንና ብዘይ ፍርሃት ከነምልኾ ኢና።
75. ብቕድስናን ብጽድቅን ብዂሉ ዕለትና ኣብ ቅድሚኡ ኻብ ኢድ ጸላእትና ድሒንና ብዘይ ፍርሃት ከነምልኾ ኢና።
76. ኣታ ሕጻን፡ ንስኻ ድማ ንህዝቡ ብሕድገት ሓጢኣቶም ፍልጠት ምድሓን ክትህቦም፡ መገዱ ኸተቕንዕ፡ ቀቅድሚ ጐይታ ኽትከይድ ኢኻ እሞ፡ ነብዪ ልዑል ክትብሀል ኢኻ።
77. ኣታ ሕጻን፡ ንስኻ ድማ ንህዝቡ ብሕድገት ሓጢኣቶም ፍልጠት ምድሓን ክትህቦም፡ መገዱ ኸተቕንዕ፡ ቀቅድሚ ጐይታ ኽትከይድ ኢኻ እሞ፡ ነብዪ ልዑል ክትብሀል ኢኻ።
78. ነእጋርና ናብ መገዲ ሰላም ኬቕንዕ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ኣብ ድነ ሞት ተቐሚጦም ዘለዉ ኼብርህ፡ ስለ ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና፡ ብእኡ ኻብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ኪበጽሓና እዩ።
79. ነእጋርና ናብ መገዲ ሰላም ኬቕንዕ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ኣብ ድነ ሞት ተቐሚጦም ዘለዉ ኼብርህ፡ ስለ ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና፡ ብእኡ ኻብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ኪበጽሓና እዩ።
80. እቲ ሕጻን ዐበየ፡ ብመንፈስ ከኣ ደልደለ። ክሳዕ እታ ንእስራኤል እተገልጸላ መዓልቲውን ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ።

      Luke (1/24)