Leviticus (9/27)  

1. ኮነ ድማ፡ ሙሴ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ጸውዖም።
2. ንኣሮን ከኣኣ በሎ፡ ጎደሎ ዜብሎም ተባዕታይ ጣዕዋ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓደ ድዑል ከኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ወሲድካ ናብ ደቂ እግዚኣብሄር ኣቕርብዎ።
3. ንደቂ እስራኣኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ንመስዋእቲ ሓጢአት ሓደቤላ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ድማ ሓዳ ታዕዋን ሓደ ገንሸልን፡ ዓመት ዝገበሩ ጎደሎ ዜብሎም ውሰዱ።
4. ሎሚ እግዚኣብሄር ከረአየኩም እዩ ኣሞ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ሓደ ዝራብዕ ሓደ ድዑልን ዘይቲ እተኻዕዎ መስዋእቲ ብልዕን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰውኡ።
5. እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣምጽኦ። ኩሉ እቲ ኣኤባ ድማ ቀሪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክትገብርው ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ኪረኣየኩም እዩ በለ።
6. ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ ናብ መሰውኢ ቐሪብካ ናይ ሓጢኣት መስዋእትኻን ዚሐርር መስዋእትኻን ሰውእ፡ ንርእስኻን ንህዝብን ከአ ኣተዐርቕ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፡ መስዋእቲ ህዝቢ ሰውእ፡ እተዐረቖምውን፡ በሎ።
7. ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ ናብ መሰውኢ ቐሪብካ ናይ ሓጢኣት መስዋእትኻን ዚሐርር መስዋእትኻን ሰውእ፡ ንርእስኻን ንህዝብን ከአ ኣተዐርቕ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፡ መስዋእቲ ህዝቢ ሰውእ፡ እተዐረቖምውን፡ በሎ።
8. ሽዑ ኣሮን ናብ መሰውኢ ቐረበ እሞ ነቲ ምእንታኡ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝነበረ ጣዕዋ ሓረዶ።
9. ደቂ ኣሮን ድማ እቲ ደም ኣቕረቡሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣጻብዑ ኣብ ደም ጠሚዑ ኣቕርንቲ መሰውኢ ለኸየ፡ ነቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ኸዐዎ።
10. ናይቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ስብሕን ኮላሊትን ቋንጢጥ ከብድን ግና፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ።
11. ስጋኡን ቆርበቱን ከኣኣ ኣብ ወጻኣኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ።
12. ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ድማ ሓረደ። ደቂ ኣሮን ከኣ እቲ ደም ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ።
13. ነቲ ዚሓርር መስዋኣቲ በብቑራጹ፡ ነቲ ርእሱ ድማ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ኸኣኣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣሕረሮ።
14. ንናውቲ ኸብድን ነእጋርን ሓጺቡ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ቲ ዚሓርር መስዋኣቲ ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ።
15. መስዋእቲ እቲ ህዝቢ ኣቕረባ እሞ ነቲ ድቤላ ምእንቲ ህዝቢ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዝነበረ ወሲዱ ሐረዶ፡ ከምቲ ቐዳማይ ከኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሰውኦ።
16. ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ድማ ከምቲ ሕጉግ ስርዓት ገይሩ ኣቕረቦ።
17. ብጀካ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ብጊሓት ድማ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕረበ፡ ካብኡ ኢድ ምሉእ ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ።
18. ነቲ ዝራብዕን ድዑልን ድማ ምእንቲ ህዝቢ መስዋእቲ ምስጋና ዝነበረ ሓረዶ። ደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደም ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ።
19. ስብሕታት እቲ ዝራብዕን ናይቲ ድዑል ኮልኮሉን ንናውቲ ኸብዲ ዜጎልብብ ቋንጡጥን ኮለሊትን ስብሒ ኸብድን
20. ነቲ ስብሕታታብ ልዕሊ ሓኼሊታት ገበርዎ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ስብሒታት ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ።
21. ኣሮን ከኣ ነተን ሓኼሌታትን የማነይቲ እግርን፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዚውዝውዝ መስዋእቲ ወዝወዘን።
22. ኣሮን ድማ ኣእዳው ናብቲ ህዝቢ ኣልዒሉ ባረኾም። መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ምስ ሰውኤ፡ ወረደ።
23. ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣተው፡ ወጺኦም ከኣ ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ንኹሉ እቲ ህዝቢ ተራእዮ።
24. ሓዊ ኸኣ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ በልዖ። ኩሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረአዩ፡ ኣልል በሉ፡ ብገጾም ከኣ ፍግም በሉ።

  Leviticus (9/27)