Leviticus (8/27)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ።
2. ንኣሮን ደቁ ኸኣ ምስኡ፡ ኣልባስን ዘይቲ ቕብኣትን እቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣትን እቶም ክልተ ድዑልን እቲ መሶብ ቅጫን ውሰድ።
3. ንብዘሎ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣከቦ።
4. ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። እቲ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ተኣከበ።
5. ሙሴ ድማ ነቲ ኣኼባ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ በለ፡
6. ሙሴ ኸኣ ንኣሮንን ንደቁን ኣቕሪቡ፡ ብማይ ሓጸቦም።
7. ቀምሽ ታሕቲ ድማ ኣእተወሉ ቅናትውን ኣቕነቶ፡ ቀምሽ ላዕሊ ኺዳኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኤፎድ ገበረሉ፡ በቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ድማ ኣቕነቶ፡ ብእኡውን ኣብ ልዕሊኡ ኣትሓዞ።
8. ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበረሉ፡ ናብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ኡሪምን ቁሚምን ገበረሉ።
9. ኣብ ርእሱ ኸኣ መጠምጠምያ ገበረሉ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያውን ብሸነኽ ቅድሚት ብሊቃ ወርቂ፡ እቲ ቅዱስ ኣኽሊል፡ ገበረሉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገበረ።
10. ሙሴ ድማ ዘይቲ ቕባኣት ወሲዱ ነቲ ምሓደርን ኣብኡ ንዝነበረ ኹለን ቀብኦ፡ ቀደሶ ኸአ።
11. ካብኡ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ሾብዓተ ሳዕ ነጸገ፡ ምእንቲ ኪቕድሶውን ንመሰውእን ንኹሉ ኣቓሑኡን ነቲ ገበራን ኣጋሮኡን ቀብኦ።
12. ናይ ርእሲ ኣሮን ከኣ ካብ ዘይቲ ቕብኣት ከዐወሉ፡ ማንቲ ኪቕድሶ ድማ ቀብኦ።
13. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ሙሴ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦም፡ ቀመውሽ ታሕቲ ኸዲኑ ኸኣ ቅናውቲ ኣቕነቶም፡ መጠምጠምያታትውን ገበረሎም።
14. ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣቕረቦ፡ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣንበሩ።
15. ሓረዶ ድማ፡ ንሙሴ ኸኣ ነቲ ደም ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ በጻብዑ ለኸየ እሞ ነቲ መሰውኢ ኣንጽሆ። ነቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኸዐዎ፡ ንምትዕራቑ ድማ ቀደሶ።
16. ንኹሉ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዝነበረ ስብሕን ቋንጡጥ ከብድን ክልቲኤን ኩሊት ምስ ስብሔንን ወሰደ፡ ሙሴ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣሕረሮ።
17. ነቲ ዝራብዕን ቁራብቱን ስጋኡን ፈረሱን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ።
18. ነቲ ድዑል ዚሓርር መስዋእቲ ድማ ኣቕረቦ። ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ።
19. ሙሴ ድማ ሕሪዱ ነቲ ደም ኣብ ልዕሊ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ።
20. ነቲ ድዑል ድማ በብኽፍሉ ቖራሪጸ፡ ሙሴ ኸኣ ነቲ ርእስን ነቲ ቑረርጽን ነቲ ስብሕን ኣሕረሮ።
21. ነቲ ናውቲ ኸብድን ነቲ ኣእጋርን ብማይ ሓጸቦ። ሙሴ ድማ ንብዘሎ እቲ ድዑል ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ። ንሱ ንጥዑም ጨና እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኾነ። ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኾነ።
22. ነቲ ኻልኣይ ድዑል ከኣ፡ ኣቲ ድዑል ምቕዳስ፡ ኣቕረበ፡ ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ።
23. ሙሴ ድማ ሓሪዱ ኻብ ደሙ ወሲዱ፡ ንኣሮን መስቆር የማነይቲ እግሩን ለኸዮ’
24. ንደቂ ኣሮን ድማ ኣቕረቦም። ሙሴ ኸኣ ካብቲ ደም ኣብ መስቆር የማኖት ኣእዛኖምን ዓበይቶ የማኖት ኣእዳዎምን ዓበይቶ የማኖት ኣእጋሮምን ለኸየ። ነቲ ደም ከኣ ሙሴ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ።
25. ነቲ ስብሕን ኮልኮልን ኩሉ ኣቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ቛንጡጥን ስብሒ ኸብድን ክልቲኤን ኩሊት ምስ ሰብሔንን የማነይትን እግርን ወሰደ።
26. ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ ዘይበኹዔ እንጌራ ዝሓዘ መሶብ ድማ ሓደ ቕጫን ሓደ እንጌራ ዘይትን ሓደ ሪቂቕ ቕጫን ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ስብሕን የማነይቲ እግርን ኣንበሮ።
27. እዚ ኹሉ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከአ ንዚውዝ መስዋእቲ ወዝወዞ።
28. ሙሴ ድማ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣሕረሮ። እዚ ምቕዳስ ንጥዑም ጨና፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኮነ።
29. ሙሴ ድማ ነቲ ሓኸለ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዞ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ካብቲ ድዑል ምቕዳስ እዚ ግደ ሙሴ ነበረ።
30. ሙሴ ድማ ካብቲ ዘይቲ ቕብኣትን ካብቲ ኣብ ልዕሊ መስውኢ ዝነበረ ደምን ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ኣልባሱን ኣብ ልዕሊ ደቁን ኣብ ልዕሊ ኣልባስ ደቁ ኸኣ ምስኡ ነጸገ እሞ ንኣሮንን ነልባሱን ንደቁን ደቁ ኸኣ ምስኡ ቐደሰ።
31. ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን በሎም፡ ነዚ ስጋ ኻምቲ ኣነ፡ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዃንኩም ኣብስልዎ እሞ ምስቲ ኣብ መሶብ ምቕዳስ ዘሎ እንጌራ ኣብኡ ኾንኩም ብልዕዎ።
32. ካብቲ ስጋን ንጌራን ዝተረፈ ኸኣኣ ብሓዊ ኣንድድዎ።
33. ምቕዳስኩም ሻብዓተ መዓልቲ ኪቕድሰኩም እዩ እሞ፡ መዓልታት ምቕዳስኩም ክሳዕ ዚመልአ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኻብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ።
34. ንመተዓረቒኹም ድማ ከምዚ ሎሚ እንተገበረ ኸምኡ ኸኣ ኪግበር፡ እግዚኣብሄር ኣዘዘ።
35. ከምኡ ተኣዚዘ እየ እሞ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ ሾብዓተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ተቐሚጥኩም፡ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓልው።
36. ኣሮንን ደቁን ድማ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዞ ኹሉ ነገር ገበሩ።

  Leviticus (8/27)