Leviticus (7/27)  

1. ሕጊ መስዋእቲ በደል ድማ እዚ እዩ፡ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
2. ነቲ መስዋእቲ በደል ኣብታ ዚሓርር መስዋእቲ ዚሕረዱላ ቦታ ይሕረድዎ። ደሙ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዙርያኡ ይንጸጉ።
3. ብዘሎ ስብሑ ኸኣ፡ ኮልኮሉን ቋንጠጡን፡
4. ክልቲኤን ኩሊት ምስ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን፡ እቲ ኻብ ጥቓ ኮላሊት ዚፈልዮ ስብሒ ኸብድን፡
5. እቲ ኻህን ነዚ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚብሄር ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ንሱ መስዋእቲ በደል እዩ።
6. ነፍስ ወከፍ ተባዕታይ ካህን ዝኾነ፡ ይብልዓዮ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይብላዕ። ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
7. እቲ መስዋኣቲ በደል ከምቲ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። ንኽልቲኡ ሕጊ ሓደ እዩ፡ ናይቲ ብእኡ ዜተዐርቖ ካህን ይኹን።
8. እቲ ኻህን ናይ ማንም ዚሓርር መስዋእቲ ዜቕርቦ፡ ቆርበት ዚሓርር መስዋእቲ ነቲ ኻህን ይኹን።
9. ኩሉ መስዋእቲ ብልዒ ድማ ኣብ እቶን ዝበሰለ፡ ኩሉ ኣብ ቁራዕን ኣብ መቕሎን እተገብረ፡ ነቲ ዤቕርቦ ኻህን ይኹን።
10. ኩሉ ዘይቲ እተሓወሶ ወይ ንቑጽ መስዋእቲ ብልዒ ንኹሎም ደቂ ኣሮን፡ ነቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ይኹን።
11. እቲ ንእግዚኣብሄር ዚቕረብ መስዋእቲ ምስጋና ድማ ሕጉ እዚ እዩ።
12. ንምስጋና እንተ ኣቕረቦ” ምስቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘይቲ እተሓወሰ ዘይበኹዔ ቕጫታት፡ ዘይቲ እተለኸየ ዘይበኹዔ ረቂቕ ቕጫታት ካብ ድኹም ሓርጭ እተቖምጥዔ ዘይቲ እተሓወሶ ቕጫታትን የቕርብ።
13. እቲ ንምስጋና ዜቕርቦ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ምስ ዝበኹዔ እንጌራ የቕርቦ።
14. ካብ ኩሉ እዚ መስዋእትታት ሓደ ግደ ንእግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋኣቲ የቕርበሉ። እዚ እቲ ደም መስዋእቲ ምስጋና ዚነጽግ ካህን ይኹን።
15. ስጋ እቲ ንምስጋና ዜቕርቦ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ቦታ እተሰውኣላ መዓልቲ ይበላዕ፡ ካብኡ ገለ እኳ ኽሳዕ ብጊሓት ኣየትርፍ።
16. እቲ ዚቐርብ መስዋእቲ ናይ መብጽዓ ወይ ናይ ፍቓድ እንተ ኾነ ኸአ፡ በታ መስዋእቱ ዘቕረበላ መዓልቲ ይበላዕ። እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ንጽብሒቱ ይበላዕ።
17. ካብቲ ስጋ መስዋእቲ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዔ፡ ኣቲ መስዋእቲ ቕቡል ኣይኮነን፡ ነቲ ዘቕረቦውን ከም ቁርባን ኣይቑጸረሉን፡ ፍንፋን ይኸውን። እታ ኻብኡ እተበልዕ ነፍሲ ኸኣ በደላ ትጸውር።
18. ርኹስ ዝተንከዮ ስጋ ድማ ኣይበላዕ፡ ብሓዊ ደአ ይንደድ። ብዛዕባ ስጋ ግና፡ ንጹህ ዝኾነ ኹሉ ይብልዓዮ።
19. ርኹስ ዝተንከዮ ስጋ ድማ ኣይበላዕ፡ ብሓዊ ደአ ይንደድ። ብዛዕባ ስጋ ግና፡ ንጹህ ዝኾነ ኹሉ ይብልዓዮ።
20. እታ ረኺሳ ኸላ፡ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ስጋ መስውእቲ ምስጋና እትበልዕ ነፍሲ ድማ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቁስ እያ።
21. ነፍሲ ገለ ርኹስ ነገር እንተ ተንከየት፡ ርኽሰት ሰብ ወይ ርኩስ እንስሳ ወይ ዝኾነ ጽዩፍ ርኽሰት፡ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ኸአ እንተ በልዔት፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቆስ እያ።
22. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
23. ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ገለ ስብሒ ናይ ብዕራይ ኮነ ወይ በጊዕ ወይ ናይ ጤል፡ ኣይትብልዑ።
24. ስብሒ ዝሓለቐትን ናይ ኣራዊት ዝቐተላን ንዝኾነ ውራይኩም ግበርዎ፡ ምብላዕዕ ግና ኣይትብልዕዎ።
25. ካብ ስብሒ እቲ እንስሳ፡ ካብኡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ፡ ዝብልዔ ዘበለ፡ እታ ዝበልዔት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቆስ እያ።
26. ኣብ እትነብርዎ ኹሉ ኸኣ፡ ናይ ዑፍ ኮነ ናይ ማል፡ ደም ዘበለ ኣይትብልዑ።
27. ዝኾነ ደም ዝበልዔት ዝበለአት ነፍሲ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቆስ እያ።
28. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
29. ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እቲ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብ፡ ካብቲ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ኣልዒሉ ህያቡ ናብ እግዚኣብሄር የምጽኣዮ።
30. ነቲ ናይ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ በእዳው የምጽኣዮ። እቲ ሓኸለ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምውዝዋዝ ኪውዝወዝሲ፡ ስብሑን ሓኸሊኡን የምጽኣዮ።
31. እቲ ኻህን ድማ ነቲ ሓኸለ ኸኣ ንኣሮንን ንደዉን ይኹን።
32. ካብቲ ናይ ምስጋና መስዋእትኹም ንዚልዐል መስዋእቲ የማነይቲ እግሪ ነቲ ኻህን ሀብዎ።
33. ነቲ ኻብ ደቂ ኣሮን ደም መስዋእቲ ምስጋናን ስብሕን ዜቕርብ፡ የማነይቲ እግሪ ግዲኡ ትኹን።
34. ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኣኤል ሃኸለ ምውዝዋዝን ዚልዐል እግርን ወሲደዮ እየ ኣሞ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ንስርዓት ዘለኣለም ንኻህን ኣሮንን ንደቁን ሁበዮም ኣለኹ።
35. በታ ኻህናት እግዚኣብሄር ኪኾኑ ዘቕረቦም መዓልቲ፡ በታ ዝቐብኦም መዓልቲ፡ ካብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ደቂ እስራኤል ክህበዎም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም፡ ግደ ምቕባእ ኣሮንን ግደ ምቕባእ ደቁን እዚ እዩ። ንውሉድ ወለድኦም ስርዓት ዘለኣለም እዩ።
36. በታ ኻህናት እግዚኣብሄር ኪኾኑ ዘቕረቦም መዓልቲ፡ በታ ዝቐብኦም መዓልቲ፡ ካብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ደቂ እስራኤል ክህበዎም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም፡ ግደ ምቕባእ ኣሮንን ግደ ምቕባእ ደቁን እዚ እዩ። ንውሉድ ወለድኦም ስርዓት ዘለኣለም እዩ።
37. በታ ንደቂ እስራኤል መስዋእቶም ንእግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና ኬቕርብ ዝኣዝዘዘላ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ዝኣዘዞ ሕጊ፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን መስዋእቲ ምቕዳስን መስዋእቲ ምስጋናን እዚ እዩ።
38. በታ ንደቂ እስራኤል መስዋእቶም ንእግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና ኬቕርብ ዝኣዝዘዘላ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ዝኣዘዞ ሕጊ፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን መስዋእቲ ምቕዳስን መስዋእቲ ምስጋናን እዚ እዩ።

  Leviticus (7/27)