Leviticus (6/27)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ሰብ ንእግዚኣብሄር በደል ብምብዳሉ ሓጢኣት እንተ ገብረ፡ ብጻዩ ዘንበረሉ ሕድሪ ብምጥላሙ፡ ወይ ኣብ ኢዱ ብዘትሓዞ፡ ወይ ገለ ብዝኸተሮ ወይ ብዝጸውዖ፡
3. ወይ ገለ ጥፋእ ረኺቡ ኸሎ ኣሉ ኢሉ ብሓሶት ብምምሓሉ፡ ብሓደ ኻብ ዝኾነ ነገር ሰብ ሓጢኣት ብዝገበረሉ፡
4. ይኸውን ድማ፡ ሓጢኣት ብምግባሩ በዳሊ ምስ ኮነ፡ ንሱ እቲ ኸትሪ ዝኸተሮ፡ ወይ እቲ ዓመጽ ዝዐመጾ ወይ ሕድሪ ዘንበረሉ፡ ወይ ጠፊኡ ዝረኸቦ፡
5. ወይ ዝኾነ ነገር ሓስዩ ዝመሓለሉ ይምለሶ፡ ብምሉእ ይምለሶ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሓምሻኡ ይወስኸሉ። በታ መስዋእቲ በደሉ ዜቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ።
6. ንመስዋእቲ በደል ድማ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ከም ገምጋምካ፡ ጎደሎ ዜብሉ ድዑል መስዋእቲ በደሉ ንእግዚኣብሄር፡ ናብ ካህን የምጽእ።
7. እቲ ካብ ዝኾነ ዝገብሮ ድማ ብእኡ በዳሊ ዝኾነ፡ ኪሕደገሉ እዩ።
8. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
9. ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፡ ሕጊ እቲ ዚሓርር መስዋኣቲ እዚ እዩ፡ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዚነድድ መስዋእቲ ዕጨይቲ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ዚወግሕ ይነብር፡ እቲ ሓዊ መሰውኢ ኸኣ ይንደድ።
10. እቲ ኻህን ቀምሽ ልሕጺ እንጣጢዕ ይከደን፡ ኣብ ስጋኡ ድማ ስረ ልሕጺ እንጣጢዕ ይግበር። ነቲ ሓሙኹሽቲ ናይቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ዝበልዖ፡ ሓፊሱ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይግበሮ።
11. ደሓር ክዳውንቱ የውጽእ፡ ካልእ ክዳውንቲ ድማ ይከደን፡ ነቲ ሓሙኹስቲ ኸአ ካብቲ ሰፍር ናብ ጽሩይ ቦታ የውጽኣዩ።
12. እቲ ኣብ መስውኢ ዘሎ ሓዊ ኣብኡ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ። እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ልዕሊኡ ዕጨይቲ የንድድ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣቲ ዚሓርር መስዋኣቲ ይግበር፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ስብሒ መስዋኣቲ ምስጋና የሕርር።
13. እቲ ሓዊ ወርትግ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ።
14. ሕጊ መስዋእቲ ብልዒ ድማ እዚ እዩ፡ ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ መሰውኢ የቕርብዎ።
15. ካብኡ፡ ካብቲ ናይ መስዋእቲ ብልዒ ድኹም ሓርጭ ከኣ ኢዱ ምሉእ የልዕል ካብ ዘይቱ ድማ ምስቲ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ብልዒ ዘሎ ኹሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከሪ፡ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ የሕርሮ።
16. እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ፡ ከይበኹዔ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ኣብ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ኾይኖም ይብልዕዎ።
17. ብማይ ርሑቕ ኣይሰንከት። እዚ ኻብቲ ብሓዊ እተገብረ መስዋእተይ ዝሀብክዎም ግዲኦም እዩ። ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ከም መስዋእቲ በደልን ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
18. ካብ ደቂ ኣሮን ተባዕታይ ዝኾነ ኹሉ ይብልዓዮ። እዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተገብረ መስዋእትታት ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም መሰሎም ይኹን። ነፍስ ወከፍ ዝተንከዮ ይቀደስ።
19. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
20. ኣሮንን ደቁን በታ ዚቕብኣላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ መስዋእቲ እዚ እዩ፡ ንናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዒ ዓስራይ ኣፍ ኤፍ ድኹም ሓርጭ፡ ፈረቓኡ ብጊሓት፡ ፈረቓኡ ኸኣ ምሸት።
21. ምስ ዘይቲ ኣብ መቕሎ ይሰንከት። ምስ ተቖምጥዒ ኸኣ ኣምጽኣዮ። ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ብሱል ቁረርስ ጌርካ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕርበሉ።
22. እቲ ኻብ ደቁ ኣብ ስፍራኡ ዚቕባእ ካህን ድማ ከምኡ ይግበር። ንስርዓት ዘለኣለም ብምሉእ ንእግዚኣብሄር ይሕረር።
23. ኩሉ ናይ ካህን መስዋእቲ ብልዒ፡ ብምሉእ ይሕረር፡ ኣይበላዕ።
24. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
25. ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሕጊ መስዋእቲ ሓጢኣት እዚ እዩ፡ እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብታ ዚሓርር መስዋኣቲ ዚሕረደላ ቦታ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ። ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
26. እቲ ኻህን ብዛዕባ ሓጢኣት ዜቕርቦ፡ ይብልዓዮ። ኣብ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኾንካ ሕጸቦ።
27. እቲ ዝበሰለሉ ቁራዕ ድማ ይሰበር፡ ኣብ ድስቲ ኣስራዚ እንተ በሰለ ኸአ፡ ይፈጉፈጉ ብማይውን ይተሓጸብ።
28. እቲ ዝበሰለሉ ቁራዕ ድማ ይሰበር፡ ኣብ ድስቲ ኣስራዚ እንተ በሰለ ኸአ፡ ይፈጉፈጉ ብማይውን ይተሓጸብ።
29. ነፍስ ወከፍ ተባዕታይ፡ ካህን ዝኾነ፡ ይብልዓዮ፡ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳት እዩ።
30. መስዋእቲ ሓጢኣት ዘበለ ድማ፡ ካብ ደሙ ኣብ መቕደስ ንምትዕራቕ ናብ ድንኳን ምርኻብ ዚኣቱ፡ ብሓዊ ይንደድ እምበር ኣይብላዕ።

  Leviticus (6/27)