Leviticus (5/27)  

1. ሰብ፡ ቃል ማሕላ ሰሚዑ ንሱ ብዝረኣኣዮ ወይ ብዝፈልጦ ምስክር ኮይኑ እንተ ዘይገለጸ፡ ብእኡ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ በደሉ ይጸውር። ወይ ሓደ ኸይፈለጠ ገለ ርኩስ ነገር እንተ ተንከየ ርኹስ እንስሳ ኣራዊት እንተ ኾነ፡ ወይ ገምቢ ርኹስ እንስሳ ቤት፡ ወይ ገምቢ ርኹስ ለመምታ፡ ንሱ ረኺሱ እዩ እሞ በዳሊ እዩ።
2. ወይ ከይፈለጠ ንርኽሰት ሰብ፡ ብዝኾነ ዜርክሶ ርኽስተ እንተ ተንከየ እሞ ምስ ተፈለጠ፡ በዳሊ እዩ።
3. ወይ ከይፈለጠ ንርኽሰት ሰብ፡ ብዝኾነ ዜርክሶ ርኽስተ እንተ ተንከየ እሞ ምስ ተፈለጠ፡ በዳሊ እዩ።
4. ወይ ሓደ ገለ ኽፉእ ወይ ጽቡቕ ንምግባር ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዘይ ሓሳብ ከም ዚምሕል፡ ከይፈለጠ ብዘይ ሓሳብ ብኸናፍሩ እንተ መሓለ እሞ ምስ ተፈለጠ፡ ብሓደ ኻብዚ ነገርዚ በዳሊ እዩ።
5. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብዚ ነገርዚ ብሓደ ምስ በደለ፡ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ።
6. ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ ንመስዋእቲ በደሉ ኻብ መጓሴኡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓንቲ ሽበን ወይ ኣርሕዶ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ። እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ ሓጢኣቱ የተዐርቆ።
7. ንበጊዕ ዚኣክል ዓቕሚ እንተ ዜብሉ ኸአ፡ ንመስዋእቲ እቲ ዝገበሮ በደል ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ።
8. ናብ ካህን የምጽኣየን፡ ንሱ ኸኣ ቅድም እታ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣትኸውን የቕርብ፡ ርእሳ ኸይፈለየስ፡ ካብ ጥቓ ኽሳዳ ይጥወያ።
9. ካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይንጸግ፡ ነቲ ዝተረፈ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይጽመቆ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።
10. ነታ ኻልኣይቲ ኸኣ ከምቲ ስርዓት ዚሓርር መስዋእቲ ይግበራ። እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ዝገበሮ ሓኢኣቱ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸአ።
11. ንኽልተ ባሬቶ ወይ ንኽልተ ጫጩት ርግቢ ዓቕሚ ኣንተ ዜብሉ ግና፡ ስለ እቲ ዝገብሮ ሓጢኣት ንመስዋኣቲ ሓጢኣቱ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ የምጽእ። መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይኽዐወሉ፡ ዕጣን ከኣ ኣይግበረሉ።
12. ናብቲ ኻህን ድማ የምጽኣዮ፡ እቲ ኻህን ከኣ ካብኡ ንመዘከርታ ኢዱ ምሉእ ወሲዱ፡ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሕርሮ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።
13. ብሓደ ኻብዚ ነገርዚ ንዝበደለ እቲ ካህን የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸአ። እቲ ዝተረፈ ድማ ከምቲ ናይ መስዋእቲ ብልዒ ንኻህናት ይኹን።
14. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
15. ሰብ በደሊ እንተ በደለ፡ ብገለ ኣቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ነገር ከይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ንመስዋእቲ በደሉ ኻብ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ከምቲ ብሲቃል መቕደስ ብሲቃላት ብሩር ዝገብገምካሉ፡ ጎደሎ ዜብሉ ድዑል መስዋእቲ በደል ንእግዚኣብሄር የምጽኣሉ።
16. በቲ ኣብቲ ቅዱስ ነገር ዝገበሮ ሓጢኣት ይኽሓስ፡ ሓምሳይ ኣፍ ከኣ በቲ ድዑል መስዋእቲ በደል የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ድማ።
17. ሰብ ካብቲ እግዚኣብሄር፡ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞ ኹሉ ሓደ ብምግባሩ እንተ ሓጣኤ፡ ከይፈለጠ እኳ ኽንሱ በዳሊ እዩ እሞ፡ በደሉ ይጸውር።
18. ንመስዋእቲ በደል ከኣ ከም ገምጋምካ፡ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጎደሎ ዜብሉ ድዑል ናብ ካህን የምጽእ። ብዛዕባ እቲ ብዘይ ፍልጠት ዝገበሮ ጌጋ እቲ ኻህን የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸአ።
19. ርግጽ ንእግዚኣብሄር በዲሉ እዩ እሞ፡ እዚ መስዋእቲ በደል እዩ።

  Leviticus (5/27)