Leviticus (3/27)  

1. መስዋእቲ ድማ መስዋእቲ ምስጋና እንተ ኾይኑ፡ እሞ ካብ ኣሓ እንተ ኣቕረበ፡ ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ፡ ጎደሎ ዜብሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርብ።
2. ኢዱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ መስዋእቱ የንብር፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ድማ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ኸኣ ካህናት፡ ደቂ ኣሮን፡ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ።
3. ካብ መስዋእቲ ምስጋና ድማ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን ኣብ ኣምዑት ዘሎ ኹሉ ስብሕን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርበሉ።
4. ድማ ክልቲኤን ኩሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን ነቲ ኣብ ጥቓ ኾለሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን ይፍለ።
5. ደቂ ኣሮን ድማ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ የሕርርዎ። መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።
6. እቲ ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ምስጋና ዜቕርቦ መስዋእቱ ኻብ ጤለበጊዕ ኣንተ ኾይኑ ተባዕታይ ወይ ኣንስታይቲ፡ ጎደሎ ዜብሉ የቕርብ።
7. ንመስዋእቱ ገንሸል ኣንተ ኣቕረበ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ።
8. ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ መስዋእቱ ኣንቢሩ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ድማ ደቂ ኣሮን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ።
9. ካብቲ መሰዋእቲ ምሳና ድማ እቲ ስብሑ፡ ብዘሎ ኾልኮሉ ኻብ ቀራጺቶ ፈልዩ ምስናይ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዘሎ ኹሉ ስብሕን እቲ ኣብ ናውቲ ኻብዲ ዘሎ ኹሉ ስብሕን ክልቲኤን ኩሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሒ ኸብድን ስብሕን ኸብድን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርቦ።
10. ካብቲ መሰዋእቲ ምሳና ድማ እቲ ስብሑ፡ ብዘሎ ኾልኮሉ ኻብ ቀራጺቶ ፈልዩ ምስናይ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዘሎ ኹሉ ስብሕን እቲ ኣብ ናውቲ ኻብዲ ዘሎ ኹሉ ስብሕን ክልቲኤን ኩሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሒ ኸብድን ስብሕን ኸብድን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርቦ።
11. እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ እዩ።
12. መስዋእቲ ጤል እንተ ኾይና፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ።
13. ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሳ ኣንቢሩ ድማ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ይሕረዳ። ደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደማ ኣብ ልዕሊ መስውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ።
14. ካብኡ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን ኣናውቲ ኸብዲ ዘሎ ኹሉ ስብሕን፡ ክልቲኤን ኩሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን እቲ ኻብ ጥቓ ኹሊት ዚፈልዮ ስብሒ ኸብድን መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር መስውእቲ ሓዊ የቕርበሉ።
15. ካብኡ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን ኣናውቲ ኸብዲ ዘሎ ኹሉ ስብሕን፡ ክልቲኤን ኩሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን እቲ ኻብ ጥቓ ኹሊት ዚፈልዮ ስብሒ ኸብድን መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር መስውእቲ ሓዊ የቕርበሉ።
16. እቲ ኻህን ድማ ነዚ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እንጌራ መስዋእቲ ሓዊ ንጥዑም ጨና እዩ። ኩሉ ስብሒ ናይ ኣግዚኣብሄር እዩ።
17. እዚ ኣብ ኩሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን፡ ስብሒ ዘበልን ደም ዘበልን ኣይትብልዑ።

  Leviticus (3/27)