Leviticus (27/27)    

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ሰብ ምስ ዚመባጽዕ፡ እቶም ነፍሳት ንእግዚኣብሄር ከም ገምጋምካ ይተሓሰቡ።
3. እቲ ገምጋምካ ድማ፡ ንተባዕታይ ካብ ዕስራ ዓመት ክሳዕ ወዲ ስሳ ዓመት ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይኹን።
4. ጓል እንስተይቲ እንተ ኾነት ኸኣ፡ ገምጋክማ ሰላሳ ሲቃል ይኹን።
5. ካብ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ክሳዕ ወዲ ዕስራ ሲቃል፡ ንጓል ኣንስተይቲ ኸኣኣ ዓሰርተ ሲቃል ይኹን።
6. ካብ ወዲ ሓደ ወርሒ ክሳዕ ሓሙሽተ ዓመት እንተ ኾነ ድማ፡ ገምገምካ ንተባዕታይ ሓሙሽተ ሲቃል ብሩር፡ ገምጋም ንጓል ኣንስተይቲውን ስለስተ ሲቃል ብሩር ይኹን።
7. ካብ ወዲ ስሳ ዓመት ንላዕሊ ድማ፡ ንተባዕታይ እንተ ኾነ፡ ገምጋምካ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሲቃል፡ ንጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ዓሰርተ ሲቃል ይኹን።
8. ነቲ ገምጋምካ ዘይኽእል ድኻ ኣንተ ኾነ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብልዎ፡ እቲ ኻህን ከኣ ይገምግሞ። እቲ ኻህን ነቲ እተመባጽዔ ኸምቲ ኣብ ኢዱ ዚረኽቦ ይገምግሞ።
9. እቲ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ መስዋእቲ ኻብ እንስሳ እንተ ኾነ ኸኣ፡ ካብኡ ንእግዚኣብሄር እተዋህበ ኹሉ ቅዱስ ይኹን።
10. ጽቡቕ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ወይ ክፉእ ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ኣይሕለፍ፡ ኣይለወጥ ድማ። እንስሳ ንእንስሳ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላወጡን ቅዱሳት ይኹኑ።
11. ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ዘይቕረቡ ርኹሳት ዘበሉ እንስሳ እንተ ኾኑ ኸኣ፡ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ፡
12. ጽቡቕ እንተ ኾይኑ ወይ ክፉእ እቲ ኻህን ብመጠኑ ይገምግሞ። ኣታ ኻህን፡ ከም ገምጋምካ ኸምኡ ይኹን።
13. ኪብጀዎ እንተ ደለየ ኸኣ፡ ሓምሳይ ኢድ እቲ ገምጋምካ ይወስኸሉ።
14. ሰብ ቤቱ ንእግዚኣብሄር ቅድስቲ ኽትከውን እንተ ቐደሳ ድማ፡ ብመጠን ምጽባቓ ወይ ምሕማቓ እቲ ኻህን ይገምግማ። ከምቲ ኻህን ዝገምገማ ኸምኡ ይቑም።
15. እቲ ንቤቱ ዝቐደሳ ኺብጀዋ እንተ ድለአየ፡ ነቲ ዝገምገምካዮ ብሩርስ ሓምሳይ ኢድ ይወስኸሉ እሞ ናቱ ትኹን።
16. ሰብ ካብ ግራት ርስቱ ገለ ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሰ፡ እቲ ገምጋምካ ኸም መጠን ዘርአ ይኹን፡ ሆሜር ስገም ዜዝርእ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይተሓሰብ።
17. ነታ ግራቱ ኻብ ዓመት እልልታ ጀሚሩ እንተ ቐደሳ፡ ከምቲ ገምጋምካ ይቑም።
18. ንግራቱ ድሕሪ ዓመት እልልታ እንተ ቐደሳ ኸኣ፡ እቲ ኻህን ብፍቕዲ እተን ክሳዕ ዓመት እልልታ ተረፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፡ ካብቲ ገምጋምካ ኸኣ ይጉደል።
19. እቲ ግራቱ ዝቐደሰ ኺብጀዋ እንተ ደለየ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝገምገምካዮ ዋጋኣ ሓምሳይ ኢድ ይወሰኽ፡ ኣብኡ ኸኣ ትቑም።
20. ነቲ ግራት ኪብጀዋ እንተ ዘይደለየ፡ ወይ ነታ ግራት ናብ ካልእ ሰብ ኣንተ ሸጣ፡ ድሕሪ እቲ ኺብጀዋ ኣይከኣሎን እዩ።
21. ብዓመት እልልታ ምስ ወጸት ግና፡ ከም እተሓርመት ግራት ንእግዚኣብሄር ትቀደስ እሞ ርስቲ ኻህን ትኹን።
22. ካብ ግራት ርስቱ ዘይኮነት እተሻየጣ ግራት ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሰ ድማ፡
23. ሽዑ እቲ ኻህን ዋጋ ገምጋምካ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ይሕሰበሉ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸአ እቲ ዋጋ ገምጋምካ ንእግዚኣብሄር ከም እተቐደሰ ገይሩ ይሀብ።
24. ብዓመት እልልታ ግና ኣታ ግራት ናብቲ ሸያጢኣ፡ ናብቲ እታ ምድሪ ርስቱ ዝነበረት ትመለስ።
25. ኩሉ ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ ይኹን፡ እታ ሲቃል ድማ ዕስራ ጌራ ትኹን።
26. በኩሪ እንስሳ ግና፡ በኹሪ ምዃኑ ናይ እግዚኣብሄር ዝኾነ፡ ብዕራይ ኮነ በጊዕ ኮነ፡ ሰብ ኪቕድሶ ኣይክእልን። ናይ ኣግዚኣብሄር እዩ።
27. ካብ ርኹስ እንስሳ እንተ ኾነ ግና፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ገምጋምካ ሓምሳይ ኢድ ወሲኹ ይበጅዎ። እንተ ዘይተበጀወ፡ በቲ ገምጋምካ ይሸየጥ።
28. ሰብ ንእግዚኣብሄር ዝሓረሞ ኹሉ ሕሩም ነገር ካብ ዝኾነ ገንዘቡ፡ ሰብ ኮነ እንስሳ ኾነ ወይ ግራት ርስቱ ዝኾነት፡ ኣይሸየጥ ኣይበጀዎ ድማ። እተሓርመ ዘበለ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
29. እተሓርመ ዘበለ ሕሩም ሰብ ሞት ይሙት እምበር፡ ኣይበጀዎ።
30. ኩሉ ዕሽር ምድሪ ድማ፡ ካብ ዘርኢ ምድሪ ኾነ፡ ካብ ፍረ ኦም ኮነ፡ ንሱ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደስ እዩ።
31. ሰብ ካብቲ ዕሽሩ ኺብጆ እንተ ሰለየ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕምሻኡ ይወስኸሉ።
32. ዕሽር ኩሉ ኣሓን ጤለ በጊዕን፡ ዕሽር እቲ ብትሕቲ በትሪ ዚሓልፍ ኩሉ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን።
33. ጽቡቕ ምዃኑ ወይ ክፉእ ኣይመርምር ኣይለወጥ ድማ፡ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላወጡን ቅዱሳት ይኹኑ፡ ኣይበጀዎ ኸኣ።
34. እቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ኢሉ ኣብ ከረን ሲና ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዝ እዚ እዩ።

  Leviticus (27/27)