← Leviticus (27/27) |
1. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ |
2. | ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ሰብ ምስ ዚመባጽዕ፡ እቶም ነፍሳት ንእግዚኣብሄር ከም ገምጋምካ ይተሓሰቡ። |
3. | እቲ ገምጋምካ ድማ፡ ንተባዕታይ ካብ ዕስራ ዓመት ክሳዕ ወዲ ስሳ ዓመት ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይኹን። |
4. | ጓል እንስተይቲ እንተ ኾነት ኸኣ፡ ገምጋክማ ሰላሳ ሲቃል ይኹን። |
5. | ካብ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ክሳዕ ወዲ ዕስራ ሲቃል፡ ንጓል ኣንስተይቲ ኸኣኣ ዓሰርተ ሲቃል ይኹን። |
6. | ካብ ወዲ ሓደ ወርሒ ክሳዕ ሓሙሽተ ዓመት እንተ ኾነ ድማ፡ ገምገምካ ንተባዕታይ ሓሙሽተ ሲቃል ብሩር፡ ገምጋም ንጓል ኣንስተይቲውን ስለስተ ሲቃል ብሩር ይኹን። |
7. | ካብ ወዲ ስሳ ዓመት ንላዕሊ ድማ፡ ንተባዕታይ እንተ ኾነ፡ ገምጋምካ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሲቃል፡ ንጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ዓሰርተ ሲቃል ይኹን። |
8. | ነቲ ገምጋምካ ዘይኽእል ድኻ ኣንተ ኾነ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብልዎ፡ እቲ ኻህን ከኣ ይገምግሞ። እቲ ኻህን ነቲ እተመባጽዔ ኸምቲ ኣብ ኢዱ ዚረኽቦ ይገምግሞ። |
9. | እቲ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ መስዋእቲ ኻብ እንስሳ እንተ ኾነ ኸኣ፡ ካብኡ ንእግዚኣብሄር እተዋህበ ኹሉ ቅዱስ ይኹን። |
10. | ጽቡቕ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ወይ ክፉእ ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ኣይሕለፍ፡ ኣይለወጥ ድማ። እንስሳ ንእንስሳ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላወጡን ቅዱሳት ይኹኑ። |
11. | ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ዘይቕረቡ ርኹሳት ዘበሉ እንስሳ እንተ ኾኑ ኸኣ፡ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ፡ |
12. | ጽቡቕ እንተ ኾይኑ ወይ ክፉእ እቲ ኻህን ብመጠኑ ይገምግሞ። ኣታ ኻህን፡ ከም ገምጋምካ ኸምኡ ይኹን። |
13. | ኪብጀዎ እንተ ደለየ ኸኣ፡ ሓምሳይ ኢድ እቲ ገምጋምካ ይወስኸሉ። |
14. | ሰብ ቤቱ ንእግዚኣብሄር ቅድስቲ ኽትከውን እንተ ቐደሳ ድማ፡ ብመጠን ምጽባቓ ወይ ምሕማቓ እቲ ኻህን ይገምግማ። ከምቲ ኻህን ዝገምገማ ኸምኡ ይቑም። |
15. | እቲ ንቤቱ ዝቐደሳ ኺብጀዋ እንተ ድለአየ፡ ነቲ ዝገምገምካዮ ብሩርስ ሓምሳይ ኢድ ይወስኸሉ እሞ ናቱ ትኹን። |
16. | ሰብ ካብ ግራት ርስቱ ገለ ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሰ፡ እቲ ገምጋምካ ኸም መጠን ዘርአ ይኹን፡ ሆሜር ስገም ዜዝርእ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይተሓሰብ። |
17. | ነታ ግራቱ ኻብ ዓመት እልልታ ጀሚሩ እንተ ቐደሳ፡ ከምቲ ገምጋምካ ይቑም። |
18. | ንግራቱ ድሕሪ ዓመት እልልታ እንተ ቐደሳ ኸኣ፡ እቲ ኻህን ብፍቕዲ እተን ክሳዕ ዓመት እልልታ ተረፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፡ ካብቲ ገምጋምካ ኸኣ ይጉደል። |
19. | እቲ ግራቱ ዝቐደሰ ኺብጀዋ እንተ ደለየ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝገምገምካዮ ዋጋኣ ሓምሳይ ኢድ ይወሰኽ፡ ኣብኡ ኸኣ ትቑም። |
20. | ነቲ ግራት ኪብጀዋ እንተ ዘይደለየ፡ ወይ ነታ ግራት ናብ ካልእ ሰብ ኣንተ ሸጣ፡ ድሕሪ እቲ ኺብጀዋ ኣይከኣሎን እዩ። |
21. | ብዓመት እልልታ ምስ ወጸት ግና፡ ከም እተሓርመት ግራት ንእግዚኣብሄር ትቀደስ እሞ ርስቲ ኻህን ትኹን። |
22. | ካብ ግራት ርስቱ ዘይኮነት እተሻየጣ ግራት ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሰ ድማ፡ |
23. | ሽዑ እቲ ኻህን ዋጋ ገምጋምካ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ይሕሰበሉ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸአ እቲ ዋጋ ገምጋምካ ንእግዚኣብሄር ከም እተቐደሰ ገይሩ ይሀብ። |
24. | ብዓመት እልልታ ግና ኣታ ግራት ናብቲ ሸያጢኣ፡ ናብቲ እታ ምድሪ ርስቱ ዝነበረት ትመለስ። |
25. | ኩሉ ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ ይኹን፡ እታ ሲቃል ድማ ዕስራ ጌራ ትኹን። |
26. | በኩሪ እንስሳ ግና፡ በኹሪ ምዃኑ ናይ እግዚኣብሄር ዝኾነ፡ ብዕራይ ኮነ በጊዕ ኮነ፡ ሰብ ኪቕድሶ ኣይክእልን። ናይ ኣግዚኣብሄር እዩ። |
27. | ካብ ርኹስ እንስሳ እንተ ኾነ ግና፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ገምጋምካ ሓምሳይ ኢድ ወሲኹ ይበጅዎ። እንተ ዘይተበጀወ፡ በቲ ገምጋምካ ይሸየጥ። |
28. | ሰብ ንእግዚኣብሄር ዝሓረሞ ኹሉ ሕሩም ነገር ካብ ዝኾነ ገንዘቡ፡ ሰብ ኮነ እንስሳ ኾነ ወይ ግራት ርስቱ ዝኾነት፡ ኣይሸየጥ ኣይበጀዎ ድማ። እተሓርመ ዘበለ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። |
29. | እተሓርመ ዘበለ ሕሩም ሰብ ሞት ይሙት እምበር፡ ኣይበጀዎ። |
30. | ኩሉ ዕሽር ምድሪ ድማ፡ ካብ ዘርኢ ምድሪ ኾነ፡ ካብ ፍረ ኦም ኮነ፡ ንሱ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደስ እዩ። |
31. | ሰብ ካብቲ ዕሽሩ ኺብጆ እንተ ሰለየ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕምሻኡ ይወስኸሉ። |
32. | ዕሽር ኩሉ ኣሓን ጤለ በጊዕን፡ ዕሽር እቲ ብትሕቲ በትሪ ዚሓልፍ ኩሉ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን። |
33. | ጽቡቕ ምዃኑ ወይ ክፉእ ኣይመርምር ኣይለወጥ ድማ፡ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላወጡን ቅዱሳት ይኹኑ፡ ኣይበጀዎ ኸኣ። |
34. | እቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ኢሉ ኣብ ከረን ሲና ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዝ እዚ እዩ። |
← Leviticus (27/27) |