Leviticus (26/27)  

1. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንኣኻትኩም ጣኦታት ኣይትግበሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ ኣይተቑሙ፡ ወይ እተሳእለ እምኒ ኽትሰግዱሉ ኢልኩም ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ።
2. ሰናብተይ ሓልው መቕደሰይውን ፍርሁ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
3. ብሕጋጋተይ እንተ ኸድኩም፡ ትእዛዛተይ ከኣ ኣንተ ሓለኹም፡ እንተ ገበርኩምዎ ኸኣኣ፡
4. ኣነ ዝናምኩም ብጊዚኡ ኣህበኩም። ምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ፡ ኣእዋም መሮር ከኣ ፍርኤን ይህባ።
5. መኼዳኹም ክሳዕ ምቕንጣብ ወይኒ ይበጽሕ፡ ምቕንጣብ ወይኒ ኸኣ ኽሳዕ ዘርኢ ይበጽሕ። እንጌራኹም በሊዕኩም ትጸግቡ፡ ኣብ ምድርኹም ድማ ሰላም ክህብ እየ፡ ንስኻትኩም ከኣ በጥ ትብሉ፡ ዜፍርሃኩምውን የልቦን። ሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኽጥፍእ እየ፡ ሴፍ ድማ ብሃገርኩም ኣይሕልፍን።
6. ጸላእትኹም ትሰጉ፡ ንሳቶም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ።
7. ጸላእትኹም ትሰጉ፡ ንሳቶም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ።
8. ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ንሚእቲ ይሰጎዎም፡ ጸላእትኹም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ።
9. ኣነ ገጸይ ናባኻትኩም እመልስ እሞ ከፍረየኩምን ከብዝሓኩምን እየ፡ ኪዳነይ ከኣኣ ምሳኻትኩም ኬቕውም እየ።
10. ነዊሕ እተዐቑረ ነባር እኽሊ ድማ ትበልዑ፡ ስለቲ ሓድሽ ከኣ ነቲ ዕቑር ትጉሕፍዎ።
11. ማሕደረይ ድማ ኣብ ማእከልኩም ክግበር እየ፡ ነፍሰይ ከኣ ኣይትፍንፍነኩምን።
12. ኣብ ማእከልኩም ድማ እኸይድ፡ ኣምላኽኩምውን እኸውን፡ ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ትኾኑኒ።
13. መታን ባሮቶም ከይትኾኑ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ቁራብዓት ኣርዑትኩም ድማ ሰበርኩ፡ ርእስኹም ኣልዒልኩም ከም እትኸዱውን ገብርኩኹም።
14. ግናኸ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ እዚ ኹሉ ትእዛዛተይ እዚ ኸኣ እንተ ዘይገበርኩም፡
15. ሕጋጋተይ ድማ እንተ ነዐቕኩም እሞ ኩሉ ትእዛዛተይ ከይትገብሩ፡ ነፍስኹም ፍርድታተይ እንተ ፈንፈነት፡ ኪዳነይ ከኣ ኣንተ ኣፍረስኩም፡
16. ኣነ ድማ እዚ ኽገብረኩም እየ፡ ኣነ መሸበርን ሕዱር ሰዓልን ኣዒንቲ ዜሕምቆ ነፍሲ ኸኣኣ ዜድክም ዓሶም ክሰደልኩም እየ። ጸላእኽትኩም ኪበልዕዎ እዮም እሞ፡ ዘርእኹም ንኸንቱ ትዘርኡ።
17. ገጸይ ከኣ ናይ ልዕሌኹም ከመልስ እየ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእኽትኹም ድማ ክትሰዐሩ ኢኹም። እቶም ዚጸልእኹም ከኣ ኪገዝኡኹም እዮም። ዝሰጎጎኩም ዜልቦ ድማ ክትሀድሙ ኢኹም።
18. በዚ ድማ ገና እንተ ዘይሰማዕኩምኒ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ ኽቕጽዓኩም እየ።
19. ነዚ ትዕቢት ሓይልኹም ክሰብሮ እየ፡ ሰማይኩም ከኣ ከም ሓጺን፡ ምድሪኹምውን ከም ኣስራዚ ኽገብር እየ።
20. ምድርኹም እኽላ ኣይትህብን፡ ኦም ሃገር ከኣ ፍሬኣ ኣይትህብን እያ እሞ፡ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ።
21. ክትጸረሩኒ እንተ ኸድኩም፡ ክትሰምዑኒውን እንተ ዘይፈቶኹም፡ ከምቲ ሓጢኣትኩም መሊሰ ሾብዓተ ሳዕ ክወቕዓኩም እየ።
22. ንደቅኹም ዚዝርፉ፡ ንማልኩምውን ዜጥፍኡ፡ ንቑጽርኹም ድማ ዜውሕዱ ኣራዊት መሮር ክሰደልኩም እየ፡ መገድኹም ከኣ ይባድም።
23. በዚ ነገርዚ እንተ ዘይተቐጻዕኩምለይ፡ ግናኸ ንኣይ ብምጽራር እንተ ተመላለስኩም፡
24. ኣነ ኸኣ ንኣኻትኩም ብምጽራር እመላለስ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩምውን ኣነ ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ እወቕዓኩም።
25. ሕነ ኺዳነይ ዚፈዲ ሴፍ ድማ ኣብ ልዕሌኹም ከምጽእ እየ፡ ኣብ ከተማታትኩም ከኣ ትእከቡ፡ ናብ ማእከልኩም ድማ ፌራ እሰድድ፡ ኣብ ኢድ ጸላኢ ኸኣ ትወሀቡ።
26. በትሪ እንጌራ ምስ ዝሰብረልኩም፡ እንጌራኹም ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ይሰንክታኦ፡ እንጌራኹም ድማ ብሚዛን ይመልሳልኩም፡ በሊዕኩም ከኣ ኣይትጸግቡን።
27. በዚ ነገርዚ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ እሞ እናተጻረርኩምኒ እንተ ኸድኩም፡
28. ኣነ ድማ ብቑጥዓ እናተጻረርኩኹም እኸይድ እሞ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሾብዓተ ዕጽፊ እቐጽዓኩም።
29. ስጋ ኣወዳትኩም ክትበልዑ፡ ስጋ ኣዋልድኩም ከኣ ክትበልዑ ኢኹም።
30. በረኸትኩም ኤፍርስ ናይ ጸሓይ ኣዕኑድኩምውን እሰብር፡ ንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ ሬሳ ጣኦታትኩም ክድርብዮ እየ፡ ነፍሰይ ከኣ ክትፍንፍነኩም እያ።
31. ንኸተማታትኩም ድማ በረኻ እገብረን፡ ንመቃድስኩምን ኣኤፍርሰን፡ ደጊም ከኣ ነቲ ጥዑም ጨና ዕጣንኩም ኣየጭንዎን።
32. ነታ ሃገር ድማ ኻባድማ እየ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ጸላእትኹም ከኣ ብእኣ ኺድነቑ እዮም።
33. ንኣኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፡ ደድሕሬኹም ድማ ሴፍ ክመልሕ እየ፡ ሃገርኩም ከኣ ክትባድም እያ፡ ከተምታትኩምውን በረኻ ይኾና።
34. ሽዑ እታ ሃገር በቲ እትዐንወሉ ኹሉ ዘበን፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ሃገር ጸላእትኹም ከሎኹም፡ ንሳ ብሰናብታ ባህ ይብላ፡ ሽዑ እታ ምድሪ ትዐርፍ፡ ብሰናብታ ኸኣኣ ባህ ይብላ።
35. እቲ ንስኻትኩም ኣብኣ ኽትነብሩ ኸለኾም፡ ንሰናብትኹም ዘይዐረፈት፡ በቲ እትዐንወሉ ኹሉ ዘበን ክትዐርፍ እያ።
36. ነቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃገር ጸላእቶም ከለው፡ ምሸባር ናብ ልቦም ክኣቱ እየ፡ ደኣይ እተነቓነቐት ቆጽሊ ኸኣ ይህድሞም፡ ካብ ሴፍ ከም ዝሀድም ይሀድም፡ ገለ ኸይሰጎጎም ከኣ ይወድቁ።
37. ሓደ እኳ ኸይሰጎጎም፡ ከም ኣብ ቅድሚ ሴፍ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ይወድቁ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእኽትኹም ከኣ ክትቆሙ ኣይትኽእሉን።
38. ኣብ ማእከል ህዝብታት ትጠፍኡ፡ ምድሪ ጸላእትኹም ድማ ትውሕጠኩም።
39. እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምድሪ ጸላእትኹም ብኽፍኣቶም ይምህምኑ፡ ብኽፍኣት ኣቦታቶም ከኣ ምሳታቶም ይምህምኑ።
40. በቲ ዝበደሉኒ በደሎምን፡ በቲ ዝገበርዎ ኽፍኣቶምን ክፍኣት ኣቦታቶምን ኪናዘዙ እዮም። ድማ ብምምልላሶም ስለ እተጻረሩኒ፡
41. ኣነ ኸኣ ብምምልላሰይ ተጻረርኩዎም፡ ናብ ምድሪ ጸላእቶም ድማ ኣእተኽዎም። ሽዑ እቲ ዘይግዘር ልቦም እንተ ኣትሐቱ፡ ቅጽዓት ክፍኣቶውን እንተ ተቐበሉ፡
42. ኣነ ድማ እቲ ኺዳነይ ምስ ያእቆብ እዝክር፡ ኪዳነይ ምስ ይስሃቅ ድማ፡ ኪዳነይ ምስ ኣብርሃም ከኣ እዝክር፡ ነታ ሃገርውን እዝክራ።
43. ነታ ሃገር ኪሓድግዋ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ከኣ ፍርድታተይ ስለ ዘቃለሉን፡ ነፍሳቶም ከኣ ሕጋጋተይ ስለ ዝፈንፈና፡ ቅጽዓት ሓጢኣቶም ይቕበሉ።
44. እዚ ኽንሱ እኳ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ከለው ፈጺመ ንምጥፋኦም፡ ምሳታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ንምፍራስ ኣይድርብዮምን፡ ኣይፍንፍኖምን ድማ።
45. ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ኣውጽኤ ነቲ ምስቶም ቀዳሞት ዝኣቶኽዎ ኺዳን ክዝክር እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
46. እቲ እግዚኣብሄር ቢድ ሙሴ ኣብ ደብረሲና ዝሀበ ትእዛዛትን ፍርድታትን ሕጋጋትን እዚ እዩ።

  Leviticus (26/27)