Leviticus (25/27)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ።
2. ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ኣብታ ኣነ ዝህበኩም ምስሪ ምስ ኣቶኹም፡ እታ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ሰንበት ተብዕል።
3. ሹዱሽተ ዓመት ግራትካ ዝራእ ሹዱሽተ ዓመት ከኣ ወይንኻ ጠጥፍ፡ ፍሬኣ ድማ ኣክብ።
4. በታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና ነታ ምድሪ ሰንበት ዕረፍቲ፡ ሰነበት እግዚኣብሄር ይኹን፡ ግራትካ ኣይትዝራእ ወይንኻውን ኣይትጠጥፍ።
5. ባልጋ ቐሪምካ ኣይትዕጸድ፡ እቲ ኸይጠጠፍካዮ ዝፈረየ ኣስካል ወይንኻ ድማ ኣይትቐንጥብ። ነታ ምድሪ ዓመት ሰነበት ዕረፍቲ ይኹን።
6. ሰንበት እታ ምድሪ ንኣኻን ንግዙእካን ንግዝእትኻን ንወዓላይካን ነቲ ምሳኻ ዝነብር ስደተኛን ምግብኹም ይኹን።
7. ኩሉ ፍሬኣ ንማልካን ኣብ ምድርኻ ንዘለው እንስሳን ቀለብ ይኹን።
8. ድማ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት፡ ንኣኻ ሾብዓተ ሳዕ ሾብዓተ ዓመት ጌርካ ቖጸር፡ ዘበን እቲ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት ኣርብዓን ትሽዓትን ዓመት ይኹነልካ።
9. ሽዑ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ብዓስረይቲ መዓልቲ መለኸት ንፋሕ፡ ብመዓልቲ ዕርቂ ኣብ ብዘላ ሃገርኩም መለኸት ንፍሑ።
10. ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ፡ ኣብታ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብኣ ንዝነብሩ ኹሎም ሓርነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም ነፊስ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ነናብ ዓሌቱ ይመለስ።
11. እዛ መበል ሓምሳ ዓመት እዚኣ ዓመት እልልታ ይኹነልኩም፡ ኣይትዝርኡ፡ እቲ ባሊጉ ኣባኣ ዘበቖለ ኸኣ ኣይትዕጸዱ፡ እቲ ዘይተጠጠፈ ወይኒ ድማ ኣይትቐንጥቡ።
12. እዚኣ ዓመት እልልታ እያ ኣሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። ካብ ግራት ዝኣተወ ብልዑ።
13. በዛ ዓመት እልልታ ነፍስ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ።
14. ገለ ንብጻይካ እንተ ሸጥካሉ፡ ወይ ካብ ኢድ ብጻይካ ገለ እንተ ተሻየጥካ፡ ሓደ እኳ ንሓው ኣይዐምጽ።
15. ብቑጽሪ ዓመታት ድሕሪ ዓመት እልልታ ኻብ ብጻይካ ተሻየጥ፡ ንሱ ድማ ብቑጽሪ ዓመታት ፍረ እዩ ዢሸጠልካ እሞ፡ ብመጠን ምብዛሕ ዓመታት ዋጋ ኣውሕድ።
16. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይዐምጽ፡ ንኣምላኽካ ደ ፍራህ።
17. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይዐምጽ፡ ንኣምላኽካ ደ ፍራህ።
18. ሓጋጋተይ ግበሩ ፍርድታተይውን ሓልውን ግበርዎን። ኣብታ ሃገር ድማ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም።
19. እታ ምድሪ ኸኣ ፍሬኣ ትህብ እሞ፡ በሊዕኩም ትጸግቡ፡ ኣብኣውን ብህድኣት ትነብሩ።
20. እንሆ ኣይዘራእናን ፍረ ድማ ኣየእቶናን፡ በታ ሳብዐይቲ ዓመት ደኣ እንታይ ክንበልዕ ኢና፡ ኣንተ በልኩም፡
21. ሽዑ በታ ሳድሰይቲ ዓመት በረኸተይ ክእዝዘልኩም እየ፡ ንሰለስተ ዓመት ዝኸውን ፍረ ኸኣኣ ከተፍርየልኩም እያ።
22. በታ ሳምነይቲ ዓመት ድማ ክትዘርኡ ኢኹም፡ ካብ ነባር እኽሊ ኸኣ ክትበልዑ ኢኹም። ክሳዕ እታ ታስዐይቲ ዓመት፡ ፍሬኣ ኽሳዕ ዚአቱ፡ እቲ ነባር ክትበልዑ ኢኹም።
23. ምድሪ ናተይ እያ ንስኻትኩም ከኣ ምሳይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፡ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ።
24. ኣብ ብዘላ ምድሪ ርስትኹም፡ እታ ምድሪ ብዋጋ ተበጀውዋ።
25. ሓውካ እንተ ተሸገረ እሞ ካብ ርስቱ ገለ እንተ ሸጠ፡ እቲ ዚቐርቦ ዘመዱ መጺኡ ነቲ ሓው ዝሸጦ ይበጀዎ።
26. ዚብጀዎ ዘመድ ኣንተ ዜብሉ፡ ንሱ ግና ኢዱ እንተ መልኣሉ፡ ንምብጃው ዚኣኣክልውን እንተ ረኸበ፡
27. እተን እተሸጠትለን ዓመታት ይቑጸር፡ እቲ ዝተረፎ ነቲ እተሻየጠ ሂቡ፡ ናብ ርስቱ ይመለስ።
28. ንምምለሲኡ ዚኣክል ኣብ ኢዱ እንተ ዘይረኸበ ግና፡ እቲ እተሸጠ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ሓራ ይውጻእ፡ ንሱ ድማ ናብ ርስቱ ይመለስ።
29. ሰብ ኣብ እተዐርደት ከተማ ዘላ ቤት እንተ ሸጠ፡ ኣታ ዝሸጠላ ዓመት ክሳዕ እትመልእ ይበጀዋ፡ ጊዜ ምብጃዋ ዓመት ምሉ ይኹን።
30. ክሳዕ ምሉእ ዓመት እንተ ዘይተበጀወት ከኣ፡ እታ ኣብ እተዐርደት ከተማ ዘላ ቤት ንሓዋሩ ነቲ እተሻየጣ ንውሉድ ወለዶኡ ትኹን፡ ብዓመት እልልታ ሓራ ኣይትውጽእን።
31. ኣብ ዙርያኤን ቁጽሪ ኣብ ዜብለን ዓድታት ዘለዋ ሰበይቲ ግና ምስ ግራውቲ ሃገር ይተሓሰብ፡ በጃ ይውሀበን፡ ብዓመት እልልታ ድማ ሓራ ይውጽኣ።
32. ብዛዕባ ኸተማታት ሌዋውያን ግና፡ ነተን ኣብ ከተማታት ርስቶም ዘለዋ ኣባይቲ ኺብጀውወን፡ ንሌዋውያን ናይ ዘለኣለም ስርዓት ይኹን።
33. እተን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ ኸኣ፡ ንሳተን ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቶም እየን እሞ፡ ሓደ ኻብ ሌዋውያን እንተ ተበጀወ፡ ሽዑ እታ እተሸጠት ቤትን ኣታ ናይ ርስቱ ኸተማን ብዓመት እልልታ ሓራ ይውጽኣ።
34. ኣብ ዙርያ ኸተማታቶም ዘላ ግራት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ርስቶም እያ እሞ፡ ኣይትሸየጥ።
35. ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሓጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጽጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር።
36. ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኸኣ ሳኻ ይንበር።
37. ገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትሀብ፡ እኽልኻ ኸአ ብረብሓ ኣይትሀቦ።
38. ኣምላኽ ክኾነልኩምን ምድሪ ኸነኣን ክህበኩምን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኹም እየ።
39. ሓውካ ድማ ምሳኻ ኸሎ እንተ ደኸየ፡ ርስቱ ኸኣ እንተ ሸጠልካ፡ ከም ባርያ ጌርካ ኣይትግዝኣዮ፡
40. ከም በዓል ዕስብን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ክሳዕ ዓመት እልልታ የገልግልካ።
41. ሽዑ ንሱ፡ ደቁ ድማ ምስኡ፡ ካባኻ ሓራ ይውጻእ እሞ፡ ናብ ዓሌቱ ይመለስ፡ ናብ ርስቱ ኣቦታቱ ኸኣ ይመለስ።
42. ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም እሞ፡ ባርያ ኸም ዝሽየጥ ኣይሸየጡ።
43. ኣበርቲዕካ ኣይትግዝኣዮ፡ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ።
44. ንኣኻ ዚኾነ ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርትያን ግና ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለው ህዝብታት፡ ካባታቶም ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ተሻየጡ።
45. ካብ ደቂ እቶ ምሳኻትኩም ዚነብሩ ጓኖት፡ ካባታቶምን ኣብ ሃገርኩም ካብ እተወልዱ ዓሌቶምን ተሻየጡ፡ ጥሪት ይኹኑኹም።
46. ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ከም ጥሪት ርስቲ ኣውርስዎም፡ ብኣታቶም ንዘለኣለም ክትግልገሉ ኢኹም። ብናይ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ንሓው ኣበርቲዑ ኣይግዝኣዮ።
47. ጓና ወይ ምሳኽ ዘሎ ጸጋዕተኛ እንተ ሀብተመ፡ ሓደ ሓውካ ኸኣ ምስኡ ኸሎ እንተ ደኸየ እሞ ንርእሱ ኣብቲ ምሳኻ ዚነብር ጓና ወይ ኣብ ሓደ ኻብ ዓሌት ጓና እንተ ሸጠ።
48. ድሕሪ ምሻጡ ይበጀዎም፡ ሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ይበጀዎ።
49. ሓው ኣቡኡ ወይ ወዲ ሓው ኣቡኡ ይበጀዎ፡ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ረኸበ፡ ንርእሱ ይበጀዋ።
50. ካብታ እተሸጠላ ዓመት ክሳዕ ዓመት እልልታ ምስቲ እተሻየጦ ኾይኑ ይጸብጽብ፡ እቲ ዋጋ መሸጣኡ ብመጠን ቁጽሪ ዓመታት ይኹን፡ ከም መጠን መዓልትታት ወዓላይ ምስኡ ይኹን።
51. ገና ብዙሕ ዓመታት እንተሎ፡ ብእኤን መጠን ዋጋ መበጀዊኡ ኻብቲ ገንዘብ መሸጣኡ ይምለስ።
52. ክሳዕ ዓመት እልልታ ቕሩብ ዓመታት ተሪፉ እንተሎ፡ ምስኡ ጸብጺቡ ኸም መጠን ዓመታቱ ዋጋ መበጀዊኡ ይምለስ።
53. ከም ዓሰባ ዓመት ንዓመት ምስኡ ይኹን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣበርቲዑ ኣይግዝኣዮ።
54. በዚ እንተ ዝይተበጀወ ኸኣ፡ ንሱ ደቁ ኸኣ ምስኡ ብዓመት እልልታ ሓራ ይውጽኡ።
55. ደቂ እስራኤል ባሮተይ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

  Leviticus (25/27)