Leviticus (24/27)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
2. እቲ ቐንዴል ዚኸውን እተጎድኤ ጽሩይ ዘይቲ ኣውልዕ ኬምጹልካ አዝዝ።
3. ኣሮን ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ብወጻኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ምስክር ዘሎ መጋረጃ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብ ምሸት ክሳብ ብጊሓት ወርትግ የዳልዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።
4. ነቲ ቐንዴል ኣብቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወርትግ ይዳልዎ።
5. ድኹም ሓርጭ ወሲድካ ድማ፡ ካብኡ ዓሰርተው ክልተ እንጌራ ሰንክት፡ ነንሓደ እንጌራ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ይኹን።
6. ኣብቲ ጽሩይ ሰደቓ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በብሹዱሽተ ጌርካ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣንብሮ።
7. ነቲ እንጌራ ድማ ንመዘከርታ፡ መስዋቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኪኸውንሲ፡ ኣብ ለልዕሊ እቲ መመስርዕ ኣንጌራ ጽሩይ ዕጣን ኣንብር።
8. ካብ ደቂ እስራኤል ንኺዳን ዘለኣለም በብመዓልቲ ሰንበት ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የዳልዎ።
9. እዚ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ንእኡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ፡ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ አኣ ይብልዕዎ። እዚ ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ።
10. ወሲ ሓንቲ እስራኤላዊት ሰበይቲ፡ ንሱ ኸኣ ወይ ምስራዊ ሰብኣይ፡ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወጸ፡ ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይን ድማ ኣብቲ ሰፈር ተበኣሱ።
11. ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸኣ ንስም እግዚኣብሄር ጸረፈን ኣቃለለን። ናብ ሙሴ ድማ ኣምጽእዎ። ስም ኣዲኡ ኸኣኣ ሰሎሚት ጓል ዲቦሪ፡ ካብ ነገድ ዳን ነበረት።
12. ብዛዕባኡ ብኣፍ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚቑረጸሎም ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ኣጽንሕዎ።
13. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሰኢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
14. ነቲ መቃለሲ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽኣዮ፡ እቶም ዝሰምዕዎ ኹሎም ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቐተሎ።
15. ንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ዝኾነ ሰብ ንኣምላኹ ዘቃለለ፡ ሓጢኣቱ ይጸውር።
16. እቲ ስም እግዚኣብሄር ዚጸርፍ፡ ሞት ይሙት፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ብዳርባ እምኒ ይቐተሎ። ጓና ኾነ ወይ ዓዲ፡ ስም እግዚኣብሄር ምስ ዚጸርፍ ይሙት።
17. ንዝኾነ ሰብ ዝቐተለ ሰብ፡ ሞት ይሙት።
18. እንስሳ ዝቐተለ ይተክእ፡ ህይወት ኣብ ክንዲ ህይወት።
19. ሰብ፡ ኣካል ብጻዩ ምስ ዚጉድል፡ ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ይግበርዎ።
20. ምስባር ኣብ ክንዲ ምስባር፡ ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኣብ ክንዲ ስኒ። ከምቲ ንሱ ንሰብ ዘጉደሎ ንእኡ ድማ ከምኡ ይግበርዎ።
21. እንስሳ ዝቐተለ ይተክኣሉ፡ ሰብ ዝቐተለ ኸኣ ይሙት።
22. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንጓና ኸም ዝኾነ፡ ንወዲ ዓዲውን ከምኡ ይኹን፡ ሓደ ፍርዲ ይኹነልኩም።
23. ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ ንሳቶም ድማ ነቲ መቃለሊ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጺኦም፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።

  Leviticus (24/27)