| ← Leviticus (24/27) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ |
| 2. | እቲ ቐንዴል ዚኸውን እተጎድኤ ጽሩይ ዘይቲ ኣውልዕ ኬምጹልካ አዝዝ። |
| 3. | ኣሮን ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ብወጻኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ምስክር ዘሎ መጋረጃ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብ ምሸት ክሳብ ብጊሓት ወርትግ የዳልዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። |
| 4. | ነቲ ቐንዴል ኣብቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወርትግ ይዳልዎ። |
| 5. | ድኹም ሓርጭ ወሲድካ ድማ፡ ካብኡ ዓሰርተው ክልተ እንጌራ ሰንክት፡ ነንሓደ እንጌራ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ይኹን። |
| 6. | ኣብቲ ጽሩይ ሰደቓ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በብሹዱሽተ ጌርካ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣንብሮ። |
| 7. | ነቲ እንጌራ ድማ ንመዘከርታ፡ መስዋቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኪኸውንሲ፡ ኣብ ለልዕሊ እቲ መመስርዕ ኣንጌራ ጽሩይ ዕጣን ኣንብር። |
| 8. | ካብ ደቂ እስራኤል ንኺዳን ዘለኣለም በብመዓልቲ ሰንበት ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የዳልዎ። |
| 9. | እዚ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ንእኡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ፡ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ አኣ ይብልዕዎ። እዚ ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ። |
| 10. | ወሲ ሓንቲ እስራኤላዊት ሰበይቲ፡ ንሱ ኸኣ ወይ ምስራዊ ሰብኣይ፡ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወጸ፡ ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይን ድማ ኣብቲ ሰፈር ተበኣሱ። |
| 11. | ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸኣ ንስም እግዚኣብሄር ጸረፈን ኣቃለለን። ናብ ሙሴ ድማ ኣምጽእዎ። ስም ኣዲኡ ኸኣኣ ሰሎሚት ጓል ዲቦሪ፡ ካብ ነገድ ዳን ነበረት። |
| 12. | ብዛዕባኡ ብኣፍ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚቑረጸሎም ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ኣጽንሕዎ። |
| 13. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሰኢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ |
| 14. | ነቲ መቃለሲ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽኣዮ፡ እቶም ዝሰምዕዎ ኹሎም ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቐተሎ። |
| 15. | ንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ዝኾነ ሰብ ንኣምላኹ ዘቃለለ፡ ሓጢኣቱ ይጸውር። |
| 16. | እቲ ስም እግዚኣብሄር ዚጸርፍ፡ ሞት ይሙት፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ብዳርባ እምኒ ይቐተሎ። ጓና ኾነ ወይ ዓዲ፡ ስም እግዚኣብሄር ምስ ዚጸርፍ ይሙት። |
| 17. | ንዝኾነ ሰብ ዝቐተለ ሰብ፡ ሞት ይሙት። |
| 18. | እንስሳ ዝቐተለ ይተክእ፡ ህይወት ኣብ ክንዲ ህይወት። |
| 19. | ሰብ፡ ኣካል ብጻዩ ምስ ዚጉድል፡ ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ይግበርዎ። |
| 20. | ምስባር ኣብ ክንዲ ምስባር፡ ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኣብ ክንዲ ስኒ። ከምቲ ንሱ ንሰብ ዘጉደሎ ንእኡ ድማ ከምኡ ይግበርዎ። |
| 21. | እንስሳ ዝቐተለ ይተክኣሉ፡ ሰብ ዝቐተለ ኸኣ ይሙት። |
| 22. | ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንጓና ኸም ዝኾነ፡ ንወዲ ዓዲውን ከምኡ ይኹን፡ ሓደ ፍርዲ ይኹነልኩም። |
| 23. | ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ ንሳቶም ድማ ነቲ መቃለሊ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጺኦም፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። |
| ← Leviticus (24/27) → |