Leviticus (23/27)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ንቕዱስ ኣኼባታት እትእውጁለን በዓላት እግዚኣብሄር፡ እዚኣተን በዓላተይ ኣየን፡
3. ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዐየ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ንቕዱስ ኣኼባ ዚጽውዑላ ሰንበት ዕረፍቲ ኣያ። ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩላ፡ ንሳ ኣብ ኩሉ እትነብርዎ ሰንበት እግዚኣብሄር እያ።
4. ኣቶም ብምዱባ ግዚያቶም ንቕዱስ ኣኼባታት እትእውጁሎም በዓላት እግዚኣብሄር እዚኣቶም እዮም።
5. ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኪመሲ ኸሎ፡ ፋሲጋ እግዚኣብሄር እዩ።
6. በታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሃሙሽተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።
7. በታ ቐዳመይቲ ቕዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይተዕየዩ።
8. ሾብዓተ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋኣቲ ሓዊ ኣቕርቡ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ።
9. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም
10. በሎም ከኣ፡ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዓጺድ ክትዓጽዱ ከለኹም ድማ፡ ካብቲ ቐዳማይ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምጽኡ።
11. ምእንቲ ኽትፍተወልኩም ከኣ፡ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዛ፡ ኣቲ ኻህን በታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ይወዝውዛ።
12. በታ እንዳእቲ እትውዝውዙላ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር ንዚሓርር መስዋእቲ ጎደሎ ዜብሉ ገንሸል ዓመት ሰውኡ።
13. ነቲ ምስኡ ዘሎ መስዋእቲ ብልዒ ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ብዘይቲ እትቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ንመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና፡ ንመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና፡ ንመስዋእቲ መስተ ኸኣ ራብዓይ ኣፍ ሂን ወይኒ ይኹን።
14. ክሳዕ እታ ንኣምላኽኩም መስዋእቲ እተቕርቡላ መዓልቲ፡ እንጌራ ኾነ፡ ጥቡስ ሰዊት ኮነ፡ ዘይጥቡስ ሰዊት ኮነ ኣይትብልዑ። እዚ ኣብ ኩሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።
15. ካብታ ዚውዝውዝ እንዳእቲ ዘምጻእኩምላ መዓልቲ፡ ካብ ጽባሕ እታ ሰንበት ዞጾርኩም ሾብዓተ ምሉኣት ሰናብቲ ይኹና።
16. ክሳዕ ጽባሕ እታ ሳብዐይቲ ሰነብት ሓምሳ መዓልቲ ቖጺሩ ሽዑ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕርቡ።
17. ካብቲ እትነብርዎ፡ እንጌራ መስዋእቲ ምውዝውዛ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ በኹዕ እተሰንከተ ክልተ እንጌራ ህያብ በኹራት ንእግዚኣብሄር ኣምጽኡ።
18. ምስቲ እንጌራ ድማ ጎደሎ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡ ሃደ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል ኣቕርቡ፡ ንእግዚኣብሄር ዚሓርር መስዋእቲ ይኹኑ። ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ከኣ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ ይኹን።
19. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ገንሸል ዓመት ሰውኡ።
20. እቲ ኻህን ድማ ንኣታቶም ምስቲ እንጌራ በኹራትን ምስ ክልቲኦም ገንሸልን ሀይሩ፡ ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞም። ንእግዚኣብሄር እተቐደሱ፡ ንኻህን ይኹኑ።
21. በታ መዓልቲ እቲኣ በዓል ኣውጁ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ። ኣዚ ኣብ ኩሉ እትነብርዎ ንውሉስ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ።
22. ዓጺድ ምድርኹም ክትዐጽዱ ኸለኹም፡ ክሳዕ ወሰን ግራትካ ኣይትዕጸድ፡ ቐሪም እቲ ዕጹድካውን ኣይትእረዩ፡ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
23. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
24. ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ካብቲ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ዕረፍቲ ንመዘከርታ ብቓና መለኸት፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም።
25. ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዐየዩ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ።
26. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
27. ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ እዚኣ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፡ ንሳ መዓልቲ ዕርቂ እያ። ሽዑ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኪም፡ ነፍስኹም ድማ ኣዋርዱ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣኣ መስዋእቲ ሓዊ ሰውኡ።
28. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እትዕረቑላ መዓልቲ ዕርቂ እያ ኣሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ ዕዮ ኣይትዕየዩ።
29. በታ መዓልቲ ኣቲኣ ዘይትዋረድ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቁስ እያ።
30. በታ መዓልቲ እቲኣ ዝኾነ ዕዮ እትዐዮ ዘበለት ነፍሲ፡ ነታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ማእከል ህዝባ ኽጥፍኣ እየ።
31. ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩ። ኣብ ኩሉ እትነብርዎ፡ ንውሉስ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ።
32. እዚኣ ፍጹም ሰነብት ዕረፍቲ ትኹነልኩም፡ ነፍሳትኩም ከኣ ኣዋርዱ። ካብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ምሸት፡ ንሰንበትኩም ካብ ምሸት ክሳዕ ምሸት ኣብልዕዋ።
33. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ።
34. ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ንእግዚኣብሄር ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ እዩ።
35. ኣብታ ቐዳማይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይተዕየዩ።
36. ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ፡ ብሳምነይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ መስዋእቲ ሃዊ ኣቕርቡ። ዓብዩ በዓል ማሕበር እዩ፡ ተግባር ዕዩ ዘበለ ኣይትዕየዩ።
37. ቅዱስ ኣኼባታት እትእውጁለን እቲ በብመዓልቱ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ ሕሩድን መስዋኣቲ መስተን እተቕርቡለን በዓልት እግዚኣብሄር እዚኣተን እየን።
38. እዚ ብዘይ ሰናብቲ እግዚኣብሄርን ብዘይ እቲ ሃይባትኩምን ብዘይ ኩሉ መብጽዓኹምን ብዘይ እቲ ንእግዚኣብሄር ብፍቓድ እትህብዎ ኹሉ መስዋእትኩምን እዩ።
39. ካብታ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ እቶት እታ ምድሪ ምስ ኣታሕስሰኩም፡ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል እግዚኣብሄር ኣብዕሉ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ስነበት ዕረፍቲ ትኹን፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ሰንበት ዕረፍቲ ትኹን።
40. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ዝበለጸ ፍረ ኦም ጨናፍር ስየን ጨናፍር ደስደስ ኣእዋምን ዕቦል ርባ ኸኣ ውሰዱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ተሓጎሱ።
41. ነዚ በዓል እዚ ኣብ ዓመት ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣብዕልዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ። ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብዕልዎ።
42. እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውጻኦም ከለኹ ኣብ ዳስ ከም ዘስፈርክዎ፡ ውሉድ ወለዶኹም እንቲ ኺፈልጡ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ዳስ ተቐመጡ፡ ካብ እስራኤል እተወልዱ ዘበሉ ኣብ ዳስ ይቀመጡ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኹም እየ።
43. እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውጻኦም ከለኹ ኣብ ዳስ ከም ዘስፈርክዎ፡ ውሉድ ወለዶኹም እንቲ ኺፈልጡ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ዳስ ተቐመጡ፡ ካብ እስራኤል እተወልዱ ዘበሉ ኣብ ዳስ ይቀመጡ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኹም እየ።
44. ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን ምዱባት በዓልት እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኣኤል ተዛረቦም።

  Leviticus (23/27)